2017-08-10 09:37:00

ኬንያ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ምርጫ ሰላማውን ግልጽን ተኣማንን ንኽኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም


ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ እቲ ሎሚ ዕለት 8 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ሰላማውን ግልጽን ተኣማንን ክኸውን ቅድም ኣቢሎም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ካብ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዝውጸ መግለጺ ዝተወከሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበፓ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፕ ኣዮሎ ኵሉ ዜጋ ናይ ምምራጽ ሕገ መግስታዊ መሰሉ ኣብ ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ከውዕሎ ሓደራ ቢሎም፥ እቲ ምርጫ ቅኑዕን ትኽክለይናን ሰላማውን ክኸውንን በዚ መገዲ ኣቢሉ ንሃገርን ሕዝቢ ኬንያን ዘለዎ ፍቕሪ ክምስክር ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ እቲ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ሰላማውን ቅኑዕን ግልጽነቱን ክውሕስን መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ምርጫ ዝምልከት ዘቕርብዎ ዜናን ሓተታን ካብዚ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ውልቃዊ ድልያ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ውልቃዊ ረብሓ ወጻኢ ብትኽክል ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ መሰረት ገይሮም ከንብብዎን ሓቀይና ከይዲ’ቲ ሕዝባዊ ምርጫ ክገልጹን ከምዝግብኦም ብፁዕ ኣቡነ ኣዮሎ ኣተሓሳሲቦም ናይ ሰላምን ዕርቅን መጋብርያ ክዀኑ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ገሊጸን። 

ኣብ መወዳእታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኬንያ ብዛዕባ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ብብፁዓ ጳጳሳት ኣቢላ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጻውዒት ቅዋም ሃገር መኽበሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ብጠቕላላ ናይ ሕግን ፍትሕን መጋበርያ ኣባይቲ ጽሕፈትን ስለ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ክጣበቕ ሓደራ ቢላ ዕለት 30 ሐምለ 2017 ዓ.ም ዝተበገሰ ዕለት 7 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ዝተዛዘመ መደብ ጾምን ጸሎትን  ከምእተኻየደ ናይ ኬንያ ብፁዓ ጳጳሳ ጉባኤ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኰምቦናዊ ካህን ናይ ጳጳሳዊ ተልእኮ ወንጌል መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዘ ብዛዕባ እቲ ናይ ኬንያ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ መንጐ እቶም ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ኣብቂዕም ዳግም ንምርጫ ዝቐርቡ ዘለዉ ወዲ ጆሞ ከንያታ ኡሁሩን ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሒ ራኢላ ኦንዲጋ ዝወዳደሩ ኰይኑ ክልቲኦም ሕጹያት ትመረጽቲ ኣብ ናይ 2013 ዓ.ም. ምርጫ እውን ከምእተወዳደሩን ኣብቲ እዋን’ቲ ኡሁሩ ከንያታ ከምዝሰዓሩ ዘኪሮም እቲ ምርጫ ዘውህቦ ውጽኢት ልክዕ ከምቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ተኸሲቱ ዝነበረ ንልዕሊ ሺሕን ክልተ ሚእቲ ዚጋታት ሕልፈት ምኽንያት ዝዀነ ድህረ ሕዝባዊ ምርጫ ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ግርጭትን ከይተኣታትው ፍርሒ እውን ክምዘሎን እውን ጠቒሶም ኣብ ኬንያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ምርጫ ሰላማውን ቅኑዕን ፍትሓውን ክኸውን ገና ብዓንተውኡ ጻውዒት ኣቕሪባ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ ምስ በሉ ልዕሊ 1,800 ዝግመቱ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ናይቲ ሕዝባዊ ምርጫ ሰላማዊ ከይዲ ንምኽባር ኣብ ሓላዋን ጸጥታን ድሕነትን ከምእተመደቡ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.