2017-09-28 14:36:00

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፥ ስደተይናታት ኣሃዝ ኣይኰኑን ናይ ጉዕዞኦም ተኻፈልቲ ኢና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ረቡዕ ዕለት 27 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝልግስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ርቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ ዝተፈላለያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ተኻፋሊ ጉዕዞ ብዝብል መርሕ ቃል ስደተይናታት ንኽእንገዱ ዝጽውዕ መደብ ጐስጓስ ብወግዒ ከበግስዎ ምዃኖም ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበርን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ልዉስ ኣንቶኒዮ ታግለ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዕለት 25 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 ኣቲ ስደተይና ንኽእንገዱ ዘነቓቕሕ ተበገሶ ጐስጓስ ተኻፋሊ ጉዕዞ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ናይቲ ስደተይና ጉዕዞ ተኻፋሊ ምስ እትኸውን ስደተይና ንዘይምእንጋድ ዝብል ሓሳብ ኰነ ተግባር ከምእትነጽጎ ፍሉጥ ምዃኑ ዘረጋጽ መርሕ ቃል እዩ፡ ናይ ሓደ ሰብ ሽግር ምስ እትርዳእን ነቲ ሽግሩ ቀሪብካ ምስ እትላለዮ ብሓቂ እቲ ኣብ ሽግር ወዲቑ ዘሎ ሰብ ኣካልን ሥጋን ክርስቶ ምዃኑ ተስተውዕልን ንምድጋፉ ድማ ስንድው ትኸውን ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፥ እቲ መርሕ ቃል ክርስቶሳዊ ተልእዀ እዩ፡ ነቶም ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሎም ኣብ ልቡ ዘንበረን ስሌኦም ዝተጣበቐን ንሳቶም ጐዳና መንግስተ ሰማይ ምዃኖም ባዕሉ ኣነጺሩ ከምዝገለጾ ዘቃልሕ እዩ።

ፍቕርን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ኣብ ብሉይ ኪዳን ንመበለት ንዘኽታም ንስደተይናታትን ደረት ኣልቦ ምዃኑ ይነግረና። ናይዚ ሓልዮትን ለውሃትን ተዋሳእቲ ኵኑ ድማ ይብል። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 … እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎዅ … ብዝብሉ ቃላት ኣቢሉ ህላዌኡ ኣብ ዝተናዕቁን ዝስደዱን የረጋግጸልንና፡ ህልወቱ ኣብ ድኻታት ርጉጽ እዩ። ባዕሉ ዝበሎ ቃልን ተግባርን እዩ። እቲ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ዘዳለዎ ጐስጋስ መሕ ቃል ህላዌ ክርስቶስ ዘቃልሕ እዩ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጻውዒት ቃለ ትእዛዝ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ እንገዳ ክንክንን ሓልዮትን ሕንጸት ምሉእ ሰብኣውነት ንኹሉ ስደተይና ዜጋ ክኽወን የተሓሳስቡ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይና ሰብኣውነት ምልባስ (ስብእው ምግባር) ዝብል እዩ፡ ስደተይና ኣሃዝ ዘይኰነስ ሰብ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ገኒኖም ዝረአዩ ብዙሕ ዓይነት ቅልውላዋት እንከለዉ ቅዱስ ኣቦና ስደተይና ምእንጋድ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ተግባር እዩ ይብሉ። ብዙሕ ድማ ይገርሞም። ንድሕሪት ምልስ ቢልና እንተረአና ግና ታሪኽ ሰብ ታሪኽ ስደት እዩ። እቲ ዘሕዝን ስደት ዝተሓላለኸን ምኽንያት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተገይሩ ንኽረእይ ዝድርኹ ብዙሓት ሃወኽቲ ክስተታትን ረቛሒታትን ይፍጠሩ ኣለዉ። ሓደስቲ ግብረ ጊልያነት ወሲባዊ ርክብ ብዘይ ሕጋዊ ዜጋታት ካብ ቦታ ቦታ ምንቅስቓስን  ንግድ ሰብን ሕጻናትን ደቀንስትዮን እዚ ኹሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ እናረኣኻ ስደትን ስደተይናን ሸለል ምባል ዓቢይ ግብረ ገባውን ሰብኣውን ውድቀት እዩ። ሰብኣውነት ረቒቕ ሓሳብ ዘይኰነስ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝምልከት ሕቶ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ንናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ማሕበረሰብኣዊ እሙን እዮም። እዚ ኣምር’ዚ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ መሰረታዊ ዕላማ እዩ ኢሎም።

ስደተይናታትን ካልኦት እቶም ሓገዝናን ድጋፍናን ዝሓቱ ዝነጽግ ቅድሚ እቲ እነቑሞ ፈላላይ መናድቕ ኣእምሮኣዊ መናድቕ ዘቖምና እዩ ዝመልስ። ንምፍራሱ ኣዚዩ ከቢድ ድማ እቲ ኣእምሮኣዊ ፈላላይ መንደቕ እዩ። እዚ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጐስጓስ ናይ ምልዋጥ ጻውዒት እውን እዩ። ኣመለኻኽታና ምስ ካልእ ናብ ምራኻብ ምባል ክልወጥ ዝብል እዩ። ስለምታይ እቲ እንራኸቦ ከም ሰብ ክንራኸቦ ይግባኣና። ገጽ ንገጽ ምርኻብ። እቲ እንራኸቦ ስደተይና ሰብ እምበር ቍጽሪ ኣይኰነን። ሓውናን ሓብትናን ብጻይናን እዩ። ኣብቲ ወጅሂ እቲ ተመሳሳሊየይ ብጻይ ወጅሄይን ወጅሂ ወለደይን ሓወይን ሓብተይን ብጾተይን ዝርእየሉ እውን እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸን እቲ ምልዋጥ ኣባይ ይኽሰትን ፈላላይ መናድቕን ኣእምሮኣዊ ፈላላይ መናድቕ ኩሉ ይዓንው፡ ዘራኽብ ድልድል ድማ ንሓንጽ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.