2017-10-17 16:10:00

ኣርእስተ ሊቃ ጳጳሳትን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበርን፡ ስለ እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ


እቲ ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ዘሎ ርክብ እቲ ማሕበር ካብ ዕለት 16 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ኣትሒዙ ዝተበገሰን እቲ ርክብ ኣብ መግቢ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮትን ክንክንን ኣብ ዓለም ዝረአይ ስእነት መግብን ዘይማዕርነትን ንምውጋእ ኣብ ዝብል ዕላማ ዝጸንዔ እዩ። ኣብ 1951 ዓ.ም. እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ማሕበር ዋና መቐመጢ ካብ ዋሽንግተን ናብ ኢጣሊያ ርእሰ ከተማ ሮማ ምስ ተዛወረ ድማ ንሃገረ ቫቲካን ኣዚዩ ቀረባ ብምዃኑ እቲ ርክብ ቀረባን ጥቡቕን እናዀነ ከምዝኸደን ካብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ፋኦ ብዙሕ መልእኽታት ከምእተመሓላለፈን ብኣካል እውን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ የመልክታ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 16 ሕዳር 1970 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምስረታ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ናብቲ ናይቲ ማሕበር ዋና ሕንጻ ብምጻሕ ኣካይዶም፥ ፍጥረት ሰብ ብጽምኢ መሰንልን ክብርን እዚዩ ዝተጠቕዔ ምዃኑን መግብን ትምህርትን ናይ ምርካብ ጽምኢ ኣዚዩ የሳቕዮ ከምዘሎን ኣብ ዝገልጽ ሓሳብ ኣቶኵይሮም ዘረባ ከምዘስምዑን፡ ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ሕሰምን መከራን ሕዝብታት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ኵሉ ፍጥረት ሰብ ዕለታዊ እንጌራኡ ክረክብ ማለት መግቢ ናይ መርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕለወሉ ኣብ ዝብል መደብ ብምትሕብባር ብሓባር ከምዝዓዩ፡ ግብረ ሰናይ ናይ ሕውነት ፍቕሪ እምበር ግብረ ምጽዋት ከምዘይኰነ እውን ብምዝኽኻር ሕውነታዊ ፍቕሪ መትኒ ናይ ሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ እዩ። … እዚ ኽኣ ናይ ፍትሕን ሰላምን መገዲ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ታሪኽ ጠቐስ ጸብጻብ ዘቕረባ ልእኽቲ ጋዜጠይና ካፐሊ ኣስዒበን፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 12 ሕዳር 1979 ዓ.ም. ኣብ መበል30 ዓመት ምስረታ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ምኽንያት ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፋኦ ዋና ሕንጻ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ ናይ መጻኢ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 23 ሕዳር 1948 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ብመሰል ቋሚ ተዓዝቢ ክትውከል ከምእተገብረ ዘኪሮም፥ መንቀሊ ስእነት መግቢ ተፈጥሮኣዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ሰብኣዊ ምኽንያት እውን ኣለዎ። ጉድለት ማሕበራዊ ውዳበን ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ዝወልዶ ጸቕጥን ሽበራን ኣውን ዘንቅሎ እዩ። ኣብቲ ዝሳቐ ሰብ እቲ ናጻ ከውጽእ ዝኽእል ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚህ ነቲ ዝሳቐ ሰብ ጽን ንበል ክምዝበሉ ኣዘኻኺረን፥ ድሕሪ 13 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ መሊሶም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ መግቢ ኣብ ዝዘተየ ዓውደ  ጉባኤ ተረኺቦም፥ ናይ ሕዝብታት ኣውያት ስእነት መግቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ስንግርጣዊ ዝዀነ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ዓለም ዝርአይ ሕሉፍ ጽጋብ ብሓቂ ዕንቅፋት እዩ። እዚ ቀጥዒ ኣልቦ ጽጋብ’ዚ ስእነት መግቢ መፍትሒ ከይርከበሉ ዝድርኽ እዩ ቢሎም መፍትሒ ስእነት መግቢ ዓውሎማዊ እዩ ክኸውን ዘለዎ እዚ ኽኣ ውልቃዊ ረብሓ ብምስናፍን እቲ ፈጣሪ ንፍጥረት ኩሉ ዝጸገዎ ኩሉ ሃብቲ መሬት ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ እዩ ብዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ኣብ ናይ ኵሉ ረብሓ ክውዕል ብምግባር ዝፍታሕ ምዃኑ ከምዘብርሁ ናይ ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ርክብ ዝገልጽ ናይ ታሪኽ ሰነድ ጠቒሰን የመልክታ።

ልክዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ መግብን ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብ ዓለም ልዕሊ 800 ሚሊዮን ሕዝቢ ብስእነት መግቢ ዝሳቐይ ከምዝዀነን እቲ ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ ብሓቂ ክትጻወሮ ዘይከኣል ኢፍታሓዊ ኩነት እዩ። እዚ ፍልልያያት’ዚ ከም ንብሩ ምሕሳብ ምስ እንለማመድ ናብ ዝገደደ ቅልውላውን ስእነት ሰላምን የብጽሕ ስለዚህ ናይ ኣመለኻኽታን ልምድታትን ምልዋጥ የድሊ። እቲ ናይ ሰላም መሰረታዊ ረቛሒ ዝዀነ መግቢ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ንምውሓስ ሕጹጽ ምርጫታት ምርግጋጽ ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፥ እቲ ኣብ ናይ ብዙሓት ሃገራት መጻኢ ዓቢይ ጸቕጢ ከይኑ ዘሎ ናይ ወጻኢ ልቓሕ ምሕረት ምግባር ስእነት መግቢ ኣብ ምጥፋእ ከይዲ ዓቢይ ግደ ኣለዎ ከምዝበሉ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ናይ ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ርክብ ዝገልጽ ናይ ታሪኽ ሰነድ ጠቒሰን ይሕብራ።

በነዲክቶስ መበል 16 እውን ዕለት 16 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ማሕበር ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብ ዓለም ንኹሉ ዝኸውን እኹል መግቢ ከምዘሎን ስለዚህ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ጥምየት ነቲ ዘሎ መግቢ ብስሩዕ ኣገባብ ንምብጻሕ ዘኽእል መደብ ጥራሕ ዘድሊ ምዃኑ ብምሕባር፥ ጥምየት ጭቡጥን ዘየናሕስይን  ናይ ድኽነት ምልክት እዩ። ኣብ ዓለም ዘስካሕክሕ ጥምየት እናተራእየ ምብኻን መግብን ብሃብቲ ምኽዕባትን እንክረአይ ብሓቂ ዘይቅቡል እዩ።  ስለዚህ ናይ ልቢ ምልዋጥ እዚ ከኣ ኣግባብ ውልቃውን ማሕበረሰብኣውን ሕይወት ምልዋጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመልክት ምዃኑ ከምዘነጸሩ፡ ኣስዒቦም እቲ ፍጥረትን ፈጣርን ዘተኣሳስር ምግባረ ሰናይን ክፍኣትን ፈሊኻ ንምልላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ሞራዊ ግቡእነት ምስትውዓል የድሊ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ርክብ ዝገልጽ ናይ ታሪኽ ሰነድ ጠቒሰን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት

20 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕራሻን ማሕበር ሕንጻ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ተረኺቦም፥ ብስእነት መግቢ ዝሳቐይ ሰብ ምጽዋት ዘይኰነስ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እዩ ዝሓትት ቢሎም ኣብ መንጐ ሰባት ምትሕብባርን ምትሕልላይን ዘነቓቕሕ ናይ ሕውነት መንፈስ ክውን ምግባር ናይ ግድን እዩ። ብግብርን ብሕግን ኩሉ ኣብ ናይ መግቢ ዕዳጋ ክሳተፍ ዘብቅዕ ስርዓት ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ተግባር ኣግባብ ኰይኑ ናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ መግቢ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምርግጋጽ ወሳኒ ምዃኑ ከምዘመልከቱ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.