2017-08-04 15:37:00

ቅድስቲ መንበር፥ ዓውሎማዊ መርበብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅለታትን


ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዕለት 15 ሐምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ምግባረ ብልሽውና ዘማከለ ድሕሪ ዘካየዶ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ፥ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘቕርቦ ዛዕባ ፍትሒ ኣብ ዝምልከት ኣገልግሎት ዝተሓባበሮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተፈላለየ ኩነት ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅለታትን ብሓባር ምግጣም ዝብል ዕላማ ዘለዎ ቤት ምክሪ ኣቝይሙ።

እዚ ቤት ምኽሪ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ዝኽሪ ብኢድ ናይ ገበን ጁለታት ዝተቐትሉ ኢጣሊያ ካህን ብፁዕ ጁዘፐ ፑሊየዚ ሰማዕትነት ምኽንያት፥ “ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን መንፈሳውን ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ብምግባረ ብልሽውና ከይማረኹ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጁለታትን ዝተኰረ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ድሮ ዝሃብዎ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ዝቖመም ብምግባረ ብልሽውና ከይዕብለሉ ዘነቓቕሕ ዓውሎማዊ መርበብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ናይ ገበን ጁለታትን ምዃኑ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝተመሓላለፈ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውሎማዊ መርበብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታትን ቤት ምኽሪ ኣብ ቃልሲ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅለታትን ሱታፌ ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ዜጋታትን ክብ ንምባልን እዚ ቃልሲ’ዚ ድማ ብፍትሓ ብሔር ጥራሕ ዘይኰነስ ብባህሊ ደረጃ እውን ክፍጸም ዝዓዪ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅለታትን ዘማእከሉ ዝተፈላለዩ ባህላውን መንፈሳውን መደባት ከሳልጥ ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ ሰነድ፥ ምግባረ ብልሽውና፥ ቅድሚ ግብራዊ ምዃኑ ኩነት እዩ፡ ስለዚህ ባህላዊ ቃልስን ሕንጸት ዘድልዮ የድልዮ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታትን ባህሊ ኣብ ሕብረተሰብን ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ኣብ ውልቃዊ ሕይወትን ክሰርጽ መታን  ብሕንጸት መዳይ ክሰፍሕ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ክኸውን እንከሎ ኣተሓሒዙ፥ ናይ ሕንጸት ኣገልግሎትን ዕዮን ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ እሙናት ሓነጽቲ ክህልዉ ዝሓትት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንውልቃዊ ሓለፋን ረብሓን ናይ ምሕዝነትን ተሓባብርትን ቃል ኪዳን ንምቛም ዝዓይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ኣቋራጺ መገዲ ዝደልይን ዝፍጸም ምግባረ ብልሽው ሸልል ዝብል እሙን ኣይኰነን። ሰለዚህ ኩሉ ብሓባር ነዚ ከምዚ ዓይነት ጐዳኢ ባህሊ ንምውጋእ እንተድኣ ነቒሑ ቅንዕናን ሕጋውነትን ዘለዎ ክቡር ዋጋ የበራብርን የስፍሕን ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ እቲ ዝቖመ ቤት ምኽሪ ቀንዲ ተግባሩ ድማ ሕንጸትን ሓበሬታን ዝብል እዩ።  ብዛዕባ ፍትሕን ነጻነትን ናይ ሓባር ጥቅምን ዝብል ክቡራት ዋጋታት ዘስፍሕን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅላውነትን ስርዓትን መንግስታዊ ቅርጽን ኣብ ዝዀነለን ሃገራትን ዛዕባ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኣመተ ሕንጸት ዘስፍሕ እዩ።

እዚ ከይዲ’ዚ ቀሊል ኣይኰነን ነዚ ብምስትውዓል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታትን ዘማእከለ ርክብን ዘተን ምስ ኩሉ ተካይድ። ምስ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኩሎም። እዚ ድማ ኣብ ዓለም ግልጽን ስሉጥን ናይ ኩሉ ሱታፌ ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጁለታት ቃል ክህሉ ዝድግፍ ምዃኑ ነቲ ዝወጸ ሰነድ ዝጠቐስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ፍትሕን ጽባቔ ዘሎ ርክብ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ዘይርአይን ዝተገማምዔን ኰይኑ ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን እቲ ርክብ ዳግም ክረጋገጽ ምግባር ወሳኒ እዩ። ሰናይ ግልጽነትን ቅንዕናን ንገዛእ ርእሱ ናይ ጽባቔ መምዘኒ እዩ። ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅለታት ቃልሲ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣብ ዘይሃይማኖታዊ መንግስትን ንዘሎ ኣሰራርሓ ኣስተንፎ ክኸውን ብሃገራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ምስፋሕ የድሊ። ምግባር ብልሽውና ጸረ ሰላም እዩ። ሰለዚህ ድማ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ናይ ገበን ጉጅለታት ተግባር ምስዃዕ የድሊ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ እቲ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ ሰነድ ሰብኣዊ ሕልና ምንቕቓሕ የድሊ እንክብል ሕልና ንምቕቓሕ ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ ብምምልካት፡ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታትን ዘማእከለ ሕግን ናይ መቕጽዒ ሕግታት ንበይኑ እዅል ኣይኰነን። ስለዚ እቲ ናይቲ ዓውሎማዊ መርበብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታትን ዕላማ፡ ሕንጸትን ባህልን ዜጋውነትን ዝብሉ ዓበይቲ ሰለሰተ ነጥብታት ዝተነብሮ እዩ። ማለት ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ዜጋታት ምህናጽ እዚ ግብረ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ባህልን ዜጋ ምግባርን ብዝገልጽ ሓሳብ ዝጠቓለል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.