2017-10-11 09:39:00

ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ግብረ ሠናይ ኣገልግሎት መሳለጢ ንምድጋፍ


ዕሴታት እምነት ክርስትና ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ብሉጽ ጳጳስ Superpope ዝብል ጽሑፍ ዘለዎን ስእሊ ቅዱስ ኣቦና ብምስሊ ሱፐር ሂሮ ብሉጽ ጅግና ዓይነት ዝገልጽ ስእሊ ዝተነብሮ ማሊያ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት መሳለጢ ብዝብል ዕላማ ንመሸጣ ክቐርብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ጸሓፊ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስተፋኖ ለቸንስኪይ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ማሊያ ዝሕተም ስእሊ ቅዱስ ኣቦና ቅድም ክብል ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቪንኪሎ ዲ ቦርጎ ፒዮ ብዝብል ስም ኣብ ዝጽዋዕ ጎዳና ኣብ መንደቕ ሓደ ኢጣሊያዊ ተወላዲ ሮማ ሰኣሊ ኣብ ጎዳና ብናይ ስነ ጥበብ መጸውዕ ስሙ ማሩፓል ሓቀይና ስሙ ማውሮ ፓሎታ ብዝተባህለ ሰኣሊ ኣብ ዝተሳእለን ደሓር ክድምሰስ ከምእተወሰነ ክዝከር እንከሎ እቲ ማሩፓል ስኢልዎ ዝነበረ ምስሊ ብወግዒ ኣብ ማሊያ ተሓቲሙ ንናይ ቅድስትነቶም ናይ ግብረ ስናይ ኣገልግሎት መሳለጢ ክውዕል ተሓሲቡ እቲ ወግዓኢ ማሊያ ንምዕዳግ ናይ ገዛእ ርእሱ www.superpope.it ዝብል መረብት ከምእተደርሰን ንምዕዳግ ዝደሊ በዚ መረብት’ዚ ክጥቐም ከምዝኽእል የኔታ ቪጋኖ ከዘፍለጡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ለቸንስኪ ገሊጾም።

እቲ ማሊያ ብቕድሚቱ ሱፐርፖፐ ዝብል ዝእሊቅዱስ ኣቦና ዝተሓትሞ ኰይኑ ብድሕሪኡ ኸኣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ድርሰታቶም ድዩ መልእኽትታቶም ስብከታቶምን ኣስተምሆሮታቶምን ካብ ዝበልዎ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ከም ጥቕሲ ተወሲዱ ዝጸሓፎ ከምዝኸውንን ካብቶም ቀዳሞት ጥቕስታት ድማ፥ “ምሕረት ቀዳማይ ናይ እግዚኣብሔ ባህርይ እዩ፡ ስም እግዚኣብሔር እዩ” ዝብል ምዃኑ የኔታ ቪጋኖ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መለጺ ከምዘፍለጡን። እቲ ምስልን ጥቕስታትን ቅዱስ ኣቦና ዝተነብሮ ማሊያ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዋዛን ቅዉም ነገርን ብመስሓቕ ዓይነት ናይ ኣሳኣእላ ሜላ ኣብ ዝቐረበሉ ምርኢት ብወግዒ ከምእተላለየን እውን ገሊጾም  ነቲ ኩሉ ድቡን ዝመስልን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ፍሽኽታን ሰሓቕን ካብ ገጹ ኣልዮ ንዝነብር ዓለም ልቡ ክኸፍትን ሰናይ ናይ ምርኣይ ብቕዓቱ ከበራብርን ነቲ ጫውጫውን ቁጣዔን ድምጺ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ሕነፍዳ ንዝብል ባህሊ ፈውሲ እዩ፡ ተስፋን ሓሴትን ዘበራብር እዩ ከምዝበሉ ለቸንስኪ ሓቢሮም።

እቲ ምስሊ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስሊ ዘርክስ እዩ ቢሉ ዝሓስብ ክህሉ ዝክኣል እዩ። ኰይኑ ግና ቅዱስ ኣቦና ኵሉ ከምዝፈልጦ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩሉ ዕለት ኣትሒዞም ጓሳ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃኖም ገዛእ ርእሶም ከም ጓሳን መጋቤን ብምቕራብ ናይ ሕዝቢ ምረቓን ቡራኬን ዝሓተቱን ሕዝቢ ክባርኽ ሕዝቢ ዝባረኸኒ ክኸውን ኣሎኒ ቢሎም ዝገለጹን ቡራኬ ሕዝቢ ርእሶም ኣድኒኖም ዝሓተቱ እዮም። እግዚኣብሔር ብሕዝቡ ኣቢሉ ዝባርኽ ምዃኑ ዝገለጹን እዚ ቅዱስ መጽሓፋውን ቲዮሎጊያውን መንፈሳን ሓሳብ’ዚ ዳግም ዘበራብሩ እዮም። ስለዚህ እቲ ምስሊ ቅዱስነቶም ኣብ ሕዝብን ምስ ሕዝብን ምዃኖም ዘነጽርን ቅርበት ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝቖሰለን ኣብ ደጋዊ ንዘሎን ዘቃልሑ እዮም ክርስትና ቤተ መዘክር ከምዘይኰነ እዮን ዝምስክሩ። ድሕሪ ኩሉ ድቡን ኩነት በራቕ ጸሓይ ኣሎ። ብጸጋ እግዚኣብሔር ምልኩት ዝዀነ ሰብኣውነት ህብረ ሕብራውን ሕጉስን እዩ ዝብሉን ካልኦት ዝተፍላለዩ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎም ሓሳባት ዝሕተሞ ማሊያ እዩ ከምዝበሉ ለቸንስኪ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.