2017-08-14 15:12:00

ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ልደት ናይ እምነት ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ


ዕለት 15 ነሐሰ 2017 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ልደት እቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ሰማዕት ቢላ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፅዕና ዝተኣወጀትሉ ብፅዕ ኣቡነ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ተዘኪሩ ከምዝውዕል ክምልከት እንከሎ ዕለት 12 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ኣብታ ናይቶም ኣብ 1980 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረገ እንከሎ ዝተቐትሉ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ናይ ጵጵስና መስቀሎም ኣብ ዝተዓቀበላ ሎንደን ኣብ እትርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሳውዝዋርክ ዝኽሪ ሰማዕትነቱ ክበዓል ምዃኑ ፍራንቸስካ ሳባቲነሉ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 23 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ሎንደን ካቴድራል ወስትሚንስትር ኣብ እንግልጣር ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሳትፈ ንዝኽሪ ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ ናይ ሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ክዓርግ ምዃኑ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፡ ዕለት 15 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ልደት ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑን ስብከት ዘስምዑን ናይ ጳጳሳዊ ናይ ሕይውት ተቛም ኣቦ መንበርን ቤተ ክርስቲያን ሰማዕት ሮመሮ ብፁዕ ቢላን ቅድስና ንኽትእውጀሎም ጽኑዕ መሰረተ ሓሳብ ዘቕርቡ ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ከምዝዀኑ ኣፍሊጠን።

ዝኽሪ ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ሰብ ክርስቲያንን ብፍላይ ድማ ኣብ ኤል ሳልቫዶ ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ኣመልኪቶም ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ኾሰ ልዊስ ኤስኮባር ኣላስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ ኣብ ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዘሎ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ምልክታ ዘንበረ ወዲ ቢተ ክርስቲያን እዩ። ዕለት 24 መጋቢት ዕለተ ዝኽሪ ዕለተ ሰማዕትነቱ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ እዋናዊ ሰማዕታት ኰይኑ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ሕቡራት መግስታት ዓለም ዕለት ሰማዕትነት ሮመሮ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝኽሪ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሳኔ ዕለት ኰይኑ ክሕሰብ እውን ወሲኑ እዩ። ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ ሰማዕትነት ብፁዕ ሮመሮ ኣብ እዋናዊ ታሪኽ ዓለም ዓቢይ ግምት ዝወሃቦን ምልክት ዘንበረን ምዃኑ ትርዳእ ኢሎም።

ናይ ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ ሕይወት ኣብ እዋናዊ ዓለም ድኻታት ብምፍቃርን ስሌኦም ጠበቓ ብምዃን ነኣኣቶም ብምሕላይ ህያው ወንጌል ምጽሓፍ ዝብል እዩ። ብዙሓት ነቲ ሰማዕት ሮመሮ ዝሕብሮ ዝነበረ መገዲ ሕይወት፥ ፖለቲካውን ካብ ማርክሳዊ ርእየት ዓለም ዝነቐለ ገይሮም ይሓስብዎ። እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ትንታነን ርእየትን እዩ። ድኻታት ምፍቃርን ኣብ ጎድኒ እቶም ዝንጸሉን ሰብኣዊ ክብሮምን መሰሎምን ምስ ዘይኽበረሎም ዜጋታት ኰይንካ ድምጾም ምዃን ኢየሱስ ዝገበሮ ምግባር እዩ እምበር ካልእ ዕላማ የብሉን። ኢየሱስ ኣብ እምነት ማሕበራዊ ሕይወትን ምንባር ስለ ዝበሉ ድማ ነዚ ናቶም ትምህርን ምስክርነትን ዝቃወሙ ዘይፍትሓውያን ሰባት ንሞት ዳሪጎምዎም። ስቑ ነኸብልዎ ቀተልዎ በቲ ዝኸፈልዎ ሰማዕትነትን ኣቢሉ ዝነበሮ ካልአ ኢየሱስ ክርስቶ ሕይወት ኣብ እዋናዊ ዓለም ይዝከር። ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ይዝከር ምስ በሉ፥ ብፁዕ ሮመሮ ቅድስና ንኽእወጀሎም ዘብቅዕ ብኣማላድነቶም ተኣምረ ፈውስ ካብ እግዚኣብሔር ዝተጸገዋ ኣደ ኣለዋ። ብዛዕባኡ ናይሳን ሳልቫዶር ሰበኻ ደረጃ ኣጻርዩ ብዛዕባዚ ተኣምር’ዚ ዝሕብር ሰነድ ናብ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ከምዘመሓላለፈ ገሊጾም፡ ወንጌል ፍቕሪ እዩ። ሓሴት ድማ እዩ። ዓለም ዝልወጥ ብፍቕሪ ጥራሕ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይምዕዱ እዚ ምዕዶ’ዚ ሕይወት ሰማዕት ብፁዕ ሮመሮ የዘኻኽር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.