2017-08-05 18:12:00

ሰንበት ዘአንቅዕት ሓምለ 30 2009 ዓ.ም. (8/6/2017)


መዝሙር፡ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ ምኵራቦሙ ለአይሁድ• . .“ኢየሱስ ብሰንበት አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ ሰንበተይ አኽብሩ እናበለ መሃሮም፥ ብሰንበት አጋንንቲ አውጽኤ ብቓሉ ንለምጻማት አንጽሔ ብሰንበት አብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ ጭቃ ገበረ ብጥፍጣፉ ንዕዉር አሕወየ፥ ዘራእን ዓጻድን ብሓንሳብ ምእንቲ ክሕጎሱ አብ ኵላ ምድሪ አብ ኵላ ወገን አብ ዘድሊ ቦታ ዘበለን ንደመናታት ዝናብ ከውርዱ አዘዞም፥ ምድሪ ኸአ ርእያ አመስገነቶ ባሕሪ ድማ ሰገደትሉ”። ክርስቶስ አብዚ ምድሪ ኩሉ ምሕረት ክገብር ከም ዝመጸ ዘኪርና ሎሚ ንሕና እውን ካብ ኩሉ መንፈሳውን ሥጋውን ሕማምና ክንሓዊ አብኡ ክንቀርብ ከም ዝግብአና የዘካኽረና።

ምስባክ፡ያዐርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር ወገብረ መብረቅ ለጊዜ ዝናም፥ ዘያወጽኦም ለነፋሳት እመዛግብቲሆሙ። “ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ ኸም ዚለዓል ይገብሮ፥ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፥ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ” መዝ 135፡7።

አብዚ ሰንበት ዘአንቅዕት አምላኽ ምሳና አብ ጥቓና ብቃሉን ብኸማና ዝበሉ ሰባት ከምዘሎ ክንሓስብን ክነስተንትን ዝሕግዘና ፍሉይ ሰንበት እዩ። ከም ምስሊ ናይ እቲ ብዓይኒ ዘይርአ አምላኽን ከም ሕያዋይ ሳምራውን ክርስቶስ ሎሚ እውን አብ ኩሉ ኩነታት ሕይወትና ምሳና አሎ። ስለዚ ቤተ ክርስትያን ክነስተውዕለሉ እትሓተና ዘላ አምላኽ ብቃሉን አብ ብጾትናን ከምዘሎ ክንእመን።

መአዲ ቅ. ቍርባን መንጭን መሰረትን ሕወትና ገርና ነቲ እንኩም ብልዑ ስተዩ ዝብለና ዘሎ አምላክ ብንጹ ሕልና ክንቅበሎ እሞ አብ ፍቕሩ ክንጸንዕ ዝናአዘኻከረ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክንምስክሮ ይነግረና። 

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ ግራቱ ጽቡቕ ዕፉን አብቊልሉ ዝነበረ ንግሆ ንግሆ ተንሲኡ ዓው ኢሉ አምላኽ ንጽጉማትን ድኻታትን ከምዚ ናተይ ጽቡቅ ዕፉን ሃቦም እናበለ ይጸሊ ነበረ። እንተ ኾነ ሓደ ጽጉም አብኡ መጺኡ ክህቦ እንተ ለመኖ ዝውሃብ ከምዘይብሉ እናገለጸ እዩ ዘፋንዎም ነሩ። ሓደ መዓልቲ ወዱ አብኡ ምእንቲ ድኻታትን ጽጉማትን ክጽሊ ምስ ሰምዖ አቦ ከም ዕፉንካ እንተ ዝህልወኒ ክንደይ ጽቡቕ ነሩ እናበለ ተዛረቦ። አቦኽአ ብእኡ እንታይ ምገበርካ እናበለ ብናይ አድንቖት ሓተቶ። እቲ ቆልዓ ከአ ንጸሎትካ መልሲ ምሃብኩሉ ኢልዎ ይብሃል።

እዚ ሓረስታይ አብ ድኻታት ምድንጋጽ ወይ ርሕራሐ ነርዎ፥ ጸገሞም ክርህወሎም ይጽሊ ነሩ። ግን ርሕራሔኡ ምድንጋጹ ግን ተግባር ዘሰነዮ አይነበረን። ወዱ እዩ ነቲ ዘይሰማማዕ ተግባራቱን ጸሎቱን ክገልጸሉ ዝተረኽበ።

አብዚ ብሩኽ ሰንበት ዘአንቅዕት ዝሰማዕናዮ ቃል አምላኽ አብቲ ምስትውዓል ዝመልኦ ሕያውነት አምላኽ እቲ ንኹሎም ፍጡራት ዝምግብ ንኹሉ ድለትን ሃረርታን ፍጢራት ዘማልእ ዘተኮረ ምዃኑ ነስተንትን። ነዚ ዝገልጽ አብ ትንቢተ ኢሳያስ 55፡1-3 ንረክብ።

ኢሳያስ ነቶም አብ ስደት አብ ምድረ ባቢሎን ዝነበሩ አይሁድ ናይ ምጽንናዕን ተስፋ ዝህብ ቃል አምላኽ ክነግሮም እንከሎ ዝበሎ እዩ። አምላኽ ንኹሎም አብ መአዱ ክጽውዕ ይስማዕ፥ አብኡ ጥሙያት ይዕንገሉ ዝጸምኡ ይረውዩ ድኻታትን ሃብታማትን ብማዕረ ብነጻ ይምገቡ። እዚ ዕድመ ንምልአት ዘለዎ ሕይወትን ንቃል አምላኽ ክትሰምዕ ዝቐርብ መጸዋዕታ እዩ። ኢድ አምላኽ ይምግበና ንኹሉ ግድነታትና ይምልሰለን። ኩልና አብ መአዲ አምላኽ ዕዱማት ኢና።

ፍቕሪ ናይ እቲ መጋቢ ዝኾነ አምላኽ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹና እዚ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ 8፡35-39 ሰሚዕናዮ። ቅ. ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና ከምዘየሎ ዓው ኢሉ የፍልጠና። መከራዶ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት? እምብአር አብ ልዕሊ እዚ ኹሉ በቲ ዘፍቅረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብቶም ዝሰዓሩ አዚና ዝበለጽና ኢና። ስለዚ ሞት ኮነ ሕይወት መላእኽቲ ኮኑ ገዛእቲ ዘሎ ኾነ ዝመጽእ ወይ ኃይልታት ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ኾነ ካብታ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ አምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ አረጋጊጸ አሎኹ እናበለ ብምሉእ ምትእምማን አብ ክርስቶስ ምስ አመንካ ዝርከብ ጸጋን በረኸትን ይነግረና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማቴ 14፡13-21 ኢየሱስ ብትአምራት ሓምሽተ ሽሕ ሰባት አብ ጽምዊ በረኻ ብሓምሽተ ህብስትን ክልተ ዓሣን ከም ዝመገበ ሰሚዕና። አብዚ ኢየሱስ ነቶም ኩሉ ሓዲጎም አብዚ አጻምእ ቦታ ቃሉ ክሰምዑ ኢሎም ንዝስዕብዎ ዝነበሩ ከም ዝግደሰሎም ንርኢ።

ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለለይ ኢየሱስ ብግሉጽ ዝርአ ርሕራሐኡ እዩ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ንድኻታት ንድኹማት ንሕሙማትን ዝተፈላለየ ስቓይ ዘልኦም ንኃጥአንን ንዑቓት ንጥሙያትን ጽሙአትን  ደንጋጽን ርሕሩሕን እዩ። በዚ ተአምራታዊ መግቢ ነዞም ሓምሽተ ሽሕ ህዝቢ ምምጋቡ ጽቡቕ አብነት ናይ እዚ እዩ፥ ንሱ ነቶም ብእግሪ ካብ ከተብማታቶም ቃሉ ክሰምዑ እሞ ደኺሞም ጸሚኦም ጠምዮም ዝሰዓብዎ ምስ ረአዮም ደንገጸሎም።

ንባዕሉ እዚ ተአምራታዊ ምግብና ናይ ሓምሽተ ሽሕ ህዝቢ ዘደንቕን ሓደ በርባዕቲኦም ወንጌላውያን ብአድንቖት ተጠቒሱ እንረኽቦ አብ ማርቆስን ማቴዎስን ክልተ ጊዜ ተጠቒሱ እንረኽቦ እዩ። ብርግጽ ነፍሲ ወከፍ ወንጌላዊ በቲ ዝጥዖምን ነቶም ዝጽሕፈሎም ዘሎ አብ ግምት ብምእታው ስለ ዝጸሓፍዎ ንአሽቱ ፍልልያት ንርእየሉ ኢና።

ማቴዎስ ነዚ አብ ምዕራፍ 14 ዝብሎ አብ ምዕራፍ 15 ዝመሳሰል እውን ንረክብ ኢና። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓምሽተ ሽሕ ሰብኡት ሓምሽተ ህብስትን ክልተ ዓሣን፥ አብ ምዕ 15 አርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ምስ ሸውዓት ህብስቲ ምስ ሓምሽተ ዓሣ ነንብብ። አብ ምዕ 14 ከም እነንብቦ ዮሓንስ መጥምቕ ብሄሮዱስ አብ ጊዜ ድራር ምስ ቀተሎ ኢየሱስ ከምዘልገሰ ብምግላጽ ይጅምሮ። እዚ ዓይነት ንጉሣዊ ግብጃ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይግለጽ ምኽንያቱ ሄረዱስ ምስ አዕሩክቱ ዝበለጸ መግብን መስተን እንከሎ እዩ ተፈጺሙ። አብዚ እዋን ርእሲ ዮሓንስ ብዓቢ ጭካኔን ጽልእን ቅርሕንትን አብ ጻሕሊ ገሮም ከም ሓደ ዓወት ዝተፈጸመ አቕሪቦሞ። አብዚ ድራር ሓጎስ ዘይኮነ ጭካኔን ክፍአትን እዩ ተራእዩ። ተኻፈልቱ እውን ብግዳማዊ መገዲ እምበር ምሉእ ሃጎስ አይነበሮምን ኩሉ ንጉሥ ንምሕጓስ እዩ ነሩ። አብኦም ሓአኛ ሓጎስ አይነበረን እካ ድአ ብመንፈስ ትሙያት እዮም ነሮም እዚ ኸአ እዩ ንሄሮዱስ ዘሳቕዮ ዝነበረ።

ኢየሱስ ድሕሪ ሞት ዮሓንስ አብ ጽምዋ በረኻ እዩ ከይዱ እዚ ኩሉ ጊዜ ዓበይቲ ተአምራታት ወይ ነገር ክገብር ዝገብሮ ዝነበረ አገባብ እዩ። እንተ ኾነ ብዙሕ ህዝቢ ክስዕቦ ምስ ረአየ ደንገጸሎም እሞ ብተአምራት ካብ ሓምሽተ ህብስትን ክልተ ዓሣን መገቦም። ኩሎም ብመንፈስን ብሥጋን ጸጊቦም ብዙሕ ከአ አትረፉ ይብል።

ማቴዎስ ነዚ ክልተ ድራራት (ሄሮዱስን ኢየሱስን) ማዕረ ማዕረ ከቕርቦ እንከሎ ክነግሮ ዝደለ ነገር ስለ ዘሎ እዩ። ቀዳማይ ድራር ብሄረዱስ በቲ ጨካንን ርጉምን ንጉሥ ንአይ ይጥዓመኒ ጥራሕ ዝብል እዩ ተገሩ። እቲ ካልአይ ግን ብኢየሱስ እቲ ሕያዋይ ፈቃር መድኃኒ አብኡ እቶም ድኻታት ዝተዓደሙሉ እዩ ተገሩ። አብዚ ማቴዎስ ፈሊጡ ናይ ዓለምን ናይ መንግስተ ሰማይን ነገራት የወዳድሮ። ድራር ሄሮዱስ ወላ ንሓደ ዝጠቅም አይነበረን ዘገርም አብ መጨረሻ ሄሮዱስ ከይተረፈ ብሕልንኡ እናተወቕሰ እዩ ተወዲኡ። ኩሎም አብኡ ዝተሳተፉ ብዘይካ ዮሓንስ መጥምቕ ነቲ ክፉእ ነገራት ብምልኡ ተሳቲፎም እዮም ተፈላልዮም። ንዮሓንስ ክብሪ መስዋዕትነቱ፥ፍጻሜ ጸዋዕታኡ እዩ ነሩ። ንሱ ግብኡ ፈጺሙ ንመድኃኒ መገዲ ጸሪጉ እዩ መይቱ። ንሄሮዱስ ግን ዘየቕስን ሕልናዊ ስቓይ እዩ ሓዲግሉ።

እዚ አብ ወንጌል እንረኽቦ ብተአምራት ንሰባት ምምጋብ አብ ብሉይ ኪዳን እውን ዝመሳሰሎ ንረክብ ኢና። ንአብነት ኤልሳዕ አብ ፪ዘነ 4:42-44 ብዕስራ ህብስቲ ነቶም ጠምዮም ዝነበሩ 100 ሰባት ብተአምራት ክምግብ ንረኽቦ።

እዚ ኢየሱስ ዝገበሮ ተአምራት ነቲ አብ ጸሎተ ኃሙስ ዝሃቦ ሥጋኡን ደሙን እውን ዝሕብር እዩ። ንጹር ዝኾነ ነገራት ብዛዕባ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ንረክብ ኢና። ኢየሱስ ነተን ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን አልዒሉ ናብ ሰማይ እናጠመተ አመስገነ ቆሪሱውን ንደቀ መዛምርቱ ሃቦም ይብል፥ አብ ጊዜ ቅዳሴ ካህን ንማን ህብስትን ወይንን ክልውጥ እንከሎ ነዚአን ቃላት እዩ ዝደግም። ቅ. ማቴዎስ አብዚ ነቶም አንበብቱ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም መአዲ ቅዱስ ቍርባን እዩ ዝነግሮም ዘሎ። እዚ ተአምራት እምብአር ብርግጽ አቐዲሙ ብዛዕባ ቅ. ቍርባን ዝተነግረ እዩ። እቲ ዝተረፈ 12 መሶም ነቶም 12 ነገድ ናይ ሓዳስ እስራኤል ዝኾኑ 12 ሓዋርያት እዩ ዘመልክት።

መአዲ አምላኽ፥ ፍቕሪ አምላኽ፥ ቀጺሉ ምምጋብ ነቶም በቲ እዋን ዝነበሩ ህዝቢ ጥራሕ ዝምልከት አይ ኮነንን ሕጂ እውን መአዱን ምሕረቱን ፍቕሩን ንኹሎም አብኡ ቀሪቦም ክምገቡ ዝደልዩ አፍደገ ምሕረቱ ክፉት እዩ። ንአና በዚ ሎሚ እንቕበሎ ምስጢር መአዲ ቅ. ቍርባን ይበጽሓና ብኡ አቢሉ ከአ አብቲ ዝይብተኽ ርክብ ምስኡ ዘሎና ይጠምረና። ቅ. ጳውሎስ ነዚ መንእ እዩ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና እናበለ ምስኡ ዘሎና ጥቡቕ ዘይብተኽ ርክብ ይገልጽ።

አዕሙቕ አቢላና ነዚ ኢየሱስ ዝገበሮ ክነስተንትን እንከሎና ካብቲ እንሰምዖ ኲንኡ ክንከይድ እሞ ነቲ አብ መጨረሻ ዓለም አብ መንግስተ ሰማይ ንዘለዓለም ዝውሃብ መአዲ ዝሕብር ምዃኑ ክንርኢ ንኽእል። ምልአት ናይ ኹሉ መአዲ አብ መጨረሻ ዓለም ከም ዝኸውን ኢና እንምሃር። ኢየሱስ ባዕሉ ንመንስተ ሰማይ ምስቲ አብ መጨረሻ ዝግበር መርዓ የውዳድሮ። መንግስተ ሰማይ ምስቲ ንወዱ መርዓ ዝገብር ክትምስል ይክአል ይብል። አብኡ ኩልና ዕዱማት ኢና።

ናይ ኤልሳዕ ተአምራት ነቲ ኢየሱስ አብ ገሊላ ዝገበሮ ተአምራት የምልክት ከምኡ እቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተአምራት ነቲ አብ ጸሎተ ኃሙስ ዝተገብረ ድራር የመልክት፥ ከምኡ ኸአ አብ ጸሎተ ኃሙስ ዝተገብረ ድራር ነቲ አብ መንግስተ ሰማይ ዝግበር ድራር ምምልካት ጥራሕ ዘይኮነ አብዚ ዓለም እንከሎና ነዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ምሉእ ሱታፌ ምስኡ ንጅምሮ። አብ መአዲ ጎይታ ክንሳተፍ ከሎና ንመንፈሳዊ ሕይወትና ንምግቦ። ከምቲ ምድራዊ መግቢ ንግዙፋዊ ሰውነትና ኃይሊ ዝህቦን ዘደልድሎን ክዓቢ ዝሕግዞን ቅ. ቍርባን ከአ ነቲ ብጥምቀት ዝጀመረ መንፈሳዊ ሕይወትና ከም እንዓቢ ይገብረና። ከምቲ ብዘይ ምድራዊ መግቢ ክነብር ዘይክአል ቅ. ቍርባን ከአ ብመንፈሳውነትን እምነትን ክንዓቢ አይንኽእልን ኢና። ነዚ ክንግንዘብ እንተ ኸኣልና እዚ ዕለት ዕለት እንምገቦ ድሕሪ ዘመናት አብ ምልአት አብ መጨረሻ ዓለም ክበጽሕ እዩ።

አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንሳተፍ እንከሎና አብ ፍቕሪ አምላኽ ኢና እንሳተፍ። ከም ሰብ መጠን ክንደክም ክንኃጥእ ይክአል እዩ ግን ደኺመ ከይበልና እና ተነሳሕና ንክርስቶስ ክንቅበሎ አብ ቅድስና እዩ ዘብጽሓና። አምላኽ ፍቕሩ ካብ ገለጸልና ተሪፉ አሎ ንሕና እውን ክንቅበሎ ፍቓደኛታት ብምዃን ፍቕርና ክንገልጸሉ ይግባእ። ክርስቶስ ሎሚ ዝመጽእዎ ዝቕበልዎ ይደሊ አሎ። አባና ተአምራት ክፍጸም ልብና አንጺሕና ቅዱስ ቁርባን ክንቅበል አሎና።

ኦ ሕያዋይን ፈቃር ዝኾንካ አምላኽ ልበይ ማኅደርካ ክኸውን ሓግዘኒ ንበሎ ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ      








All the contents on this site are copyrighted ©.