2017-10-27 17:11:00

፬ ሰንበት ዘጽጌ 19 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም (10/29/2017)


ንባባት፡ 1ተሰ፡ 1:5-10፥ ያዕ 2:5-14፥ ግ.ሓ. 4፡31-ፍ፥ ማቴ 22:34-49  ምስባክ  “ አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኀ፥ ወአንተ ገበርከ አድባረ ወምድረ  ኩሎ፥ ክረምተ ወሓጋየ ዘአንተ ፈጠርከ”። መዓልትን ለይትን ፈጠርካ ወርኅን ፀሓይን ገበርካ፥ ንምድሪ ወሰን ገበርካላ ሓጋይን ክረምትን ፈጠርካ” መዝ. 74፡16-17።

 

፬ይ ሰንበት ዘጽጌ ንአምላኽን ንብጻይን ክነፍቅር ከም ዝግባእ የዘኻኽረና። እዋኑ ርክብ አምላኽን ርክብናን፥ ርክብናን ርክብ ሓውና አብቲ ማርያም ዘርአየቶ መሰረት ገርና እነስተንትነሉ እዋን እዩ። ሕይወት ማርያም እንተ ረአናዮ ብምልኡ ርክብ ምስ አምላኽ ዝነበራ እዩ ዝገልጽ። ትውፊት ካብ ንእስነታ አብ ቤተ መቕደስ ከም ዝዓበየት፥ አብ ዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ገብርአል መልአኽ ድላይ አምላኽ ከም ዝገለጸላ እሞ ብፍቕሩ ሕራይ ኢላ ከም ዝተቐበለት ነንብብ። እዚ ዅሉ ዝሕብሮ ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ይገልጸልና። ንሳ ነቲ “አምላኽ ዝገበረላ ዓበይቲ ነገርት ርእያ ከም ዝኽአለት ባዕላ ትነግረና። ከም ሓዋርያ ውዳ አብ ኩሉ ትስዕቦ ነራ አብ ቃና ዘገሊላ ንሽጉራት ሰብ መርዓ ረዲአ፥ አብ ጽርሓ ጽዮን ብፍርሒ ተሸቕሪሮም ንዝነበሩ ሓዋርያት ተጸናንዕ ነራ ስለዚ ማርያም ኩሉ ጊዜ ክትሕግዝ ክተጸናንዕ ምስ ደለየት እያ፥ አሰር ማርያም ተኸቲልና አምላኽ ዝገበረልና ክንርኢ እሞ ክነፍቅሮ ክነኽብሮ ሽዑ ንሓውናን ሓፍትናን ክነፍቅር እንተ ኸኣልና ካብ አምላኽ ርሑቓት አይኮናን።

ፍቕሪ ባህርያዊ እዩ፥ ሰብ ብዝፍቶ ነገር ወይ ጽቡቕ ነገር ይስሓብ፥ ገለ ሰባት ወላ ከይፈለጥካዮም ርእይ ምስ አበልናዮም ንፈትዎም። አብ ገለ ነገራት ከአ ክትፈትዎም ከሎኻ ዘስዕብዎ ነገር የብሎምን ግን ትፈትዎም እሞ አባኻ ዕግበት ይፈጥሩ። አብ ከም ባምቡላ ንቆልዑት፥ ከምኡ አብ ዓበይቲ ሰባት ማኪና፥ ገዛ ዝአመሰሉ ንፈትዎም ኩሉ ጊዜ ክንርእዮም ከሎና ደስ ይብለና አብ ገለ እዋን ወይ እንተ አረጉ ወይ እንተ ረስሑ ትርኢቶም ንጸልኦ ግን ስለ እንፈትዎም ኩኖቲ ኩነቶም ነፍቅሮም። ፍቕሪ አብ ገለ እዋን ሰንጢቑ ይሓልፍ እሞ ኲኖ ኩነታት ከም እንርኢ ይገብረና።

አብ መጽሓፍ ዘጽአት 22፡20-26 እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን አብ ልዕሊ መበለታትን ዘኽታማትን ከርእይዎ ዘልኦም ሓልዮትን ፍቕርን ክነግሮም ንሰምዕ። አብዚ ሰለሰተ ዓይነት ሰባት ብሰንኪ አብቲ ሓዲስ ምድሪ ተስፋ ምስ አተዉ አብ ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ዝወረዱ እናጠቐሰ ይዛረብ። ስደተኛታት፥ መበለታትን ዘኽታማትን ከምኡ ድኻታት ብለቕሓ ዝናበሩ አብ ጽንኩር ናብራ ዝነብሩ ዝነበሩ። አምላኽ ንእስራኤላውያን አብ ጽንኩር እዋን አብ ባርነት አብ ግብጺ አብ ዝነበሩሉ እዋን ፍቕሩን ሓልዮትን አርእይዎም እዩ፥ ስለዚ ነዚ አብ ግምት ገሮም ንሶም እውን ንስደተኛታት ንመበለታት ንዘክታማትን ጽጉማትን ክረድኡ ከፍቅሩ ይግባእ። አምላኽ ካብኦም ዝደልዮ ነቲ ዝአተዎም ኪዳን ሓልዮም ክነብሩ ምስኡ ምስቲ አምላኽ ምሕረት ኩሉ ጊዜ ጥቡቕ ርክብ ክህልዎም። ሓደ ካብቲ ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ አብ ድኻታትን ጽጉማትን ዘልኦ ሓልዮት እዩ። ብአምሳሉ ንህዝቡ ንድካታትን ጽጉማትን ካብ ምግፋዕ ክቝጠቡ ይደልዮም።

አምላኽ ግፍዒ ዓመጽን ምዝመዛን ብፍላይ ንድኻታትን ስኡናትን ብኸቢድ ይወቕሶ። ዓለምና ሎሚ ሓደ ንጹር መለለይአ ንድኻታት ንጠበቓ ዘይብሎም ዝተፈላለየ አስማት እንሃብካ ምምዝማዝ እዩ። ብፍላይ መንእሰያት እናአታለልካ አደዳ ግፍዕን ሞትን ምግባር ናይ እዋና ኃጢአት እዩ። ሰብ ክብሩ ተቐንጢጡ ከም እንስሳ ክሽየጥን ክልወጥን እንርእዮ ዘሎና እዩ። ደቂ አንስትዮ ዝረኽብኦ ዘለዋ ግፍዒ ዓመጽ እናሰማዕናዮ ከም ዘይሰማዕናዮ ወይ ለሚድናዮ ሱቕ ኢልና ነሕልፎ አሎና። ግን አውያት ግፉዓት ኩሉ ጊዜ አብ አምላኽ የአውይይ እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን አብ ልብኹም ተመለሱ ንሰብ ከማኹም አይትግፍዑ አይትዓምጹ አይትጨቁኑ ይብል አሎ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ 1ተሰ 1፡5-10 ነቲ አብ ቀዳሞት ክርስትያን ሰብ ተሰሎንቄ ሓዲሩ ዝነበረ ውዕዉዕ ፍቕሪ ይገልጽ። ሰብ ተሰሎንቄ ነቲ ብጳውሎስን ብብጾቱን ብቃልን ብግብርን ዝተሰብኮም ቃል ድሕነት ብምቕባሎምን ልባቶም ስለ ዝኸፈቱሎምን ንኹሉ አብነት ከም ዝኾኑ ይገልጸሎም። ወላ እኳ ከቢድ ስደት ይውረዶም አብ እምነቶም ብምጽናዕ ነቲ ቃል አምላኽ ብምቕባል ዝወረዶም ሓጎስ ገሊጾም። ቅ. ጳውሎስ አብ ጊዜ ስደት ዝወረዶም ሓጎስ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነን ሓቀኛ አሰር ክርስቶስ ናይ ምኽታል ምዃኑ ይገልጽ። ቀጺሉ ብምሉእ ልቡ ንጣዖታት ኃዲጎም ከመይ ገሮም አብ አገልግሎት አምላኽ ከም ዝተመልሱ እናገለጸ ይውድሶም። በዚ ኸአ ሕያው አርአያ ነቶም ኩሎም ዝረአይዎምን ብዛዕብኦም ዝሰምዑ አብ መቄዶንያን አካይያን ዝነበሩ ከም ዝኾኑ ነጊርዎም።

ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ እቲ አብ መንፈስ ቅዱስ አሚኖም ዝተቐበልዎ ኩሉ አብ ቅድሚ ካልኦትን አብ ቅድሚ አምላኽን ዕዉታት ከም ዝኾኑ ከምዝገበሮም ይነግሮም። አብዚ እንምሃሮ ኩሉ እንገብሮ ሰናይ ነገር መጀመርያ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ አለሊና አብ ስፍሓተ ወንጌልን ፍቕሪ አድሕድን ክንጽመድ። ቅ. ጳውሎስ ንምጽአት ክርስቶስ ብሃንቀውታ እና ተጸበዩ ክነብሩ ይምሕጸኖም። ሎሚ እውን ዕለት ዕለት ምሉእ እምነት ገርና ንምጽአት ክርስቶስ ስንድዋት ክንከውን የዘኻኽረና አሎ።                                                                                                                                                                                        

ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማቴ 22፡34-40 እዩ። ፈሪሳውያን ንሰዱቓውያን አፎም ከም ዘትሓዞም ፈሊጦም ብወገኖም ክውጥርዎ አብኡ ቀሪቦም ክሓትዎ ጀሚሮም። ሕትኦም ካብተን ሰለስተ ተኸታቲሎም አብዚ ምዕራፍ ዝሓተትወን ናይ ሎሚ እታ ናይ መጨረሻ ሕቶ እያ። ፩ያ ግብሪ ንመን ምኽፋል ከም ዝግባእ ንቄሣርዶ ወይስ ንአምላኽ እትብል ዝሓለፈ ሰንበት ዝሰማዕናያ እያ። ፪ቲ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ብሰዱቓውያን ዝቐረቦ ሕቶ፥ ፫ቲ አየነቲ ትእዛዝ ትዓቢ እትብል ሎሚ ዝሰማዕናያ እያ። እዛ ናይ መጨረሻ ሕቶ ቀላል እያ እትመስል ግን አስተውዒልና ክንርእያ ከሎና አይ ኮነትን።

እግዚአብሔር ብሙሴ አቢሉ ንአይሁድ 10 ትእዛዛት ሂብዎም። አብቲ ጊዜ ኢየሱስ አብዚ ዓለም ዝመጽአሉ አራቢሖሞ 613 አቢሉ በጺሑ። ንሓደ ውፉይ ሃይማኖታዊ አይሁዳዊ ኩሎም ትእዛዛት ማዕረ ክሕለዉ ክኸብሩ አለዎም። ብርግጽ ንሓደ ትእዛዝ ምፍራስ ማለት እቶም ካልኦት ትእዛዛት ሓደ ዓይነት ክብደት የብሎምን ማለት እዩ፥ ወይ ከአ ትሕዝቶ/ቅልል ዝበለ ማለት እዩ። ነዚ ከም መፈንጠራ ሓሲቦም እዮም ፈሪሳውያን ንኢየሱስ እዚ ሕቶ ዝሓተትዎ።

ኢየሱስ ክምልሰሎም እንከሎ አብቲ ቀንዲ ነገሪ ናይ እቲ ሕቶ ዝኾነ ፍቕሪ እዩ አተኲሩ መልሱ ብናቱ አገላልጻ ገሩ ንኽልተ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ዘዳግምን ዘሌዋውያን አተሓሒዙ መሊስሎም። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብሙሉእ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን አፍቅሮ። እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚአ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ከአ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ እትብል እያ። ኹሎም ኢሪትን ነብያትን አብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአተን ተጠርኒፎም አለዉ። ኢየሱስ አብቲ ቀንዲ መልሲ አተኲሩ ቅኑዕን ንኹሉ አብ ሓደ ዘጠቓለለ ዘዕግብ መልሲ ሂብዎም። ዝበለጸ አፍልጦ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዘለዎን ኩሎም ካልኦት ሕግታትን ትውፊታትን አብዚ ክልተ ከም ዝምስረት ነጊርዎም። ንኢየሱስ ጌጋ ክረኽቡሉ ኢሎም ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረታዊ ጽማቕ ናይ ርድኢት ሕጊ አብ ብሉይ ኪዳን አምጺኡልና።

ኢየሱስ እዚአን ክልተ ሕጊ ዝከፋፈላ ዘይኮናስ ብሓቂ ክንርእየን ከሎና ሓንቲ ሕጊ እየን። ሳልሰይቲ ሕጊ እውን ምስአን ልግብ ኢላ እትርከብ አላ እዚአ ኸአ ፍቕሪ ርእሲ እያ። እዚአ ሳልሰይቲ ትእዛዝ ዘይነስተውዕለላ ወይ ግምት ዘይንህባ ትእዛዝ እያ እንተ ኾነ ናይ እተን ክልተ ብገለ መገዲ ቀንዲ መፍትሒ እያ። ኢየሱስ መልሱ ክህብ እንከሎ አብ ሓደ ዝዓለም ርድኢት ፍቕሪ እዩ ሂቡ። እዘን ሰለስተ ትእዛዛት (1) ፍቕሪ አምላኽ፥ (2) ፍቕሪ ብጻይ፥ (3) ፍቕሪ ርእሲ እየን። እተን ክልተ ትእዛዛት ብአምላኽ ዝተዋህባ ትእዛዛት እየን እታ ሳልሰይቲ ትእዛዝ አይ ኮነትን ግን ናይ ኩሉ ፍቕሪ መሰረት እያ። እቲ ንብጻይካ አፍቅር ዝብል አብ ውሽጢ ንርእስኻ አፍቅር ዝብል ርድኢት ዝሓዘ እዩ። እቲ አነ ንርእሰይ ዝኾኖ ንኻልኦት ዝኾኖ እዩ ወይ እውን ንኻልኦት ዝኾኖ ንርእሰይ ዝኾኖ እዩ። ብሓባር ናብ አምላኽ ንኸይድ ከምቲ ንሱ አባና ዝመጽእ እዚ ኸአ ብፍቕሪ እዩ ዝኸውን።

ወላእኳ መልሲ ኢየሱስ ነቶም ሰለስተ መአዝናት ፍቕሪ ይተንክፎ እቲ ቀንዲ ብዝያዳ ዝጸቕጠሉ እንታይ እዩ? እንታይ ክብል ኢሉ እዩ ነዚ መልሲ ዝሃበ። ሕቶ ፈሪሳውያን ካብ ኩሉ ዝዓበየ ትእዛዝ አየናይ እዩ ዝብል አትኩርኡ አብ ፍቕሪ አምላኽ ዘይኮነ አብ ፍቕሪ ብጻይ እዩ። ንሳቶም ቅንአት ዝመልኦ ፍቕሪ አምላኽ እዩ ዘልኦም ከምኡ እዚ ዝዓበየን ዝበለጸን ከም ዝኾነ ዝአምንዎ እዩ፥ እንተ ኾነ ኢየሱስ ዝብሎም ዘሎ ስለምንታይ እዩ አብ ፍቕሪ ብጻይ ዝብል ክመጽእ እንከሎ ብዙሕ ደስ ዘይብሎም።

እቲ ናይ ፈሪሳውያን ጌጋ ሎሚ እውን ምሳና አሎ። ብዙሓት ክርስትያን አለዉ ናይ ሓደ ከምኦም ክርስትያን ካብቲ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ፈላልዮም ክርእይዎ ዝደልዩ። አብ እምነቶም ተወፋይነት ፍቕሪ ብጻይ ዝብል ዝሓወሰ አይኮነን። ሎሚ ንመልእክቲ ኢየሱስ ክነቕልበሉ ይግብአና ማለት ሓቀኛ ፍቕሪ አምላኽን ሓቀኛ ፍቕሪ ብጻይን ክልተ ገጸ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እየን። ነዚ ክትፈላልዮ ኢልካ ምፍታን ንመልእኽቲ ክርስቶስ ሓሶት እዩ ኢልካ ምዝርጋሕ እዩ ዘስምዕ።

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምብአር ሓደ ካብቶም ብዝያዳ ክንዝክሮን አጽኒዕና ክንሕዞ ዘሎናን ቀንዲ ትምህርቲ ሓዲስ ኪዳን እዩ። ፍቕሪ ሕመርተን ቀንድን ሕይወት ክርስትያናዊ ሕይወት እያ። ብኹሉ ኹልንትናኻ ንአምላኽ ምፍቃር ማለት ንአምላኽ ማእከል ሕይወትካ ምግባር ማለት እዩ። አምላኽ ሓንሳብ ማእከል ሕይወትና ምስ ገበርናዮ እቲ ካልአይ ትእዛዝ ክትክተሎ ቀሊል እዩ ንሱ ኸአ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር። ምናልባት ቀሊል ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ እንተ ኾነ ብሓቂ በዳሂ ነገር እዩ። ከምቲ ሓደ ዝግምቶ ከምኡ ቀሊል አይኮነን። ብዙሕ ጊዜ ከምቲ ክንፍቅሮ ዝግብአና አይነፍቅርን ኢና፥ እዚ ዘይምፍቃርና ምልክት ብዝያዳ ንአምላኽ ክንረኽቦን ክነፍቅሮን ክንጽሊ ከም ዝግብአና ዝሕብር እዩ።

ሓደ እዋን ሓደ እንግሊዛዊ ጋዘጠኛ አብ ካልካታ ዓዲ ህንዲ አብቲ ደናግል ልኡካን ፍቕሪ ብቅድስት ተረዛ ዝተመስረታ ክበጽሕ አብቲ ናይ መጀመርያ ገዝአን ብዘይመጠን አረጊት ገዳም ከይዱ። ሓንቲ መንእሰይ ጽብቕቲ ድንግል ንሓደ እግሩ ጋንግሪን ዝሓዞ መሽሚሹ ዘሎ ክዳን ክትከድኖ ርእዩ። ጋዘጠኛ መጀመርያ በቲ ቁስሊ እቲ ሰብአይ ርእይ ምስ አበሎ ሰንቢዱ ግን ሓንቲ መንእሰይ ድንግል ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ክትሕክሞን ክተጽርዮን ምስ ረአየ ብሓቂ ተደኒቑ፥ ሽዑ ነዚ እትገብርዮ ዘሎኺ ወላ 1000 ፓውንድ እንተ ዝውሃብ አይምገበርክዎን ኢልዋ። እታ ድንግል ምልስ አቢላ አነ እውን አይምገበርክዎን። ንፍቕሪ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ ኢላቶ።

አምላኽ እዩ መጀመርያ ዘፍቀረና ንርእስና ከም እነፍቅር ገሩና ስለዚ ኸአ ብህያብ ገዛ እርእስና ምእንቲ ክነመስግን እዩ። እዚ ሕይወት ህያብ ከምዝኾነ ምፍላጥ ንሱ እዩ ንአምላኽ ምፍቃር ማለት። ንአምላኽ ከየመስገና ንርእስና ክነፍቅር አይክአልን እዩ፥ እዚ ንአምላኽ ምምስጋን ነጻ/ሓራ ገሩ ንካልኦት ከም እነፍቅር ይገብረና። ብዙሕ ጊዜ እቲ ዋጋ አብ ልዕሊ ካልኦት እንገብሮ ምስቲ አብ ልዕለና ዝገብርዎ ዝተአሳሰረ እዩ። ስለዚ እንታይ እዩ አብ ልዕለይ ዘልኦም ጥቕሚ? ብሓቂ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር ከም ህያብ አምላኽ ከም ዝኾኑ ይገልጽ። ንሕና ከማና ዝአመሰሉ ሰባት ህያባት አምላኽ ጥራሕ አይኮናን እንታይ ድአ ንገዛእ ርእስናን ንብጾትናን እነፍቅሮ መግለጺ ፍቕርና አብ አምላኽ እዩ።

ስለዚ ፍቕሪ ማእከል ሕይወትና ገርና አብ ፍቕሪ ኢየሱስን ማርያምን ንንበር ሽዑ ሰላምን ምሕረትን ክወርደና እዩ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    








All the contents on this site are copyrighted ©.