2017-11-09 17:49:00

መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎት ምስጋና እምበር ትያትር ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ እንክጅምሩ እቲ ቀንዲ እዚ ምሥጢር እዚ ዝግለጸሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዃኑን ነዙ ንሕማማትን መሕየዊ ዝኾኑ ሞትን ክርስቶስ ብሓዲሽ ሕያው ዝኾነሉ ምሥጢር ሓሳባትና ጠርኒፍና ብሕልናን ልቦናን ክንከታተሎን ክንሳተፎን እምበር በዚ ዘሎ ዘመናዊ መራኸቢታት ክስእሉን ክስንዱን ሒዂ ንዝብሉ ምእመናንን ካህናትን ንኣቡናት ከይተረፈ ሕማቅ ከምዝገብሩን ‘መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ኣኰቴት ጸሎተ ምስጋና እምበር ንረኣዪለይ ስምዑለይ ዝግበር ምርኢት ከምዘይኮነ’ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጊሓቱ ዝጽበይዎም ዝነበሩ በሽሓት ዝቊጸሩ ምእመናን ሮማን ከባቢኣን ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ነጋድያንን ተዛዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓዲሎምን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 6.47-51 ‘እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።’ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም፣ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም፣ ሎሚ ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ክንጅምር ኢና፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ሕመረት ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ማለት ምስጢረ ጥቀ ቅዱስ ቁርባን ይምልከት፣ ምስ እግዚኣብሔር ንዘሎና ርክብ ብምልኣት ንክነብሮ ትርጉምን ምስጢርን ናይ መስዋዕተ ቅዳሴ ምፍላጥን ምርዳእን ንዓና ንክርስትያን መሰረታዊ እዩ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ውሽጢ ታርኽ ክልተ ሺሕ ዓመት ብዙሓት ክርስትያን ክሳብ ሞት ንቅዱስ ቊርባን ንምክልኻል ሕይወቶም መሥዋዕቲ ክሳብ ምግባር ከምዝተቃለሱን  ሎሚ እውን እንተኾነ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዕለተ ሰንበት ንክሳተፉ ሕይወቶም ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ዘውድቁ ከምዘለው ክንርስዕ የብልናን፣ ታሪኽ ከምዝዝክሮ ብ304 ዓምፈ ብግዜ ስደት ድዮከስያን ሓደ ጉጅለ ክርስትያን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ተሓቢኦም ኣብ ቅዳሴ እንከለው ብሃንደንበት ተታሒዞም ይእሰሩ እሞ እቲ ናይቲ ከባቢ ገዛኢ ማለት ወኪል ሮማዊ መንግስቲ ዝነበረ ነቶም ክርስትያን ‘እዚ ተግባር እዚ ብሕጊ ዝተኸልከለ ምዃኑ እናፈልጥኩም ስለምንታይ ነዚ ክትገብሩ ወሲንኩም’ ኢሉ ኣብ ዝሓተቶም ግዜ ‘ሰንበት ብዘይቅዳሴ ክነብር ኣይንኽእልን’ ኢሎም መለሱሉ፣ ብካልእ ኣዘራርባ ቅዳሴ እንከይሰማዕናን እንከይቆረብና ክነብር ኣይንኽእል ኢና ሕይወት ክርስትናና ትመውት እዮም ዝበልዎ፣ ነዚ ከኣ እዩ ኢየሱስ ንሓዋርያት ‘ሓቂ ብሓቂ ክብለኩም ሥጋ ወዲሰብ እንተዘይበላዕኩም ደሙ’ውን እንተዘይሰተኹም ዘለዓለማዊ ሕይወት የብልኩምን፣ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ካብ ሞት ከተንሠኦ እየ፣ ሥጋይ እውነተኛ መግቢ ደመይ ከኣ እውነተኛ መስተ እዩ፣ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ከኣ ዝሰቱ ምሳይ ይነብር ኣነ’ውን ምሳኡ እነብር`

እዞም ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ክርስትያን መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን ንቊርባንን ክብሉ ኩሎም ተቀቲሎ፣ ኮይኑ ግን ንስለ ቅዱስ ቊርባን ክትብል ምድራዊ ሕይወትካ እውን ምምናን ከምዝከኣል፣ በዚ ከኣ በቲ ብሞት ክርስቶስ ኣብ ዝርከብ ዓወት ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምእንሳተፍ ከምዝገብረልና ንዘለዓለም ዝኸውን ምስክርነት ገዲሮም፣  እዚ ምስክርነት እዚ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ምሥጢረ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስታፍን ኣብ መኣዲ ጐይታ ምስታፍን እንታይ ትርጉም ከምዝህበና ብጭቡጥ ክንምልሶ ዝደፋፍእ ምስክርነት እዩ፣ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ንሳምራዊት ሰበይቲ ‘ሕያው ማይ ካብ ከርሲ ከምዝፍልፍል’ ዝገብር ዓይኒ ማይ ማለት ንሕይወት ዘለዓለም ዝኸውን ማይ ሕይወት ንምድላይዶ ይኸውን! እዚ ማይ ሕይወት እዚ ንሕይወትና ናይ ኣምልኾን ምስጋናን መንፈሳዊ መስዋዕቲ ከምእትኸውን ገይሩ ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ዝገብሮ እዩ፣ ዓሚቊ ትርጉም ጥቀ ቅዱስ ቊርባንከስ እዚ እዩ፣ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ማለት ከኣ ምስጋና እዩ ትርጉሙ እዚ ምስጋና እዚ ነቲ ኣብ ሕይወቶም እናተሳተፍና ኣብቲ ናይ ፍቅሪ ውህደቶምን ሱታፌኦምን ንዝልውጡና ቅድስት ሥላሴ እግዚብሔር ኣብን ወልድን መፈስ ቅዱስን ዝቀርብ ምስጋና እዩ፣   

ኣብ ዝቅጽሉ ክፍለ ግዝያት ናይ ሶሙናዊ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ቅዱስ ቊርባንን መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝቀርቡ ሓድሓደ ኣገደስቲ ሕቶታ መልሲ ክህብ ክፍትን እየ፣ እዚ ከኣ ፍቅሪ እግዚብሔር ከመይ ገቢሩ በዚ ምሥጢር እዚ ኣብና ከምዘንጸባርቅ እንደገና ንምርካቡን ንምግንዛቡን ክሕግዘና እዩ። ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ናይ እምነቶም ዕብየት ንምርዳእን ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝህቦ ጣዕሚ ንክፈልጡ ንምጉስጓስ  ነበረ፣ በዚ ከኣ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ዝኣገረ ንምሕዳስ ሥርዓተ ኣምልኾ ክተግሁ እሞ ቤተክርስትያን ብቀጻሊ በዚ ጸጋ እዚ ክትነብርን ወትሩ ክትሕደስን ከም ትኽእል ስለዝኣመኑ እዮም። ናይዞም ኣበው ቀንዲ ዛዕባ ከኣ ንሓቀኛ ተሓድሶ ብዘይወዓል ሕደር ዘድሊ ንምእመናን ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ምኩስኳስ ኮነ። ናይዚ እንጅምሮ ዘሎና ዙርያ ትምህርቲ ክርስቶስ ዕላማ እውን እዚ እዩ ማለት ናይዚ ዓቢ ትዕድልቲ እግዚብሔር ዝኾነ ማለት እግዚኣብሔር ብቅዱስ ቁርባን ንዓና ዝወሃበሉ ምስጢር ኣፍልጦ ንምዕባይ እዩ፣

ጥቀ ቅዱስ ቁርባን ሕይወትና ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ዝርከበሉ ህልው ዝኾነሉ ምሥጢር እዩ፣  ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስታፍ ማለት ‘ነቲ ኢየሱስ ምእንታና ዘሕለፎ ሕማማትን መድሓኒ ሞትን እንደገና ከምብሓዲስ ምንባሩ’ እዩ ዘመልክት፣ ሓደ ተገልጾ ናይ ኣምልኻ እዩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንደገና ኣብ መንበረ ታቦት ብምምጻእ ምእንቲ ድሕነት ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ከም መስዋዕቲ ይቀርብ፣ ጐይታ ኣብቲ መንበረታቦት ምሳና ህልው እዩ፣ ኮይኑ ግን ንሕና ብዙሕ ግዜ ኣብኡ ንኸይድ እሞ የማነ ጸጋም ቀልባዕባዕ እናበልናስ ይኹን ካህን ክቅድስ እንከሎ ሕሹዂሹኹ እናበልና ካብኡ ብዙሕ ርሒቅና ንርከብ፣ ኣንቱም ካብ እዝግስ ጐይታ እኳ እዩ ኣብ መንጎና ዘሎ፣ ሕስብ እሞ ኣብልዎ ኣብዚ ሕጂ ሕጂ መራሒ ናይዛ ሃገር ወይውን ካልእ ህቡብ ናይ ዓለምና ኣብዚ እንተዝመጽእ ሰላም ክንብሎን ጥቃኡ ክንከውንን ከምንጸዳደፍ ርግጸኛ እየ፣ እስከ ሕሰቡ ናብ ቅዳሴ ክትከዱ እንከሎኹም ጐይታ ኣብ መንበረ ታቦት እንከሎ ብሓሳብካ ገሽካ ቀንፈዘው ክትብልን ኣብ ቤተክርስትያን ኰለል ክትብልን እንታይ ይመስለኩም፣ ነዚ ነስተንትን! ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ኣባቴ ቅዳሴ የሰልችወና እዩ` ክብለኒ ይኽእል ኣነ ከኣ ዋእ ኣንታ እንታይ ትብል ጐይታዶ የሰልቹ እዩ ኣይፋልካን እብሎ፣ መሊሱ ኣይኮነን ኣባቴ ገሊኦም ካህናት ክቅድሱ ከለውስ ብጣዕሚ እዮም ዘሰልችው ክብለኒ ይኽእል፣ ኣነ ከኣ ኣሃ እዚስ ክኸውን ይኽእል ስለዚ ካህናት ክልወጡ ንጸሊ ኮይኑ ግን ጐይታ ኩሉ ኣብኡ ከምዘሎ ኣይትዘንግዕ እብሎ፣ ተረዳዲእናዶ! ነዚ ኣይትረስዑ ‘መሥዋዕተ ቅዳሴ ማለት ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ምእንቲ ድሕነትና ዘሕለፎ ሕማማትን መድሓኒ ሞትን እንደገና ምስታፍ ማለት እዩ’፣  

እምበኣር ሕጂ ነተን ብቀሊሉ ኣብ ኣእምሮና ዝቀላቀላ ሕቶታት ክንርኢ ንፈትን፣ ንኣብነት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ እንጅምረሉ ስለምንታይ ትእምርተ መስቀል ንገብር! ስለምንታይከ ብተኣምኖተ ሓጢኣትን ንስሓን ንጅምሮ! ኣብዚኣ እስኪ ክሓተኩም ቈልዑ ከመይ ገሮም ትእምርተ መስቀል ከምዝገብሩዶ ኣስተውዒልኩምሎም ትፈልጡ፣ እንታይ ከምዝገብሩ ዘይትርደኣሉ ግዝያት ኣሎ ትእምተ መስቀል ድዮም ዝገብሩ ዘለው ወይስ ብኢዶም ሓደ ምልክት ወይ ስእሊ ይገብሩ ኣለው ዘይትፈልየሉ ግዝያት ኣሎ፣ ንሶምሲ ዓቅሞም ኮይኑ ከምኡ ይገብሩ ወለድን ዓበይትንከ ውራይ ኢሎም ንሕጻናት ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር ይምህሩዶ! ስለዚኸስ ንቈልዑ ኣብ ምጅማር ቅዳሴ ትእምርተ መስቀል ከምዚ እዩ ዝግበር ኢልካ ምምሃሮም፣ ኣብኡ ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ሕይወትስ ይኹን ዕለታዊ ሕይወት ብትእምርተ መስቀል ከምዝጅመር ምምሃሮም ጽቡቅ እዩ፣ እዚ ማለት ንሕና ኩልና ብመስቀል መድሓኒና ኢና ድሒና ማለት እዩ፣ ስለዚ ንቈልዑ ትእምርተ መስቀል መሃሩ፣ ናብ ሕቶታትና ምስ እንምለስ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝንበቡ ንባባት እንታይ ትርጉም ኣለዎም! ስለምንታይ ኣብ ሰንበት ሰለስተ ንባብት ኣብ ካልእ መዓልቲ ክልተ ንባብት ጥራይ ይቀርቡ! ስለምንታይ ይንበቡ ትርጉሞምን ርክቦም ምስ መስዋዕተ ቅዳሴን እንታይ ኮን ይኸውን! ወይውን ካህን ኣብ ማእከል ቅዳሴ ‘ኣልዕሉ ኣልባቢክሙ ማለት ልብኻትኩም ንሰማይ ሓፍ ኣብሉ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን! ኣብዚእባ ሓንቲ ነገር ከዘኻኽር ካህን ልብኹም ሓፍ ኣብሉ ክብል ከሎ ስእሊ ንክትወስዱ ተለፎናትኩም ወይ መስኣሊ ማኪና ሓፍ ኣብሉ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ፣ እዚ ብሓቂ ደስ ዘየብል እዩ ንኣይ ብጣዕሚ የሕዝነኒ ምናዳ ኣብዚ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ውሽጥስ ይኹን ኣብ ቅርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ነዕርገሉ ግዜ ምእመናንስ ይኹኑ ካህናት ኣቡናት እውን ከይተረፉ ክስእሉ ሒዂ ክብሉ ከለው ብጣዕሚ ይጽልኣኒ፣ በጃኹም መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ ኣኰቴት ጸሎተ ምስጋና እምበር ሓደ ትያትር ኣይኮነን፣ ንሕማማት ትንሣኤን ክርስቶስ ብሓዲስ እንነብሩ ሁመት እዩ፣ ስለዚኸስ እቲ ካህን ልብኹን ንሰማይ ኣልዕሉ ክብል ከሎ ነዚ እዩ እዩ እምበር ተለፎናትኩም ኣልዕሉ ኣይኮነን ዝብል እምበአርከስ ካብ ሕጂ ንደሓር ወጊድ ንተለፎናትን መስኣሊ ካመራታትን! ነዚ ኣይትረስዑ!

ኣብቲ መሰረታዊ  ሕቶታት ምልስ ኢልና ናይዚ ኩሉ ሕቶታት ሕመረት እንደገና ንምርካቡ ሃሰስ እንተበልና እቲ ቀንዲ ሕቶ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ብጾቱ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ረኺብናዮ ምስ በልዎ ‘ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ ዝብል ብቅዱስ ቶማስ ዝቀረበ ሕቶ ናትውን ስለዝኾነ ነዚ መሰረታዊ ድሌትን ሕቶን ነፍስወከፍና ዝኾነ ንምምላሽን  ነቲ ምእንቲ ድሕነትና ዝተፈጸመ ነገራት ንክርእን ንክንድህስስን እንኽእለሉ ምሥጢራት ብምስራዕ ስለዝኾነ ሃምናን ልብናን ቀልብናን ኣብኡ ገርና ክንሳተፍ እሞ ክንርእዮን ክንትንክፎን ክንፈልጦን ንንጠፍ፣ ቅዱሳት ምሥጢራት ኩሎም ብሕልፊ ከኣ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ምሥራዕከስ ምልክታት ፍቅሪ እግዚኣብሔርን ምሳኡ ንክንራኸስ ዝኸበሩ መንገድታትን እዮም፣

በዚ ከምዝኸስ እዚ ሎሚ እንጅምሮ ዘሎና ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምሥራዕ ቅዱስ ቁርባን ተሓቢኡ ዘሎ ጣዕምን ጽባቄን ብሓባር ሃሰስ ክንብሎን ክንግንዘቦን ምደለኹ ምስ ተገልጸልና ከኣ ንሕይወት ነፍሲ ወከፍና ትርጉም ይሃብ፣ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብዚ ሓዲስ ጉዕዞ መንገድና ተሰንየና፣ ክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣመስጊኖም ሓዋያዊ ቡራኤ ብምሃብ ኣሰናበትዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.