2017-08-05 17:04:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣገልግሎት ኵለን ሃማኖታት ንሰላምን ጸረ ኵናትን ጸረ ግብረ ሽበራን


ኣብ ጃፓን ክዮቶ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጐቦ ሃይ ዕለት 3 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ዝተኸፍተ እቲ ተንዳይ ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ሃይማኖት ቡድሃ  ናብ ዘዳለዎ ምእንቲ ሰላም መደብ ርክብን ጸሎትን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ናይ ሓባር ጸሎትን ዕዮን ምእንቲ ሰላም፡ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተግባር ክኸውን ዘለዎን ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብቲ ብኵናትን ግብረ ሽበራን ዝናወጽ ዘሎ ዓለም ስምምዕን ውህደትን ክሰርጽ መታን ሰላም ብምንቕቓሕ ናይ ተራኻብነት ባህሊ ከነቓቕሓ ዝተጽውዓ እያተን” ዝብል ቃለ ምዕዳን ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዕ ርክብን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ክህሉ ከምዝግባእ ገሊጾም እቲ ኣብ ጃፓን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ቸኖትን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ዋና ጸሓፍት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶትን የኔታ ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲዙዋኩ ካንካናማለጋ ዝሓቁፍ ልኡካን ጉጅለ ቅዱስቲ መንበር መሪሖም ኣብቲ መበል 30 ናይ ሓባር ጸሎት ዝሳተፉ ዘለዉ ብናይ ሆንግ ኰንግ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ቶንግ ሆን ኣቢሎም ናብቲ ተንዳይ ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ሃይማኖት ቡድሃ ሊቀ ካህናት ክቡር ኮአይ ሞሪካዋ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ብኵናት ኣዚዩ ዝደምይ ዘሎ ዓለም ሓድሽ ልባዊ ምቅርራብን ስምምዕን ቅኑይ ውህደትን ክጥጥዕ ብሓባር ኣብ ዝግበር ጸሎት መንፈሳዊ ቅርበቶምን ብመንፈስን በቶም ወከልቲ ቅዱስ መንበር ኣቢሎም ኣውን ህልው ምዃኖምን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ሃማኖታዊ ርክብ፥ ናይ ዘተ መንፈስን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ብሓባር ኣብ ስድራ ዘርኢ ሰብ ሓድሽ ናይ ሰላም መገዲ ንምኽፋት ዘብቅዕ ሕውነት ዝሓንጽ ይኹን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ጸሎት እቲ ምእንቲ ሰላም እነካይዶ ጻዕሪ ዝድግፍ ኣስተፍሶ ዘዕድልን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብ ዓሚይቕን ኣብ ፍቕሪ ዝተሰርተ ምዃኑ ዝረጋግጽ ምትእስሳር ዘሕይልን ቅኑዕ ርክብን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ንምንቕቓሕ ዘብቅዕ ወሳኒ ጻዕርታት ንምኽዋን ዝድርኽ ሓይሊ ዘመንጭው ይዅን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መገልጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዓመጽን ግብረ ሽበራን ዘዕለቕልቕ ዘሎን ነቲ እንነብረሉ ናይ ሓባር ቤትና ዝዀነ ተፈጥሮ በቢ ዕለቱ እናገደደ ዝኸይድ ንሓደጋ ዘቃልዕ ስግኣት ኣብ ዝረአየሉ እዋናዊ ዓለም ንሰብ ጽቡቕ ድላይ መሰረታዊ ዝዀነ ሓሳብ ምንቕቓሕን ናይ ጸሎት ምስክርነት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ናብ እግዚኣብሔር ብሓቀይና ጸሎት እንውከስ እንተድኣ ኰይና ዘይከኣል ነገር ከምዘየለ ስለ ኣንፈልጥ፡ ከም ሰብ እምነት ነባሪ ሰላም ዝከኣል ምዃኑ ንኣምን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ምስቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ብሓልዮት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኩለን ሃማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ብጋሴ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ተተሓሒዙ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መደብ ንሰላም ናይ ኩለት ዝተፈላለያ ሃማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ተረኺቦም  ምስ ዘስምዕዎ ሓሳብ ዝራኸብ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ነቲ ክቡር ናይ ተዳይ ቡድሃ ሃይማኖት ሊቀ ካህን ዝነበሩ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኤታይ ያማዳ እቲ ኣብ ጃፓን ተመሳሳሊ ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ንኽካየድ ንዝሃብዎ ውሳኔ ኣስተንፍሶ እውን ምዃኑ ጠቒሱ፥ እቲ ኣብ ነሓሰ 1987 ዓ.ም. ኣብቲ ንናይ ቡድሃ እምነት ሰዓብቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝዀነ ጎቦ ሃይ ዝተበገሰ ናይ ሓባር ጸሎት ነተን ኣብ ጃፓን ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሳትፍ መደብ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ምዃኑን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንኽካየድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ምስቲ ኣብ ሂሮሺማ ዕለት 6 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦምብ ብምትሕሓዝ ምዃኑ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.