2017-11-13 09:04:00

ብዛዕባ ስርወ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዘንትው መጽሓፍ


ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመለኻኽታን ሓሳብን ትምህርትን ኣናስር ንድሕሪት ምልስ ቢሉ ዝመርመረን ውሽጣዊ መሬተ ባህሉን መንቀሊኡን ኩሉ ዝድህስስ እዚ ድማ ገና ተመሃራይ መንበረ ጥበብ ዝነበርሉ ኣውን ምልስ ቢሉ ዝቓንይን ዝድህስስ ኾርገ ቦርጎሊዮ ( ናይ ቅድሱስ ኣቦና ... ፍራንቸስችኮ) ናይ ስነ ባህሊ ታሪኽ ሕይወት (ምርምርን መጽናዕትን) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኢጣሊያ ፐሩጃ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና መምህር ማሲሞ ቦርገዚ ዝተደርሰዎ ብቤት ማሕተም ጃክ ቡክ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ ነቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ኣፍሊጦም።

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ ካህን ናይቲ ማሕበር መስራቲ መንፍሳዊ መርሆን ዕላማን ጥልቂ መንፈሳውነቱን ብስነ ፍልስፍናዊ ንባብ ፍረንሳዊ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ጋስቶን ፈሳርድ ኣቢሎም ዘጽንዑን ዘዕሞቑን ምግጣም ኣንጻር ወይ ከኣ መንጽር ኣጋጣሚ ብዝብል ፍልስፍናውን ኣመክንዮኣዊ ኣምር ካቶሊካውነት ዝብል ሓሳብ ብስትውዓል ነቒሎም ካብ ናይ ሮማኖ ጉዋርዲኒ ስነ ሓሳብ ዘሰነዮም ኩሉ ዝድህስስን ዝትንትን መጽሓፍ ምዃኑ ዘመልከቱ ኮላግራንደ ኣስዒቦም፥ ብፍላይ ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትትን ብፍላይ ኣብተን ፍሉያት ኣርባዕተ ቃለ መሕትት ዝተመርኰዘ መጽሓፍ ምዃኑ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.