2017-09-28 16:30:00

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ዝመርሕዎ ቀዳማይ ኣኼባ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ


ኣብ ሮማ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ጉባኤ ዋና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብፁዕ ካርዲናል ጉዋልቲየሪ ባሰቲ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ብቕዱስ ኣቦና ካብ ዝሕረዩ ቁርብ ኣዋርሕ ንፈለማ ጊዜ ብሊቀ መንበርነት ዝመርሕዎ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣኼባ ዕለት 25 መስከረም 2017 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ ኢቫን ማፈይስ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።

እቲ ኣኼባ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ብዘስምዕዎ ዘረባ ተጀሚሩ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን  ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ሓሳብ ንሓሳብ ንኽለዋወጡን ናይቲ ሲኖዶስ ዘተ መካየዲ ዝክረ ነገር ንምስንዳው ኣሚቱ ናብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዝተላእከ ናይ መሕትት ሰነድ መሰረት ካብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዝተወሃቡ መልስታት ብዝርዝር ዝመያየጥ እውን ምዃኑ ናይቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ ኢቫን ማፈይስ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሶም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን  ኮላግራንደ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝተፈጸመ ድዩ ተፈጺሙ ዝበሃል ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንኸይክሰት ንምክላኽሉን ዝብልን ሕንጸት ንማሕበረስብ ክርቲያንን ከምኡ እውን እቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ካሊያሪ ከተማ ንኽካየድ ዝተወሰነ መበል 48ን ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብኣዊ ሰሙን ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዝትይ ምዃኑ ኣፍሊጦም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.