2017-10-31 16:53:00

ሶማሊያ፤ ብፁዕ ኣቡነ በርቲኒ፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣይረስዓና


ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ኩነት ሕጂ እውን እዚዩ ውጥረት ዝተመልኦ እዩ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሞቓዲሾ ዝተፈነወ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘረጋግጾ ሓቂ እዮ። በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ መንግስቲ ከምዝሕብሮ 27 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ ሳላሳ ዝግመቱ ዜጋታት እውን ናይ መቑሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶ ክፍለጥ እንከሎ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ናይ ሞቓዲሾ ናይ ሓለዋ ጸጥታ ኣዛዚ ካብ ስራሕ ከምዘሰናበቶን እውን እዩ ዝንገር።

ናይቲ ክልተ ሳዕ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ እንክብል ባዕሉ እቲ ምስ ዓልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል ሻባብ እተሰምየ ሓይሊ ኣሸበርቲ መግለጺ ከምዝዘርግሔ እውን እንክምልከት፡ ናይ ሞቃዲሾ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲኒ እቲ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ዝተፈነው መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ሶማሊያ ቆይሙ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምምብርካኽ ዝሃቀነ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንጹሓን ዜጋታት ንሞት ብምሕላፍ ዝኽሰብ ነገር ከምዘየሎ ሓቂ እዩ።

በቲ ዝተኸስተ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሞቓዲሾ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምስጓግ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነቲ ዘሎ ስንኩፍ ኩነት ዘብእስ እምበር መፍትሒ ኣይኰነን ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ በርቲኒ፥ እቲ ስጉምቲ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ምንቅስቓስ ሓይሊ ጸጥታ ዝንጉዕ ኔሩ ዝብል እዩ ወይ ከኣ መንግስቲ ሓይሉ ነኸርእይ ዝወሰዶ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ሰላማዊ ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ግብረ ሽበራ ኣብ ምኹናን ሕብረት ከየርእይን እቶም ሕግን ስርዓትን ክረጋገጽ ዝድለዩ ኵሎም ምስ ሓይሊ ጸጥታ ክሓብሩ ይግብኦም።

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዘይተገዳስነት ከርእይ የብሉን ዝበሉ ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፥ ንህዝብን ንደላይ ሰላምን ቀረባ ኰይኑ ነቲ ሕዝብን ሃገርን ዘሳቕይን ሰላም ከይረጋገጽ ዝዓዪ ዘበለ ሓይሊ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ዘውርድ መንፈስ ክፍኣት ዘዝህም ኰይኑ ክርከብ ተስፋ እገብር እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.