2017-09-02 19:22:00

ሰንበት ዘአብርሃም ነሓሰ 28 2009 ዓ.ም. ( 9/3/2017)


ምስባክ፡ ወሓመልማለ ለቅኔ እጓለ እምኅያው፥ ዘይህቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ፥ ወለዕጓለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። “ሓምላይ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ፥ ሣዕሪ ንእንስሳ የብቍል፥ ንዝጽውዕዎ ጨቓውቲ ኳዃት ከአ መግቢ ይህቦም” መዝ. 147፡8-9።

እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመን ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ዘመነ ክረምቲ ኢልና እንጽውዖ ኮይኑ ስሙ ከም ዝሕብሮ ካብ ቋንቋ ግዕዝ ዝመጸ ካብ ከርመ ዝብል ዝመጸ እዩ። ትርጉሙ ወርኃት ዝናም፥ ነጎድጓድ፥ ዘመነ ባሕር፥ ዘመነ አፍላግ፥ ዘመነ ጠል፥ ዘመን ደመና፥ ዘመነ መብረቅ ማለት እዩ። ነቲ አብ እዋናት ክረምት ዝገጥም ባህርያዊ ነገራት ብምዕዛብ ምስ መንፈሳዊ ሕይወት አተሓሒዙ ክነስተንትኖ ይሕግዘና። አብ ባሕርያዊ ነገራት ምሕረትን ፍቕሪ አምላኽን ርኢኻ ምኽአል። አብ ጽባቔ ተፈጥሮ ብምዕዛብ ነቲ ከአል ኩሉ አምላኽ ዕብየቱን ክእለቱን ተዓዚብካ ክተመስግን ምኽአል ንአና ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ክንቀርብ ይሕግዘና።

ወርኂ ነሓሰ ብፍላይ ፍሉይ መእኽቲ የመሓላልፈልና፥ ዘራእቲ አብ ተስፋ አምሪሑ ብሩህ ፍረ  ማሕረስ ዝርአየሉ ዕምባባታት ፍሉይ መልክዕ ንምድረ ሰማይ አልቢሶሞ ክርኤ እንከሎ ፍሉይ ምስጢር ፍጥረት ክንዕዘብ ይሕግዘና። ነዚ ኹሉ ዝገብር አምላኽ ክነመስግኖ እሞ አብኡ አሚና ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና።

አብዚ እዋን ብፍሉይ ካብ ነሓሰ 10(ማኅበረ በኵር) - 28 ዘሎ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ ዝብል ሰናብቲ ሒዙ ይርከብ ነናቱ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ሰብ ክቡር ፍጥረት እዩ አምላኽ ፍሉይ ፍቕሪ ስለ ዝገበረሉ ካብ ኩሎም ፍጥረታት ክቡር ይብሃል። ነዚ ፍሉይ ተፈጥሮ አምላኽ ንፍሉይ መደብ እዩ ንሰብ ሂብዎ። ተኻፋላይ ጸግኡን መዋርስቱን ገሩ ብሂጉ ፈጢርዎ። ተፈጥሮና ከስ ምስ አምላኽ ክነብር እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ኩሉ ተፈጥሮን አብ ኩሉ ሕይወትናን ክንግዘቦ ንኽእል። ክረምቲ ፍሉይ መልክዕን ትእምርትን ይርአዮ። ዘራእቲ እንተ ረኤና ከምኡ ደመናታትን ባህሪ ክራማት ኩሉ ንምስጢር ተፈጥሮና ክብ የብሎ። ነዚ ባሕርያዊ ነገራት ተዓዚብና ናብ አምላኽ ክንምለስ እዩ እቲ መልእኽቲ።

ሓንቲ ሕይወታ ንአገልግሎት አምላኽ ዘወፈየት ሰበይቲ ንሕሙማትን አብ ዓራት ዝማሰኑ ብምብጻሕ፥ ንሽማገለታትን ስንኩላትን ብምሕጋዝ ፍልጥቲ ዝነበረት ሕምማ ብርኪ ገራ ኦፐረሽን ክትገብር ተነጊርዋ። እቲ ዝገበረቶ ኦፐረሽን ከምቲ ዝተደለ ከሕውያ አይተረኽበን እኳ ድአ ቃንዛን ካልእ ጸገማትን ፈጢሩ ከም ዘይትንቀሳቐስ ገርዋ። ባዕላን አዕሩኽታን ኦፐረሽን ጽቡቕ ክኸደላ ብሓባር ን ብግልን ጸልዮምላ እንተ ኾነ መልሲ ጸሎት አይተረኽበን። እዛ ሰበይቲ ፍሉይ ፍቕሪ ኢየሱስ ስለ ዝነበራ ናይ ግላ ዓርካ ገራ እያ ትርእዮ ዝነበረት፥ እንተ ኾና ጸሎት ብዘይምስምዑ ተስፋ ቆሪጻ ሕዝንትን ኩሉ ጊዜ ዘይሕጉስትን ኮይና ትርአ ነራ። ሓደ መዓልቲ አብ ርእሳ ተመሊሳ ኩሉ እትሓስቦን እትኾኖን ርእያ ምስ አበነፍሳ ጸገማትን አተሓሳስባን ከተካፍል ከደት። አበነፍሳ ኩሉ ምስ ሰምዕዋ አብ ጸሎት ክትአቱ እሞ ንዓርካ ኢየሱስ ስለምንታይ ከምዚ ክትከውን ደልዩ ክትሓቶ ነገርዋ። ከምኡ ኸአ ገራ። ንጽባሒቱ አበ ነፍሳ ምስ ረኸብዋ አብ ክንዲ እቲ ብርቱዕ ቃንዛ ዝነበራ ገጻ ተቐይሩ ሕጉስትን ፍሕሽውትን ሰላም መሊእዋ አብ ኩሉ ገጻ ክርአ ረኸብዋ። እንታይ ከም ዝበለኒ ትፈልጡዶ እናበለት ንአበ ነፍሳ ዝተባህለቶ ክትነግሮም ጀሚራ። አብቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ እና ጠመትኩ ቃንዛ እግረይ ክነግሮ እንከሎኹ ናተይ ዝገደደ እዩ ነሩ ኢሉኒ ኢላቶም።

አብ ገለ እዋን ነቲ ተጓኒፍና ዘሎ ጸገም ጥራሕ ክንርኢ አይሕግዘናንን እዩ ከማና ካባና ዝገደዱ ከም ዘለዉ ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ሓደ ሰብአይ ሳእኒ የብለይን ኢሉ ዘማርር ዝነበረ እግሪ ዘይብሉ ምስ ረአየ ንኩነታቱ ዘመስገነ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር አሎና። ስለምንታይ እዚ ረኸበኒ ስለምንታይ እዚ ተበሃልኩ ኢልና ክነማርር የብልናን።

አብ ዓለም ብዘይ ቃንዛ ክንበር ዘይክአል እዩ ክፍሊ ምድራዊ ሕይወትና እዩ፥ ግን አብ ክብሪ ገጹ ዝወስድ መገዲ እውን እዩ። ብዘይ መስቀል አኽሊል ክብሪ የለን።

አብ ትንቢት ኤርምያስ 20፡7-9 ዘሎ ኤርምያስ በቲ ዝገጠሞ ጸገማት አብ ልዕሊ ጸዋዕትኡ ክጉረምርም ንአምላኽ ክወቅስ ይስማዕ። “ኦ እግዚአብሔር ንስኻ ጠበርካኒ አነ እውን ተጠበርኩ” ይብል። እግዚአብሔር ከም ዘጠፋፍኦ ገሩ ይዛረብ መላገጽን ንዑቕን ገበርካኒ እናበለ ብሰንኪ መጸዋዕታኡ ዝረኽቦ ጸገም ይገልጽ። በዚ ምኽንያት ነቲ አምላኽ ዝሃቦ መጸዋዕታ ክሓድግ ይደሊ ግን አብ ውሽጡ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክገብር ይድርኾ። አብ ተልእኮኡ ብሰማዕቱ ተነጺጉ ተጸሊኡ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ነሮም፥ ተኸትኪቱ ምእንቲ ክመውት አብ ዔላ ተደርብዩ ካብ አዕርኽቱን አዝማዱን ተነጺሉ እዚ ኹሉ አብ አምላኽ ክምለሱን ጌግኦም አግሂዱ ስለ ዝነገሮም እዩ ገጢምዎ። ድላይ አምላኽ ክነለሊ ክንሓልፎ ዝግብአና ፈተናን መስቀልን ኩሉ ጊዜ ምስ ገጠመና እዩ።

አብ ትውፊት ክርስትና እዚ ናይ ኤርምያስ ስቓይ አምሳል ናይ እቲ ክርስቶስን ሰዕብቱን ዝገጥሞ ኮይኑ እዩ ዝርአ ነሩ። ንሓቀኛ ነብይ አምላኽ ዝጽበዮ መከራን ስደትን ስቓይን አብ ኤርምያስ ተራእዩ። ንነፍሲ ወከፍና ክንሰግሮ ዝግብአና ስቓይን ፈተና ይገጥመና እዩ። አብቲ ጽንኩር እዋን ንድላይ አምላኽ ክንገብር ንቃሉ ክንሰምዕ ልብና ክንከፍት አሎና።

አብ ናይ ሎሚ ቃል ወንጌል ካብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ መቐጸልታ እዩ። ማቴዎስ ነቲ ዝጀመሮ ክዛዝሞ ስለ ዝደለ ናይ ሓደ ረድኢ ክርስቶስ ክገብሮ ዘለዎ ይነግረና።

ዝሳቐ መስሕ፡ ኢየሱስ ነርድእቱ አብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸይድ አብኡ ከም ዝዛቐን ዝስቀልን ዝመውትን ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ዝትንሥእ ነጊርዎም። ነዚ ክብሎም እንከሎ ሓቀኛ መንነቱ እዩ ገሊጽሎም። ክርስቶስ ክሳቐ ክመውት ብሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እዩ። እዚ ግን ንሓዋርያት ዘይተጸበይዎ ኮይንዎም። ንሶም እቲ ዝጽበይዎ ፖሎቲካዊ መስሕ፥ ንጉሥ፥ ንእስራኤል ካብ መግዛእቲ ሮማ ቀልጢፉ ነጻ አውጺኡ ክብሪ ብወተሃደራውን ብሃብትን ብልጽግና ዘምጽእ እዩ ነሩ ትጽቢቶም። ነፍስወከፎም ካብዚ ንግስነት ክብርን ግንዖትን ክህልዎም ትጽቢት ነርዎም። እቲ ዝገደደ ክአምንዎ ዘይከአሉ ኸአ እቶም አብ ሞት ዘብጽሕዎ ካብቶም አረመንን አህዛብን ከይኮኑ ብዓበይትን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ምዃኑ እዩ። ካልእ ዝገደደ እቲ ፍጻሜ አብ ኢየሩሳሌም አብ ቅድስቲ ከተማ ቤተ መቕደስ ዝርከባ እዩ ዝፍጸም። እዚ ዅሉ አብ ርድኢት ሓዋርያት ከቢድ ስለ ዝኾነ ዝብልዎ ጠፊእዎም ሰንቢዶም ሃለዋቶም እዩ ጠፊእዎም።
ካባይ ርሓቕ ሰይጣን፡ ጴጥሮስ እቲ አቐድም አቢሉ ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ ክብል ዝጸንሐ ነዚ ዓይነት ዝመስል ክርስቶስ ክቕበል ፍቓደኛ አይኮነን። ከመይ ኢሉ ነቲ መስሕ ንጉሥ እስራኤል ከምዚ ዝበለ ግፍዕን ውርደትን ይወርዶ ኢሉ ክሰምዖ ወይ ክቕበሎ አይከአለን፥ ስለዚ ንኢየሱስ አግልል አቢሉ ጎይታይ የድኅንካ እባ ደአ እዚ ነገር እዝስ ከቶ አባኻ አይውረድ እናበለ ገንሖ። ኢየሱስ ብዝያዳ ዝጎሃየ ኮይኑ ብዝገደደ ነቲ ብጹእ ኢኻ፥ ከውሒ ኢኻ፥ መፋትሕ መንግስተ ሰመይ ክህበካ እየ እናበለ ዝምግሶ ዝጸንሐ ካባይ ርሓቕ ሰይጣን እናበለ አርሓቖ። መሳርሒ ሰይጣን አይ ኮነነ ዝብሃል ዘሎ ብርእሱ ሰይጣን እዩ ዝብሎ ዘሎ። ሰይጣን አብ በረኻ ንኢየሱስ ክፍትኖ እንከሎ ሓደ ካብቲ ዘቕረበሉ ንግስነት መስቀል ዘይብሉ እዩ። ጴጥሮስ ከአ ሓደ ዓይነት ንግስነት ከምቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተና እዩ ዘቕርበሉ ዘሎ ሓደ ዓይነት ስም ከአ ተዋሂብዎ። ሰይጣን ክብሪ ዓለምን ንግስነትን አርእይዎ እዚ ኸአ ክብሪ ንግስነት ዘልኦም ግን ስቓይ መከራ ዘይደልዩ። ጴጥሮስ ከውሒ ዝብሃል ዝነበረ ዓንቃፊ ተባሂሉ፥ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ አምላኽ አይትሓስብን ኢኻ ተባሂሉ።
ሓቀኛ ትርጉም ክርስትያናዊ ረድኢ/ሓዋርያ፡ ንጴጥሮስ ካብኡ አርሒቑ ናብቶም ካልኦት  ሓዋርያቱ ግልጽ ኢሉ ኪስዕበኒ ዚደሊ ሕይወቱ ይመንን፥ መስቀሉ አልዒሉ ድማ ይስዓበኒ፥ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድኅና ዚደሊ ኬጥፍአ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍአ ኸአ ኪረኽባ እዩ በሎም። አብዚ ኢየሱስ ናይ ሓደ ክርስትያናዊ ረድኢ ብከመይ ሕይወቱ ክመርሕ ከምዘለዎን ክገብሮ ዘለዎን ንክርስቶስ እናሰዓበ ዝኽተሎ መገዲ እዩ ዝነግር ዘሎ።

ሓዋርያ ክርስቶስ ዝኸውን ሰለስተ ነገራ አለዋ ክገብረን ዘለዎ፡

ሕይወቱ ክምንን አለዎ። ብንቡር አዘራርባ ርእስኻ ምምናና ክብሃል እንከሎ ንርእስኻ ምኽሓድ ንርእስኻ ከምዘይናትካ ምርአይ ማለት ከብ እተግብሮ ወይ ዘሎካ ከይትገብር ርእስኻ ምዕጋት። ኢየሱስ ርእስኻ ክሓድ ክብል እንከሎ አብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ናይ ሕይወትና ንርእስኻ እምቢ ንአምላኽ ግን ሕራይ ምባል ማለት እዩ። ሕይወትካ ምምናን ማለት ንሓደን ንመጨረሽታን ጊዜ ንክብሪ ርእስኻ አሎኻ ንክብሪ አምላኽ ክብ ምባል እሞ ናይ ሕይወትካ መላኺ ምንጪ ገርካ ምውሳዱ።
ሓዋርያ መስቀሉ አልዒሉ ንኢየሱስ ዝስዕብ ክኸውን አለዎ። እዚ ማለት ሓዋርያ ክርስቶስ  ንኹሉ ናይ መስዋዕትነት ተጽዕኖ ክስከም አልኦ። ክርስትያናዊ ሕይወት አብ አገግሎታውን መስዋዕትን ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ። ንክርስቶስ ከገልግል ኢሉ ንግላዊ ድለታቱ ዝሓድግ ማለት እዩ። ግዚኡን ኩሉ ምቾቱን ምእንቲ ክርስቶስ ኢሉ ክስውእ አለዎ። በዚ ምኽንያት ነፍስወከፍ ሓዋርያ ብቐጻሊ አምላኽ ካብኡ እንታይ ከም ዝደሊ ከምኡ ካልኦት ካብኡ ዘድልዮም ክፍጽም ዝተሰናደወ ክኸውን ይግባእ። ነዚ ኹሉ ክገብር ምእንቲ ክርስቶስ ኢሉ ስቓይን ንኹሉ ዕንቃፋታትንን ክጻወር አለዎ።
ሓዋርያ ዕለት ዕለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ክስዕብ አለዎ። እዚ ማለት ከአ ዕለት ዕለት አብ ክርስቶስ ምሉእ እምነት ገሩ ብሓሳቡ ብቃሉን ብግብሩን ክምስክርን ክገብርን አለዎ።

ኢየሱስ ንጹር ዝገበሮ አብ መስቀል ከም ዝኸይድ ሓዋርያት ከአ ብድላዮም ክስዕብዎ ከም ዘለዎም። መገዲ ሕይወት አብ መገዲ መስቀል ጥራሕ እዩ ዝርከብ እዚ ኸአ አብ ሞት ዝውዳእን ዝስዓርን ዘይኮነ አብ ሓዲስ ሕይወትን ግርማን ክብርን ዘብጽሕ። ሓዋርያነት ወይ ረድኢ ምዃን ብዛዓብ ዓወታት ክብሪ ደረጃ ምጉንጻፍ አይኮነን። ነቲ ሓሳዊ ዝኾነ ሕይወትና ካባና ጨሪሽና ምስ አርሓቕና ጥራሕ እዩ ንሓዲስ ሕይወት አባና ዘየተኮረ አብ አምላኽ ጥራሕ ዘተኮረ ክንሕዝ እንኽእል። እዚ ትምህርቲ ምሳሌ እዩ፥ ትርጉሙ ኸአ ብአንጻሩ ገርካ ምርአይ። ሕይወት እንረከብ ሕይወት ብምጥፋእ እዩ። ስቓይን ሞትን አብ ሕይወትን ግርማን ይመርሑ።

ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንአምላኽ ባህ ዜብልን መሥዋዕቲ ጌርኩም አቕርብዎ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሮሜ 12፡1-2 ነቲ አምላኽ ዝገበረሎም ምሕረት ድሕሪ ገሊጽሎም ንገዛእ ርእሶም ከም ሕያው መስዋዕቲ ከቕርቡ ይነግሮም። ነቶም ብክርስትና አሕዋቱ ሰብነቶም ሕያውን ቅዱስን ንአምላኽ ባህ ዜብል መሥዋዕቲ ጌሮም ከቕርቡ ይምሕጸኖም። ንአረማዊ ባህልን ስርዓታትን እናነበሩ ንክርስትያናዊ መንነቶም ከይጥፍኡ ይምሕጸኖም። ዝኾነ ፍቓድ አምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ አእምሮኹም ብምሕዳስ ተለውጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚአ አይትምሰልዋ። ስለዚ ሓዲስ አእምሮ የድልዮም፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ እምበር ከምቲ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ጴጥሮስ ዝተመነዮ ክኸውን አይግባእን።

አብዚ ዓመት አብ ዝዛመሉ ዘሎ እዋን ምስ ናይ ሎሚ ንባባትና አተሓሒዝና ክንርእዮ ከሎና ብሓቂ በዳሂ ዝኾነ ሓሳባትን ሕቶታትን አብ ልብና ክመጽአና ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ቀጥታዊ ርክብ አብ መንጎ ሓዋርያን መስቀልን ከም ዘሎ ይነግረና። ብርግጽ መስቀል ዝኸፍአ መቕጻዕቲ ካብ ኩሉ ክፍአት ዝለዓለ ምልክት ስቓይን ሞትን ሕይወት ኢየሱስ እዩ። አብ መስቀል ዝኾነ ዘሓጉስ ነገር የብሉን። እንተ ኾነ ንአና ንክርስትያን ምልክት ናይ እቲ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ድሕነት ሞትን ትንሣኤን ኮይኑ አብ ናይ ነፍስወከፍ ክርስትያን ሕይወት አብ ሕማቕ ጊዜ ይዅን አብ ጽቡቕ ጊዜ ምሳና ዝርከብ እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ከም ዝብለና ነፍስወከፍ ሓዋርያ ክርስቶስ ወይ አማናይ ሕይወት ብምልአት ክነብሮ እዚ ብምግባር ከአ ነፍሲወከፍ ንመስቀል ክሓቍፍ ከም ዝግባእ ይነግረና። እዚ ናይ ግድን ዝኾነ ምትእስሳር እዩ። መስቀል ዘይብሉ ሓዋርያነት ሓዋርያነት አይኮነን። መስቀል ዝመለለይኡ ሕይወት ምልአት እምነትን ትምህርቲ ወንጌልን አብኡ ይርከብ እሞ መለለይኡ ፍቕሪ ምሕረት እምነት ሓቅነት ሕድገት፥ ምንሳሕ ርሕራሐ ይኸውን። ምእንቲ ፍሉይን ክቡርን ዓላማን ኢልካ ስቓይ ምቕባል ዋጋ አልኦ። ዝኾነ እሙን ሓዋርያ ክርስቶስ ካብ ስቓይን ቃንዛን ነጻ ዝኾነ ሕይወት ክነብር አይክእአልን እዩ።

አብዚ ዘሎናዮ ዘመን መስቀል ትርጉሙን መልክዑን ዝቐየር ይመስል። መስቀል አብ አብያተ ክርስትያን ገዛውቲ አብ ቤት ሸቐጥን አብ ብዙሕ ቦታታ ንርኢ። ዳርጋ እቲ ቀዳማይ ትርጉሙ ዝቐየረ ይመስል። እዚ ግን ነቲ መሰረታዊ መጸዋዕታ ክርስቶስ ከቐይረና የብሉን። ብዙሕ ጊዜ አሎ ካብ ስቓይ ክንሃድም እንፍትነሉ ጊዜ ብግዳማዊ መገዲ ንፉዓትን እሙናትን ክርስትያን ኮና እንርአየሉ ጊዜ ብኡ ኸአ ዓጊብና እንነብሮ እዋን አሎ። ብአንጻሩ ከአ ብዙሓት አለዉ አብ መንጎና ምእንቲ እምነቶም ዝሞቱ ወላ እኳ አብ ሕይወቶም መዓልታዊ ስቓይ ይጓነፎም ጸኒዖም ካብ እምነቶምን ምኽታል ክርስቶስን ፍንክት ዘይብሉ። ብዙሕ ጊዜ እዚ ብሱቕታን ብዘይ ምውዕዋዕን እዩ ዝግበር ግን ኩሉ ጊዜ ተመሳሳላይ ሓቂ እዩ ዝገልጽ። ክርስትና ክርስትያናዊ እምነት ብዝያዳ ትክረት ዝረክብ ብመንጽር ስቓይ ክርአ እንከሎ እዩ።

አብዚ ዓመት ዛዚምና አብ ሓዲስ ዓመት ክንአቱ አብ እንሰጋገረሉ ዘሎና እዋን አብ ሕይወትና ምልስ ኢልና እዛ አምላኽ ዝሃበኒ ዓመት ከመይ አሕሊፈያ ምስ አምላኽን ሰብን ብኸመይ አሕሊፈያ ኢልና አብ ጽምዋ ርእስና ንእቶ። መስቀለይ ተሰኪመዶ እሓልፎ አሎኹ ኢልና ምስ ርእስና ክንዛተ እዋኑ እዩ። ምድሪ ሰማይ ብዕምባባን ፍረን ከም ዝቕይር ንሕና እውን ብሰናይ ግብርን ፍቕርን ብዝያዳ ክንፈሪ ልብና ንአምላኽ ንኽፈተሉ።

ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ተነስሑ ብወንጌል እመኑ ኢሉ ከም ዝሰበኸ ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ተነስሑ ብወንጌል እመኑ እናበለት ንሓዲስ ዓመት ካብ ኩሉ ማእሰርቲ ኃጢአት ወጺእና አብ አምላኽ ተመሊስና ዓመትና ንጀምር።

ዘመነ ማቴዎስ ብሰላም አፈጺሙ አብ ሓዲስ ዘመነ ማርቆስ ብሰላምን ፍቕርን የሰጋግረና። 

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.