2017-11-04 18:49:00

፭ይ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 27 2010 (11/5/2010)


 

 

 

ንባባት፡  1ተሰ 2፡2-13፥ ያዕ 1፡1-12፥ ግ.ሓ. 28፡7-17፥ ማቴ 23፡1-12።  ምስባክ፡ ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙሓዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቆጽላኒ ኢይትነገፍ።  

መዝሙር፡ ክርስቶስ ሰንበት ሠርዓልና ብአኡ ሓቢርና ክንሕጎስ ዕረፍቲ ክትኮነና ሃበና፥ግራውቲ ወይኒ ዓምበቡ አታኽልቲ ፈረየ ሰለሙን እኳ ከም ሓደ ካብኦም አይለበሰን። መዓልቲ ሰንበት ምስ አምላኽ እንራኸበላ ጸጋ እንዕደለላ ዕለት ስለ ዝኾነት ክነኽብራ ይግባእ። ሰንበት አኽብሩ ጽድቂ ግበሩ ይብለና አምላኽ። ሰንበት ዘየኽብር ንአምላኽ አየኽብርን እዩ ስለዚ ብምዓልቲ ሰንበት ክንጽሊ ክንሳሕ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንሳተፍ ይግብአና።

፭ይ ሰንበት ዘጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። አስተንትኖና ምስ ማርያም ኮና ድላይ አምላኽ ምግባር እዩ። ሰብ ሕጉስን ቅሱንን ሕይወት ዘሕልፍ ምስ አምላኽ ክራኸብ እንከሎ እዩ እዚ ኸአ ዝብሎን ዝገብሮን ጽቡቕ ነገር ሓደ ክኸውን እንከሎ እዩ። ዘመነ ጽጌ አብነት ማርያም ተኸቲልና አምላኽ ዝፈትዎን ዝደልዮን ክነስተንትን የዘኻኽረና። ብአፍና ክርስትያን እየ እንተ በልና ብግብርና ግን ግብሪ ሰይጣን ንገብር እንተ ኾና እንታይ ጥቕሚ አልኦ።

ሓደ እዋን ሓንቲ አደ ጓላ ብዙሕ ሽኮራዊ ነገራት ብምብላዕ አብ ጥዕንአ ብዙሕ ዝፈርሐት እትገብሮ ጠፊእዋ ናብ ማህተማ ጋንዲ ዝተባህለ መራሕ ህንዲ ዝነበረ ምኽሪ ደልያ መጽአት። ጎይታይ በጃኻ ንጓለይ ተዛረበለይ ሽኮራዊ ነገር ካብ ዓቐን ንላዕሊ እያ እትበልዕ ከይትሓመኒ ፈሪሐ ክትመኽረለይ አባኻ አምጺአያ አሎኹ ንአይ ምስማዕ አብያትኒ ስለዚ አብኻ አምጽአያ አሎኹ ኢላቶ። ጋንዲ ሱቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ንጓልኪ ድሕሪ ሰለስተ ሶምን አምጽእያ ኢሉ ተሰናቢታ። ድሕሪ ሰለስተ ሶምን እንደገና ጓላ ሒዛ መጺአት። አብዚ እዋን ጋንዲ ነታ ቆልዓ ቀስ ኢሉ ብኢዳ ሒዙ አውግን አቢሉ ሽኮራዊ ነገራት ዘስዕቦ ጉድአት አብነት እናሃበ አረዲእዋ። ሽዑ ነዚ ሕማቕ ልምዲ ክትሓድጎ ነጊርዋ እታ ቆልዓ ኸአ ፍሽኽ እናበለት ሕራይ ኢላቶ። ወላዲት በቲ ንጓላ ዝሃቦ ምኽሪ አመስጊና ግን እዚ ቀሊል ነገር ክትብላ እንተ ኾንካ ስለምንታይ ብቀዳማይ መጺእና ከሎና ዘይበልካያ ስለምንታይ ሰለስተ ሶምን አጸቢኻና እናበለት ሕርቃን ብዘለዎ ሓቲታቶ። ጋንዲ ሕፍረት እናተሰምዖ ብትሑት ድምጺ ብሓቂ ክብለኪ አነ ንርእሰይ ቅድሚ ሰለስተ ሶምን እየ ሽኮራዊ ነገራት ናይ ምብላዕ ወልፊ ሓዲገ እናበለ መሊሱላ ይብሃል።

ከም ዝብሃል አብነት/አርአያ ንኻልኦት ሰባት ክትጸሉ ዝጠቅም ጥራሕ አይኮነን እንታይ ድአ ንሱ ጥራሕ እዩ እቲ እንኮ መገዲ ንሰባት ክትቕይር ዝሕግዝ። ሰባት አብቲ እንብሎ አይኮኑን ዘስተውዕሉ አብቲ እንገብሮ እዮም ዘስተውዕሉ። አብ አብሃህላና ከም እንብሎ መጀመርያ ንእትብሎ ተአዘዝ ድሕሪኡ ንኻልኦት በሎ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ንፈሪሳውያን በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግብዝና ዝመልኦ ሕይወቶም አትሪሩ ከም ዝወቐሶም ሰሚዕና። ንሕናኸ ብኸመይ ንፍለጥ? አምሰሉታት ዲና? ሓቀኛ እንታይነትና ከይፍለጥ ከዊልና እንነብር ዲና? ዘሎናዮ ዘመን ንዘይ ኮናዮ ከም ዝኾና ገሩ ዘቕርብ ዘመን እዩ። ሓንቲ ዘይንፈልጥ ከም ፈላጣት፥ ድነቑር ከሎና ከም ለባማት፥ ክፉአት ከሎና ከም ሕያዎትን ጥዑያትን ኮና ምቕራብ፥ ብኹሉ ዝተበላሾና ከሎና ሓንቲ ጸገም ከምዘይብልና ኮና እንነብር ኢና። ሰብ ከቢድዎ ዘሊ ሓቅን ዘይሓቅን ምልላይ ተሳኢንዎ አሎ። ነዚ አብነት ዝኾነና አብ ትንቢት ሚልክያስ ነብይ ንረክብ። እራኤላውያን ክብ ከቢድ ባርነት ባቢሎን ብጸጋ አምላኽ አብ ዓዶም ድህሪ ተመሊሶም አብ ሓጺር እውን ነቲ ኩሉ ዝተገብረሎም ረሲዖም ብፍላይ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ክሳዶም ነፊሖም ንዕቀት ትዕቢት ሓሶት ህርፋን የርእዩ ነሮም ነዚ ክእርም አምላኽ ብነብይ ሚልክያስ ነጊርዎም።

አብ ትንቢት ሚልክያስ 1፡14-2፡2-10 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል ብነብይ ሚልክያስ ገሩ ቃሉ ከም ዘስምዖም ንርኢ። አብ ልዕሊ ካልኦት ዝገብርዎ ውሳኔታት ሓቂ ዝጎደሎን ዘይቅኑዑን ነገራት አትሪሩ ይወቕሶም። ሚልክያስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ድሕሪ ምምላስ ካብ ስደት ባቢሉን ከምኡ ድሕሪ ዳግማይ ህንጸት ቤተ መቕደስ አብ ኢየሩሳሌም (517 ቅ.ል.ክ) ዝነበረ እዩ። ነብይ ሚልክያስ በቲ እቶም ካህናት አብ ቤተ መቕደስ ዝገብርዎን ዘርእይዎን ዝነበሩ ጠባይን ዕንቅፋትን እናወቐሰ ከመይ ገሮም ነቲ መስዋዕቲ ዘሕሰርዎን ዘራኽስዎን አትሪሩ ይዛረቦም ነሩ።

አብ ትንቢት ሚልክያስ እንርእዮ ነቶም አብ ቤተ ክህነትን አብ አገልግሎት ቤት አምላኽን ዝርከብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕንቅፋት ወይ ብልሽውና ገሊጹ እናነገረ እቶም ካህናት ንመስዋዕቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ እንስሳ ሕሙምን ጎደሎ አካልን ዘይብቑዕን ብምቕራቦም ንክብሪ አምላኽ ምድፋሮም እናነገረ፥ ከመይ ገሮም ጸጋ አምላኽን ንእምነቶም ዘሕሰሩን ገሊጹ ነጊርዎም። በቲ ዝብልዎን ዝገብርዎን ዘስተምህርዎን ዝነበሩ ምኽንያት ብዙሓት ካብ ሓቀኛ መገድን እምነትን ርሒቖም አብ ጉጉይ መገዲ አምሪሖም። ብሓቂ በቲ ክፉእ ግብሮም ነቲ ምስ አምላኽ ዝተአቶ ኪዳን ጠሎሞምን አፍሪሶምን። ምስ ሃብታማትን ኃያላትን ዘልኦም ተጸጊዖም ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳኔታት ብምግባሮም ብአቋራጭ ንሓቂ ክረኽቡ ፈቲኖም። ሚልክያስ ነዞም ኃጥአተኛታት ካህናት አምላኽ ክንስሑን ካብ ኃጢአቶም ክምለሱን ሕይወቶም ክቕይሩ ዕድል ከም ዝህቦም ዘሎ ይነግሮም። እንተ ዘይ ተመልሱ ግን መርገም ከም ዝሰደሎም እዚ ኸአ አብ ኪንዲ እቲ ንሓደ ክህን ክውሃቦ ዝግብኦ ብአንጻሩ መርገም ከም ዝወርዶም ነጊርዎም። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ድሮ አምላኽ ገለ ካብ በረኸቱ አልዕልዎ እዩ፥ በዚ ምኽንያት አምላኽ ብካልኦት ሃገራት ከም ዝንዕቁኹምን ከም ዘዋርዱኹምን ክገብር እየ ይብሎም።

አብ ትንቢት ሚልክያስ እንርእዮ ሰባት ሕይወቶም ክቕይሩ አብ ሓቀኛ ሕይወት ክምለሱ እምበር ብግዳማዊ ነገራት ጥራሕ ንአምላኽ ክንጥብሮ ከምዘይንኽእል ይነግረና። ዘንጋዕቲ ጠለምቲ ስለ ዝኾና ዘዘኻክር ንደሊ ሎሚ ዘዘኻክር ሰሚዕና አሎና ርእስና ንርአ ትሕትና ለቢስና አብኡ ንመለስ።

አብ መንፈሳዊ ይኹን አብ ዓለማዊ ሕይወት እንኽተሎ አካይዳ አገባብ ኮታ ኩሉ አብ ምጽላው ሕይወትናን ሕይወት እነገልግሎምን ዓቢ ተራ አልኦ። ነዚ ትንቢት ሚልክያስ ነብይ በብእዋኑ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን መራሕቲ ሃገራትን ኩሎም አብ አገልግሎት ህዝቢ ዝወፈሩ ክንርእዮ ንኽእል። ብፍላይ ሕይወት ቤተ ክህነት ንቅድስና ህዝቢ ዓቢ ተራ ስለ ዘለዎ ሃናጽን መሃርን ክኸውን ይግባእ። ነዚ ዘንጊዖም አብዘይ ተደለ ወይ ዓቢ ዕንቅፋት አብ ዝኾነ ነገራት ክወድቁ ከለዉ ንምሉእ ሕይወት ህዝቢ ስለ ዝጸሉ ዓቢ ሕልናዊ ሓላፍነት ለቢስካ ምንባር የድሊ። ስለዚ ኵልና አብ ተልእካዊ ሓላፍነት ወፊርና ዘሎና ከመለኹ ህዝቢ አባይ እንታይ ይርእዩ ካባይ እንታይ ይሰምዑ ክንብል ግቡእ እዩ። ሕጂ እውን አምላኽ ክንምለሶ ክንሳሕ አፍደገ ምሕረቱ ከፊቱ ይጽበየና አሎ።   

ካብ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝሰማዕናዮ ነዚ አነጾሩ ይነግረና። እቶም አብነትን መራሕትን ክኾኑ ዝግብኦም ፈሪሳውያን ኢየሱስ በቲ ዝገብርዎ ዝብልዎን አትሪሩ ከም ዝወቐሶም ንርኢ። ነዚ ተሪር ተግሳጽ ምስ ሰማዕና እምበርዶ እቲ ንጸልእትኹም አኽቡሩ ዝበለ ኢየሱስ እዩ ነዚ ኢልዎ ዝብል ክንሓስብ ይክአል እንተ ኾነ በብትሕዝትኡ ክንርእዮ አሎና። አብ ጊዜ ኢየሱስ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን መንበረ ሙሴ ሒዞም ዝነበሩ እዮም፥ ስልጣኖምን ሓላፍነቶምን ኢየሱስ ጨሪሹ አይከሓዶን። እቲ ጸገም ዘርእይዎ ዝነበሩ ግብዝነትን ትዕቢትን ከምኡ ዘይ ስሩዕ ሕይወትን እዩ። ሕይወቶም ትሕትና ቅንዕናን አገልግሎትን ጎዲልዎ፥ ነቲ ዝሰብኽዎ ክገብርዎ አይክአሉን። ነዚ አብ ሓሳዊ ሕይወት ዝተመርኮሰ ፈሪሳዊ አተሓሳስባ ብሰለስተ መገዲ ክቋወሞ ንርኢ፡

መማህርን ሕግን ፈሪስውያንን አብ መንበረ ሙሴ ተቐሚጦም ስለ ዘለዉ ንሳቶም ዝብልኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን ምኽንያቱ ናይ እምነት ሓቂ ስለ መሓላልፉ። ግን ከምቲ ዝገብርዎ አይትግበሩ። ክልተ ገጽ ዘልኦም እዮም፥ ሓደ ነገር ይብሉ ካልእ ነገር ከአ ይገብሩ። ስለዚ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ንዝምህርዎ ተኸተልዎ ንዘግብርዎ ግን አይትግበርዎ ይብሎም። ንሶም ከቢድ ፆር ጠሚሮም ንሰብ አብ መንኵቡ የሰክምዎ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክፍዎ አይፈትዉን። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና አብ ዘመናት ብዙሕ ከቢድ ጽዕነት ተወሲኽዎ እዩ።
አብ ቅድሚ ካልኦት ክኸብሩ ኢሎም ዘፈር ክዳውንቶም የግፍሑ። ኢየሱስ ዝጸልኦ ዘሎ አብ ኮንቱ ዝኾነ ነገር ስለ ዘተኩሩን ግቡዛት ስለ ዝኾኑን እዩ። ንኹሉ ቅዱስ ባህሊ ይኽተሉ ዘው ዝበለ አልባስ ይኽደኑ ካብ ጽሑፋት ቅዱስ መጽሓፍ አብ ቅድሚ አዒንቶም ይዝርግሑ እዚ ኸአ ነቲ አምላኽ ዝብሎ ኩሉ ጊዜ ንቃላተይ አብ ቅድሚ አዕንትኹም ሓዝዎ ንዝብል ንምትግባር እዩ። ኩሉ ዝገብርዎ ሰብ ኢድ ክነስአሎም ምእንቲ እዩ። አብ ጸሎት ከመይ ገሮም አእዳዎም ሓፍ ከም ዘብሉ ይፈልጡ እዮም። ቅዱሳት ከመስሉ ይጽዕሩ እንተ ኾነ አይ ኮኑን። እዚ ግሉጽ መልእኽቲ ብዛዕባ ደረጃን ስልጣንን እዩ።
ሕቶ መዓርግ ወይ ሽመት አሎ። ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን አብ ዕዳጋታት ሰብ ኢድ ኪነስአሎም መምህር ኢሉ ኺጽውዖም ይፈትዉ። እዚ ኹሉ ንርእሶም ዓበይትን ቍምነገረኛታት ገሮም ስለ ዝሓስቡ እዩ። እቲ ቀንዲ ኢየሱስ አብዚ ክብሎ ደልዩ ዘሎ አምላኽ ጥራሕ እዩ ናይ ኩሉ ሓቂ ምንጪ ንሱ ጥራሕ እዩ ኸአ ናይ ኩሉ ሕይወት ምንጪ ጎይታ ወይ ዝለዓለ ስልጣን ክህልዎ ዝግባእ። በዚ እዩ ንሓዋርያቱ ረቢ ወይ አቦ ወይ መምህር ኢልኩም ከይትጽውዑ ዝበሎም። 

 አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝነግረና ዘሎ እምብአር ንኻልኦት ምስባኽን ንርእስኻ ዘይትገብሮ ምዃንን ክልተ ተጻራሪ ነገር ከምዝኾነ ገሊጹ ይነግረና። አብ ክንዲ አጻብዕና አብ ካልኦት እናአመልከትና እንነብር መጀመርያ አብ ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት ክንርኢ ይግባእ። ወንጌል ደጋጊሙ መጀመርያ አብ ርእስና ክንጥምት ይነግረና። ሎሚ እውን እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ንአይ እንታይ ይብለኒ አሎ ንበል። ብርግጽ ብዙሕ ጊዜ አብ መራሕቲ ሃገር፥ አቡናት ካህናት አሕሉቕ አብ ሓላፍነት ንዘለዉ ክንሓሚ ክንፈርድ ንቀዳደም ኢና መጀመርያ አብ ጉድለትና ንመለስ፥ ሽዑ ንኻልኦት ነኽብር። ክብረት ሓቲትካ አይ ኮነን ዝርከብ ብግብርኻ እዩ ዝርከብ።

አብ መወዳእታ ኢየሱስ ከስተምህሮም እንከሎ እቲ ካባኹም ዝዓበየ አገልጋሊኹም ይኹን፥ እቲ ርእሱ ዘልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ ኢልዎም። ብኻልእ አዘራርባ ክብረት አብ መሪሕነት በቲ እተርእዮ አገልግሎት እዩ። አገልገልቲ ዝብሃሉ እቶም መራሕቲ እዮም። አብ እግሪ መንበር መሪሕነት ንርእስና ምስ አቐመጥና ሽዑ አብ ድንገት ንመሪሕነትና ንአቱ። ንምኽሪ ኢየሱስ እንተ ተቐቢልና መጀመርያ እንርድኦ ሓቀኛ ክብሪ ወይ ዕብየት ንርእስና አብ አገልግሎት አሕዋትናን አሓትናን እንተ ጸመድና እዩ ሽዑ ሰባት ክሕግዙናን ክርድኡናን ይክእሉ፥ እሞ አብ አምላኽ ከም ዝቐርቡ ንገብሮም። ንኸምዚኦም ዝአመሰሉ ሰባት አብ ሓላፍነት ዘለሎ ጽምዋ ጸገም አይ ኮነን።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ መልእክቲ ቅ. ጳውሎስ 1ተሰሎንቄ 2፡2-13 እያ። ጳውሎስ ብዛዕባ ርእሱን ብጾቱን ብዓብይ ተገዳስነትን ሓልዮትን ሕያውነትን ከም ዝፈጸሙ እናገለጸ፥ ከምቲ ሓንቲ እተጥቡ አደ ንውሉዳ እትከናኸን ንሕና እውን ነዚ ኢና አርኢናኩም እናበለ ይጽሕፈሎም። ብዘይ ዝኾነ ትዕቢት ወንጌል እናሰበኹ ገዛእ ርእሶም ከም ዝሃብዎም፥ ብቃልን ብግብርን፥ ብሕይወቶምን ትምህርቶም ወንጌል ከም ዝሰበኹሎም፥ ቅኑዓትን ብዘይ ዝኾነ ምጥፍፋእ ከም ዝቐረብዎም፥ አብ ዝብልዎን ዝገብርዎን ጭቡጣት ሰባት ከም ዝኾኑ ይገልጸሎም። ቀጺሉ ጳውሎስ ሓደ ፍሉይ ነጥቢ የምጽእ አብ ጊዜ ስብከቱ ንዝኾነ ሰብ ወይ ማሕበር ተጽዕኖ ክኸውን ከም ዘይደሊ ዝኾነ ገንዘባዊ ሓገዝ እውን ከምዘየድልዮ ይነግሮም። ካብ ሰብ ተሰለንቄ ዝሓቶ እንተ አልይዎ መንፈሳዊ ሕቶ ጥራሕ እዩ፥ ንሱ ኸአ አብ ጎኖም ኮይኑ ንዕብየት ግላውን መንፈሳዊ ሕይወቶም ምስኦም ከም ዝዓዪ እዩ። አብ ግብሪ ከም ዘርአዮ ብዘይ ዝኾነ ግብዝና ብምሉእ ከም ዘገልገሎም ባዕሎም ምስክሩ እዮም። ዓወት ስብከቱ ብናቱ ጻዕሪ ከምዘይኮነ እንታይ ድአ ጸጋ አምላኽን ቅሩብነቶምን ከም ዝኾነ ጳውሎስ ገሊጹ እናነገረ በቲ ሰብ ተሰሎንቄ ዘርአይዎ ክፉት ልቢ ንአምላኽ የመስግን በዚ ኸአ አምላኽ በቶም ዝአምኑ ከም ዝዓዪ ይግለጽ።

እዚ እዩ ትርጉም ሓቀኛ አገልግሎት። ምስ ሓይልናን ጥዕናና ከሎና ብዝኾነ ምኽንያት ንኻልኦት ተጽዕኖ ክንኮኖም አይግባእን ዓቕምና ዝኽእሎ ኩሉ እናገበርና ክነብር አሎና። ብርግጽ ንዘሎና ምእንቲ ካልኦት ኢልና ምእንቲ ክነወፊ ብዝክአል እንተ ጸዓርና ንዝኾነ ተጽዕኖ አይንኸውንን ኢና። ከም ዝተባህለ ኩሉ ክህብ እንከሎ ኩሉ ኸአ ይቕበል። ክትነብር ጽቡቕ እዩ እንተ ኾነ ውድድር ዝበዝሖ ክንደይ እረክብ አብ ዝብል ዘተኮረ ክኸውን አይግባእን። ከም ጳውሎስ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ገርና ንዝተወሃብናዮ ተልእኮ ብዘይ ዝኾነ ግብዝናን በለጽን ብቅንዕና ክንፍጽሞ አሎና።

ኢየሱስ ብግዚኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ውሩያት ፈሪሳውያንን መማህራን እምነትን አብነታውያን ክኾኑ ዝግብኦም በቲ ዝገብርዎ አትሪሩ ወቒስዎም በዚ ኸአ ሓቀኛ መምህር ሃይማኖት ክትከውን እንታይ ከም ዘድሊ ነጊርና። ሎሚ እውን ቅኑዕን ሓቀኛን ናይ ስልጣን ህርፋን ዘይብሉ እምበር፥ ክኸብርን ሓለፋታት ዘይጸብ ናእዳን ግብዝናዊ ክብርን ዘይጥምት፥ ክልተ ገጽ ዘይብሉ ዝብላን ዝገብራን ሓንቲ፥ ዓሚቕን ክብሪ አድሕድ ዝሓዘ፥ ከገልግል ዝምነ፥ ንዘልኦ ምስ ካልኦት ክካፈል ዝደሊን ምእንቲ ጥቕሚ ኩሉን ዝዓዩ እዩ ዝድለ ዘሎ።

ነፍስወከፍ ክርስትያን ወላእኳ ዝተፈላለየ ፈሪሳውነት ዝመልኦ ፈተናታት ይግጠሞ አብ ክንዲ ሽመትን ዝናንን ክብርን ስልጣንን ዘድህብ አብ አገልግሎት አሕዋትን አሓትን ክዝንብል ይግባእ።  አብ መንጎና ዘሎ ፍቕሪ ነቲ ናይ አምላኽ ፍቕሪ አብ ሕይወትና ዘሎ ክንጸባርቕ አለዎ። ምናልባት ብቃል ክትብሎ ቀሊል እዩ ዝመስል እንተ ኾነ አብ ግብሪ ግን ሓድ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ኢና እንገብሮ። ነቲ ኢየሱስ እቲ ካባኹም ዓቢ ክኸውን ዝደሊ አገልጋሊኹም ይኹን ዝብለና ደጋጊምና ክነስተማቕሮ ይግብአና። ዝበለጸ ባይታ ንክርስትያናዊ ዕብየት ፍቕሪ ትሑት አገልግሎትን አብ ግዙፋዊ ነገራት ጥራሕ ዘድሃብካ ዘይምዃን ከምኡ አብ ክትንአድን ክትምጎስን ካብ ምድላይ ምርሓቕ የድሊ። አብቲ ትሑት ክርስቶስ ድኻ ዝተገለለን ዝተጨኮነን አብኡ ኩሉ ናይ ጸጋ ዕብየትን ምንጭን ዝርከቦ አብኡ ንመለስ ሽዑ ዕግበት ክንረክብ ኢና።

አብዚ እዋን ዘመነ ጽጌ ማርያም ምስ ዮሴፍን ሕፃን ወዳ ንምድሪ ግብጺ ገጻ ዝረኸበቶ ውርደትን ስቓይን እናዘከርና፥ ነቲ ክአልኩሉ ወዳ ከም ማንም ሰብ እኳድአ ዝተሓተ ውርደትን ስቓይን ዝመልኦ ሕይወት ዝለበሰ ርኢና ትሕትና አብ ሕይወትና ክንለብስ ክንሓስብ ይግብአና። ማርያም አደ አምላኽ እንከላ ከም ማንም ሰብ ኮይና ሕይወታ ትመርሕ ነራ እኳ ድአ ንጽጉማት ክትሕግዝ (አብ ቃና ዘገሊላ) አብ ጽርሓ ጽዮን ንስዓብቲ ደቃ ክተጸናንዕ ክተገልግል ተረኺባ። በቲ ዝረኸበቶ ክሳዳ አየቕንዓትን አብ ትሕትናንን አገልግሎትን እያ ተጸሚዳ። እሞ ሎሚ ንሕና እውን አብ ጸሎትን አገልግሎትን ተጸሚድና ትሕትና ለቢስና ክንጽመድ ሓግዝና ንበላ።

ክርስቶስ ሎሚ እውን እቲ ካባኹም ዝዓበየ ክኸውን ዝደሊ አገልጋሊ ይኹን ይብለና አሎ እሞ አብ አገልግሎት አምላኽን ቤተ ክርስትያንን ድልዋት ንኹን። ነዚ የብቅዓና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.