2017-11-13 08:56:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ህጹጽ ዕዮ ንናይ ስብኣዊ ምዕባለ ጻውዒት ጳውሎስ ሻድሻይ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብዝኽሪ መበል 50 ዓመት Populorum Progressio - ሕዝባዊ ምዕባለ ብዝብል ኣርእስቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ሕጹጽ ዕዮ ንናይ እዋናዊ ሰብኣዊ ምዕበለ መሰረት ምዃኑ ዘነጽር ሓሳብ ዘማእከለ ናብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ እዋናዊ ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ኣርእስቲ ፎሪ ለ ሙራ ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ዝተኸይደ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሳልሳይ መንበረ ጥበብ ሮማ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ስነ ሕግታትን ናይ ሕገ ቀኖና ስነ ምርምር ጨንፈር መጽናዕቲ ምስ ደብሪ በነዲክቶሳውያን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፥ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘስፈርዎ ክቡር ጻውዒት ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለን ምዓበለ ሰብኣዊ ምትሕብባርን ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም እቲ ክቡር ጻውዒት ነቲ ሎሚ ድኽነት ዝሰፍሓሉን ብስእነት ሰላም ዝሳቐይን ውጥረትን ዕግርግርን ኣብ ዘተፈላለየ ሃገር ኣብ ዝተኣንገደሉ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣዚዩ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡  ከምዝበሉ ዝሓበራ ኣድሪያና ማሶቲ ኣስዒበን፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብኻልእ መዳይ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝምልከት እዩ። ስለምታይ ሰላም ንምሕናጽን ንምርግጋጽን እቲ ዘይምስምማዕ ዘስፍሕን መንቀሊ ሁከትን ውግእን ዝዀነ ኢፍትሓውነት ንምውጋድ ወሳኒ እዩ። ጳውሎስ ሻድሻይ ካብቲ ኣብ ኢጣሊያ ዝነበረ ኩነት ተበጊሶም ብቤተ ክርስቲያን ኣቢሎም ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ኩነት እናዳህሳሱን እናንበቡን ነቲ ናይ ኢጣሊያ ዶባት ሰጊሩ ዝግለጽ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ባህሊ ምስክር እዮም፡ እዚ ባህሊ’ዚ ድማ መሰረቱ ወንጌል ምዃኑ ብምትንታን፥ ምትሕብባርን ቀረባውነትን ዘይንጸግ መሰረተ ሰብኣውነት እዩ። ስለዚህ ምትሕብባርን ቀረባውነትን (ንብጻይካ ምፍቃር) እውነተይና ሰብኣውነት የረጋግጽ። እዚ ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ እዋናውነቱ ዘይበርስ ብፍላይ ኣብቲ እናሓደረ ኣብ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምርግጋጽ ዝደክምን ውድቀት ዘርእይ ዘሎ እዋንና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን፡ ፕሮፈሰሮ ካርሎ ካርዲያን ናይ ኢጣሊያ ነበር መራሔ መንግስትን ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኢጣሊያ ናይ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባል ጁሊያኖ ኣማቶን ካልኦት ካብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ዝተዋጽኡ ምሁራት መደረ ዘቕረብሉን መልእክቲ እውን ዘመሓላለፍሉ ከምዝነበረ ዝሓብራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሶቲ ኣስዒበን ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር አርጆ ማታረላን ነበር ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖን ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ሊቀ ካህናትን ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጉዋልቴሮ ባሰቲን ናይ ሚላኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒኒ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.