2017-09-30 16:54:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ ሚንስክ ኣብ መንእሰይ ዘማእከለ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገር ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት


ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንእሰይ ዘተኮረ ቅዱስ ኣቦና ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ኣማእኪሉ ኣብ በይሎሩሲያ ርእሰ ከተማ ሚንስክ  ዕለት 29 መስከረም 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ውህደትን ሱታፌን ኣብቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ጸቒጡን ብርቱዕ ድርኾትን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ መንእሰይ ናይ እምነት ብርሃንን ፍሉይ ጸዋዕታ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ሕብረተሰብ ፈልዩ ንኸለልይ ኣብ ዝወሃብ ድጋፍ ዓቢይ ኣበርክቶ ክህልዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ተጋባእያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ብዙህነት ዘኽብርን ዋጋ ዝህብን ብሓባር ከዓዪ ዘኽእል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምልላይ ዘብቕዕን ናይ ምትሕብባርን ናይ ሕውነትን ተበግሶታት ዘነቓቕሕ ከይዲ ዘለልይ ክኸውን ከምዘተባብዑ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ድሕሪ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ጉባኤ ዕዮ ዝኸፈቱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ከምዝኾኑን፥ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብቲ ግብረ ገብን ሃይማኖትን ካብ ሕብረተሰብ ዘወግድ ዓለማውነት ብዘይ ሃይማኖት ናጻ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታን ናይ ምርሓቕን ዕሴታትን ናይ ምዝንጋዕን ምውጋድን ፈተናን ከምኡ እውን ናይ ጭንቀትን ኣደዳ ንዝኸውን ህዝቢ ግደ ክርስትና ዳግም ረኺቢ ተስፋ ዳግም ክህልዎ ምግባር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ እዚ ህልዉ ማሕበራውን ሰብኣውን ኩነት’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ወንጌላዊ ተልእኾ ተስፋ ዘማከለ ክኸውን ይሕብር፡ ኤውሮጳ በቶም ኣብ ታሪኻ ዝሓለፉ ብዘሕኑ ፍጻሜታት ከበድ ተጸቒጣ  ቕዝንትን ናይ ዘይምርግጋጽ መንፈስን ዘለዋ ኰይና ክትነብር ኣይግብኣን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተጋባእያን ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤኦም ቅድሚ ምብጋሶም ምስ ናይ ረፓብሊካዊት በይሎሩሲያ ርእሰ ብሔር ኣለክሳንደር ሉካሸንኰ ክምእተረኸቡን ኣብቲ ርክብ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ሰላምታ መልኽቲ፥ ኣብ በይሎሩሲያ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ምትሕብባር ሰናይ ምዃኑ ጠቒሶም። ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣገዳስነት ዘለዎ ወጻእተይናታት ካህናት ናብ በይሎሩሲያ ንኽኣትዉ ዝወሃብ ናይ መንበሪ ፍቓድን ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝምልከቱ ሕቶታትን መልሲ ክረኽቡ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.