2017-08-19 18:58:00

ኣብ ባርሰሎና ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዕውር ዓመጽ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ኣይረድ ዘብል ኩነታት ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ከም ማይ ነሓሰ ክዘንብ ክትርኢ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ብተፈጥሮ ዝወርድ ሓደጋስ ይኹን ሕልና ብዘይብሎም ኣጥፊእካ ጥፋእ ዝመፈክሮም ፈጠርቲ ራዕዲ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ብሶሙኑ ንዓለምና የንቀጥቅጥ ኣሎ፣

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ከምዝተኻታተልክምዎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ሰራልዮን ልዕሊ 461 ዘህለቀን ገና ከኣ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብዙሓት ዘጥፈኤን ዘቊሰለን መዓት ንብረት ዝደምሰሰን ምፍራስ ጎቦታትን መንደረጋሕን ኣመልኪቶም ናብ ሊቀጳጳስ ናይ ፍሪታውን ዝጸሓፍዎ ናይ ሓዘን መግልጸን ምጽንናዕን ጸሎትን ተለግራም ቀለሙ ከይደረቀ ኣብ ማደይራ ዝበሃል ከተማ ፖርቱጋል ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ መዓልቲ በዓለ ፍልሠታ ማለት ዕለት 15 ነሓሰ 2017 ዓምፈ ዑደት በዓለ ፍልሰታ ዝግበሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ምእመናን ሓደ ዓቢ ኦም  ብምውዳቁ 13 እንክሞቱ ልዕሊ 50 እንክቈስሉ ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ጳጳስ ናይቲ ከባቢ ናይ ምጽንናዕን ሓዘን መግለጽን ጸሎትን ተለግራም ልኢኾም፣ እዚ ጥራይ ከይኣክል ኣብ ፖርቱጋልን ኢጣልያን ባርዕ ሓዊ ብተፈጥሮ ዝተኸስተን ሰብ ዝገበሮን ነባሪ ዝኾነ ዱር እናኣቃጸለ ብዙሕ ኣብያትን ንብረትን የዕኑ ኣሎ፣ ማዕከን ዜን በብዝኸፍትካዮ ብምዕልቃላቅ ማይስ ይኹን ብውግእ ሓድሓድ ዓለምና ብዙሕ ትሳቀ ኣላ፣

እዙይ ኣይኣክልን ዝበሉ ክመስሉ ክኣ ፈጠርቲ ራዕዲ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ባርሰሎና ሃገረ እስፐይን ኮነ ኢልካ ህዝቢ ንምጥፋእ መዓት ሕዝቢ ተኣኪብሉ ኣብ ዘሎ ብማኪና ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ከም መኸዳ እኽሊ ሰባት ብምዕጻድ 14 ክሞቱ ከለው ብዙሓት ከኣ ከምዝቆስሉ ምስ ተሓበሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ዜና ናይቲ ኣብ ራምብላስ ናይ ባርሰሎና ቅትለትን ሰፍ ዘይብል ስቃይን ዝዘርኤ ጨካን ዝኾነ ፈተነ ቅትለት ፈጠርቲ ራዕዲ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እንክገልጽ ምናዳ ከኣ ነቶም ኣብዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ሕይወቶም ዝሰኣኑ ግዳይ ዝኾኑን ዓሚቊ ሓዘን እንክስመዓኒ ነቶም ዝሞቱ ኣብ መንግስቱ ክቅበሎምን ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦምን ጸሎተይ አዕርግ` እንክብሉ ናብ ናይ ባርሰሎና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኽዋን ኾዘ ኦመላ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ኣቢሎም ናይ ሓዘን ተለግራም ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና የመልክት፣

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ‘ኣብዚ ናይ ሓዘንን ስቃይን ግዜ እዚ ደገፈይን ቅርበተይ ናብቶም ብዙሓት ዝቆሰሉን ቤተሰቦን ንመላእ ማሕበረሰብ ካትላኛን እስፐይንን እገልጽ` ምስ በሉ ‘ሎሚ እውን እንደገና ደጊመ ነዙ ከምዙይ ዓይነት ዕውር ዓመጽ እዂንን፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ዓመጽ ዓቢይ ገበን ወይ ሓጢኣት ተጻይ ፈጣሪ እዩ፣ ልዑል እግዚኣብሔር ረድኤቱ ካብ ሰማይ ክሰድድ እንክልምን እቶም ናቱ ዝኾናን ብስሙ እነገግልን ብቆራጽነት ስለ ሰላምን ዕርቅን ናብ ዓለምና ክወርድ ለይትን መዓልትን ክንሠርሕ ይሓግዘና’ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም፣

ቅድሚ ነዚ ተለግራም ምጽሓፎም ነቲ ዘስካሕክሕ ዜና ምስ ሰምዑ ብኡ ንብኡ ኣብ ጸሎት ከምዝተጸምዱ ናይ ሕተምትን ዜና ክፍሊ ሓላፊ ግረክ ቡርክ `ቅዱስነቶም ስለእቶም ግዳይ ናይዚ ፈተነ ዝኾኑ ይጽልዩ ኣለው ንህዝቢ እስፓኛ ምናዳ ከኣ ነቶም ዝቆሰሉን ቤተሰቦምን ቅርበቶም ይገልጹ’ እንክብሉ መግለጺ ሂቦም ነሮም፣

ሃገረ እስፐይን ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ከተማ ማድሪድ ብ2004 ዓምፈ ብርቱዕ ፈተነ ኣጋጢምዋ ነሩ እዩ፣ ነዙይ ናይ ትማሊ ፈተነ ምሉእ ሓላፍነት ዝወሰዱ እቶም ብኣይ ኤስ ዝፍለጡ ኢስላሚክ እስተት መንግስቲ እስልምና ብዝብል ስም ዝፍለጡ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ከኣ ብዳዒሽ ዝፍለጡ ክፍሊ ኣኽረርቲ ምስልምና ምዃኖም ብዕሊ ገሊጾም፣

ኣሰር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽታል ጳጳሳት ሃገረ እስፐይን እውን ብሓባር ቅርበቶምን ጸሎቶምን ንሕዝቦም ብምግላጽ ነቲ ፈተነ ብሓባር ኣጽኒዖም ከምዝዀነንዎ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና የመልክት፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ እስፐይን ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘመልክቶ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ ዘስካሕክሕ ትራጀዲ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ እስፐይን ነቶም ግዳይን ቤተሰቦምን ቅርበቶምን ጸሎቶምን ይገልጹ፣ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ራዕዲ ንኹንን፣ እዚ ተጻይ ኩሉ ሞራላዊ ሕይወት ዝኾነ ዝኾነ ዘይፍትሓውን ተጻይ ኣእምሮ ሰብን እዩ፣ ንክብሪ ሕይወትን መሰል ነጻነት ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ ደረቅ ዘይተጻዋርነትን ውልቀምልክን የመልክት’ እንክብሉ ኩነኔኦም ገሊጾም፣

መላእ ዓለም በብወገና ሓዘናን ጸሎታን እንክትገልጽ ናይ ባርሰሎና ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ልዊስ ማርቲነዝ ሲስታኽ እውን ዳርጋ ነዚ ክትርኢ ትጸንሕ ዝዓይነቱ ዓቢ ስንባደ ከምዝወረሮም ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘መጀመርያ ዝተሰመዓኒ ብርቱዕ ሓዘንን ቃንዛን እንክኸውን ክርድኦእውን ኣጸጊሙኒ ኮይኑ ግን ብኡ ንብኡ ኣብ ጸሎት ተጸሚደ፣ ኣብ ልበይ ከኣ ንጹሃት ሰባት ንምቅታል ዝሓስብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፈተነ ራዕዲ ኣበርቲዕካ ክኹነን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ መጺኡኒ፣ ትርጉም የብሉን ሰብኣዊ ኣይኮነን፣ ምእንቲ እቶም ዝሞቱን ዝቆሰሉን ምጽላይን ኣብ ጐድኒ እቶም ዝተረፉ ቤተሰብ ኰንካ ምጽንናዕምን ምድጋፎምን የደሊ፣ ጐይታ ንልቢ ደቂ ሰባት ክቅይርን ከምዚ ዓይነት ፈተነ ራዕዲ ደው ክብልን ንጸሊ፣ ደቂሰባት ኩልና ብሓባር ኩለን ሃገራት ኣብ ኲስኰሳ ደቂ ሰባትን ትምህርትን ናይ ሕይወት ክቡርነት ንምምሃርን ይተዓጠቃ፣ ሱር ናይ ኩሉ ኣብዚ እዩ ዘሎ ይመስለኒ` እንክብሉ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.