2017-08-14 14:32:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ስቓይ ምስ እንርከብ ፍርሒ ኣባና ከይሁሉ ኢየሱስ የተባብዓና


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 11 ነሓሰ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ኪያራ ዘኣሲዚ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣበቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ሕይወት ዘሳቕየና ነገር ምስ ዝህሉ ኣብ ልብና ድምጺ ኢየሱስ ጽን ንበል፡ ንሱ ድማ ኣይትፍራሕ ንቕድሚት በል፡ ኣነ ምሳኻ እየ ክብለና እዩ!” ዝብል ዕለታዊ ቃለ ኣስተትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ኢየሱስ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ሕይወት ማእከል ምስ ዝኸውን፡ እቲ ናይ ሕይወቱ ማእከል ኢየሱስ ምስ ዝገብር ሰብ በቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ውህደት ኣቢሉ ነቲ ካብኡ ዝተፈልየ ሰብ ገዛእ ርእሱ የርህው። ብፍላይ ናይቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋት ሕይወት ተኻፋሊ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ኣዚዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ኪያራ ምስ ገዳማውያን ደቂ ቅድስቲ ኪያራ ዘኣሲዚ ደናግል ተራኺቦም ከምዘካፍሉን ሓንቲ ኣብ ዕጹው ገዳም እትርከብ ድንግል መላእ ሕይወታ ንጐይታ ዘወፈየት ክትርድኦ ዘይከኣል ኣብ ሕይወታ ዓቢይ ምልዋጥ ይኽሰት፡ ብሕትው ሕይወት እትነብር ድንግል ገዛእ ርእሳ ካብ ኩሉ ኣልያን ተነጺላን ምስቲ ልዑልን ፍጹምን ዝዀነ እግዚኣብሔር ክትከውንን ሰቂለ ሕልናን ተጋድሎን እትነብር እያ ዝብል ልሙድ ኣገላልጻ ኣሎ። እዚ ግና ናይ ሓንቲ ካቶሊካዊት ወይ ከኣ ክርስቲያን ባሕታዊት ድንግል መግለጺ ኣይኰነን።

እቲ መገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ! ኢየሱስ እዩ ናይ ሕይወት ማእከል ክኸውን ዘለዎ። ናይ ትዕግስትኽንን ናይቲ ገዳማዊ ማሕበራዊ ሕይወትክንን ጸሎትን ኣብቲ ኵላዊ ጸሎት ኩል ማእከል ኢየሱስ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ እቲ ሓቂ መግልጺ ናይ ሓንቲ ባሕታዊት ድንግል ሕይወት እዩ፡ ኣብ ኣስተንትኖን ጸሎትን ተጋድሎን ምስ ኢየሱስ ምስ ዝኽወን እቲ ዝንበር ሕይወት እዚዩ ልዕሉ ሰብኣዊ ይኸውን። ህቡኣን ደናግል ንልዑል ሰብኣውነት ዝተጸውዓ እያተን። ከምቲ ናይታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ሰብኣውነት ይነብራ። ኣብ ኩሉን ብኹሉን ንኹሉን  ኣብ ስቓይን ሓሳርን ንዝርከብ ሰብኣዊ ፍጥር ቀረባ ምዃንን እናመሓራ ካብ ጐይታ ምሕረት ዝነብራን ኣቲ ናይ ኢየሱስ መገዲ ዝዀነ ቃለ ትስብእት ዝንበሮ ሕይወት ዝነብራ እያተን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ምልክታ ናይታ ሰብኣውነት እትነብር ኣዚያ ሰብኣዊ ዝዀነት ድንግል ማለት እንታይ እዩ? መለለይኣ እትነብሮን እትገልጾን ሓሴት እዩ። ሓጐስ ዘይብለንን ዘይምስክራን ደናግል ክርእይ ኣዚየ ይሓዝን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እንምስክሮ ሓጐስ መግለጺ ውሳጤና እዩ። ወትሩ ምስ ኢየሱስ ክርስቶ ምስ ዝንበርን ኢየሱስ ማእከል ሕይወት ምስ ዝኸውን ከቢድ ዕለታዊ ሕይወት ከምዘሎ ኰይኑ ሓጐስ ይህልወካ። ዕለት 4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ እዋን ብዛዕባ ስቑል ኢየሱስ እንከስተንትኑ ንስቑል ኢየሱስ ምስትንታን ኣብቲ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ምትራፍ ዘይኰነስ ናብቲ ናይ እዋናዊ ኣብ ዕለታዊ ሰብኣዊ ሕይወት ዘጋጥም ስቃይን ቁስልን ዝፈስስ ደምን ንምስትንታን ዝመርሕ ምዃኑን ነዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ስቓይን መከራን እየ ዘስተንትንኩ። እዚ እዩ ናይ ውፉይ ሕይወት ኣስተንትኖ። ጭቡጥ ሕይወት ዝበሃል ድማ እዚ እዩ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጭቡጥ ሕይወት እዩ። ረቒቕ ሓሳብ ምስትንታን ማለት እይኰነን ረቒቕ ሓሳብ ምስ ዝኸውን ልብን ኣእምሮን የንቅጽ። ኢየሱስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ጭቡጥ ኢዩ፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ምስትንታን ነቲ ናብ ሰማየ ሰማይ ዘዕረጎ ስቓይ ምስትንታን፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐዳና ሰብኣውነት ንሱ እዩ። ወትሩ ምስ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሔን ሰብን ዝዀነ ኢየሱስ ምዃን። ስለዚህ ድማ እቶም ናብ ቤተ ህቡኣንን ገዳማትን መቐበሊ ኣጋይሽ ከይዶም ክጽለየሎም ዝሓቱን ዘለዎም ጸገም ኵሉ ከካፍሉ ምርእይ ብሓቂ ደስ ዘብል ተግባር እዩ። ስለምታይ ባሕታውን ባሕታዊትን ምስ ዝኽወን ንናይ ሕዝቢ ስቓይ ኣዚኻ ኢኻ ቀረባ ትኸውን። እታ ጽን ቢላ ናይቲ ሽግሩ ኩሉ ዘካፍላ ሰብ ታሪኽ እተሰምዕ ባሕታዊት ወይ ከኣ ድንግል ዘደንቕ ሓሳብ ዘይተቕርብ እውን ትኸውን እቲ እትገብሮ ግና ምስ ቤተክርስቲያ ኰይና ጸሎት ምዕራግ እዩ። ብጸሎት ንሰብኣዊ ፍጡር ቀረባ ምዃን እንክብሉ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.