2017-10-11 09:42:00

ታይዋን፥ ምዝዛም መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን


ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ሐዋርያዊ ግብረ ኖልው ሓልዮ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ሕዝብታት በርታት ባሕርን መበል 24 ዓውደ ጉባኤ ኣብ ታይዋን ከተማ ካኦህሲንግ ከምእተኻየደ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ሕዝብታት በርታት ባሕርን ደሴታትን ዘገልግሉ ልዕሊ 250 ካህናትን ከምኡ እውን ናይቲ ከባቢ ዓለም ምሁራትን ኣሳቲፉ ጽዉዳት መርበብ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ከምእተኻየደ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፥ እቲ ኣርእስቲ እቶም ኣብ ሃብቲ ማያት ባሕሪ መነባብርኦም ዝመስረቱን ምንባሮም ኩሉ ኣብ ማያት ባሕሪ ዘተኣሳሰሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝገልጽ ከምዝዀነን ብዙሓት ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደሩ ናይ ሕይወቶም ጐይቶት ዘይኰኑስ ብዓበይቲ ናይ ሃብቲ ዓሳ ኢንዳስትሪታት ግዙኣት ኰይኖም ጉልበቶምን ግዚኦምን ዝምዝመዙን ትሑት ደሞዝ ዝኽፈሉን ዝገደደ እውን ኣብ ዓሳ ምግፋፍ ዕዮኦም ንዘይሕጋውያን ናይ ስራሕ ጉልበት ንዘበዝብዙ ናይ ገበን ጉጅለታት ዒላማ ኰይኖም ከምዝርከቡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብምቅላሕ፥ እዚ ክስተት’ዚ ኣብ ውሑዳት ከባብታት ዓለም ዝተሓጽረ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም እቶም ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንናይ ጉልበት ምዝመዛ ሓደጋ ዝተቓልዑን ደቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ዘጠቓልል ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ ዘነጸረ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ጳጳሳዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየተ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን፥ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንሓድሽ ጊልያነት ከምእተቓልዑን ሎሚ እውን ኣብዚ ጸረ ሰብኣዊ መጻወዲያ ወዲቖም ኣብ ስቓይን መከራን ይርከቡ ከምዘለዉን ከምዝሓበሩን ኣብ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ቅድስቲ መንበር ነዚ ዓውደ ጉባኤ ዘነቓቕሓትሉ ምኽንያት እቲ ሰንሰለት ጊልያነት ንምብታኽን ናይ ሕዝቢ ነጻነት ክረጋገጽን ኩሉ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ብመንግስትን ብውልቅን ሱታፌ ንኽህልዎ ንምትብባዕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥  ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንሓልዮ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ዝብል ኣገልግሎት ዕለት 4 ጥቅምቲ 1920 ዓ.ም. ብፍሉይ ዝተበገሰ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓደ ክኸውን ከምዝጀመረን ካብ ስኮትላንድ ወደብ ግላስጎው ተበጊሱን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ከምዝሰፍሔን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩ ኣባይቲ ስድራን ደቃቶምን መንፍሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ብምቕራብን ብቑዕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣቢያተ ትምህርቲ ብምቕራብ እትፍጽሞ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፥ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘእንገደት ታይዋን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦስኮ ሊን ቺ ናን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ታይዋን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ 1974 ዓ.ም. ኣትሒዛ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ብማያት ባሕሪ ንዝመሓደር ዜጋታት ዝከታተል ናይ ገዛእ ርእሱ ማእከል ኣቑይማ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረት እንከመልክቱ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጥራሕ ከይተሓጸረ ናይ ማያት ባሕሪ መመሓደሪ ዓለም ለኻውን ብሔራውን ሕግታት መሰረት ዝገበረ ፍሉዩ ናይ መጽናዕቲ ተቛም ቆዩሙ እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተባራቲዑ ክቕጽል ከምእተገብረ እውን ኣብ መንበረ ጥበብ ሱን ያት ሰን ናይ ስነ ውቅያኖስ መጽናዕቲ ሊቅ ፕሮፈሰር ሁ ኒያንዙ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ከምዝገለጹን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥራሕ ማሕበር ቅድሚ 10 ዓመት ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ማያት ባሕሪ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዝጸደቐን  እዚ ውሳኔ’ዚ ዕለት 6 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብኣባል ሃገራት ጸዲቑ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕ ምዃኑ ፕሮፈሰር ሁ ኒያንዙከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.