2017-07-29 09:32:00

ብፁዕ ቲቶ ብራንድስማ፡ ቅድሚ 75 ዓ.ም. ኣብ ዳካው ኣብ ናይ ህልቂት ሰፈር ዝተቐትሉ


ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝተነብረ ዓቢይ ምልክታ ስቓይን ናይ ክፉእ መንፈስን ተባሂሉ ዝንገረሉ ታሪኻዊ እዋን፥ “እግዚኣብሔር ንኣባ ቲቶ ብራንድስማ ንገዛእ ርእሱ ክቡር ኰይኑ ረኸቦም። ክቡር ንእግዚኣብሔር”  ብዝብሉ ቃላት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመና ዘሳተፈ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ዳካው ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ናዚ ስርዓት ንሕልቂት ዝጥቀመሉ ኣብ ዝነበረ መዳጐኒ ሰፈር ዕለት 26 ሓምለ 1945 ዓ.ም. ብትኽክል ቅድሚ 75 ዓ.ም. ንሞት ዝዳረጐም ተወላዲ ሆላንድ ቀርመለሳዊ ካህን ኣባ ቲቶ ብራንድስማ ብፁዕና ከምዝኣወጁሎም እንክዝከ እነሆ ድማ ንዝኽሪ ኣባ ብፁዕ ብራንድስማ ሎሚ ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዘትራስፖንቲና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሆላንድ ናይ ሀርቶገንቦሽ ሰበኻ ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒኡስ ላምበርቱስ ማሪያ ሁርክማንስ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዙሓት መንፈሳውያን ነጋዶ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኣባ ብራንድስማ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ሰማዕት እዮም እንክብሉ ቀርመለሳዊ ካህን ናይ ስነ መንፈሳውን ናይ እዋናዊ ስነ መንፈሳውነትን ታሪኽ ልሂቅ መምህር ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ኣባ ብሩኖ ሰኮንዲን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም። ኣብ ቅድሚ ናዚስታዊ ስነ ሓሳብ፥ ናይ ክርስቲያን ወንጌላዊ መትከላት ብምቅላሕን ምሕረትን ይቕረ ምሃብን ለውሃትን (ቡቕባቘ) ነቶም ዝገብርዎ ዘይፈልጡ ንዝነበሩ ኣሳደድቱ ዝመስከረ። ኣብ ውሽጡ ሓደ’ኳ ቂምታን ንዱር ጽልእን ዓቢይ ናይ ሕነ ምፍዳይ ድላይ ዘየሕደረ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝተጸምደ ስማዕት ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ኣባ ብራንድስማን ኣብ 1881 ዓ.ም. ዝተወልዱን ወዲ 17 ዓመት ምስ በጽሑ ድማ ኣብ ገዳም ቀርመለሳውያን ካህናት ከምዝኣተዉን ኣብ እዋን ገዳማዊ ሕይወቶም ድማ ናይ ነመጋ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ፍልስፍናን ናይ ስነ ሰቂለ ህሊና መንፈሳውነት ሊቅን ጋዘጠይናን ዛዕባ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ናይ ዝግበረ ዘተ ኣፍቃርን ኣነቓቓሕን ተፈጥሮን ፍጥረትን ምኽባንር ምክንኻንን ዝብል ልዑል ስነ ሓሳብ ብስነ ፍልጠትን መንፍሳውነትን ዘስፍሑ ዝነበሩ ምዃኖም ገሊጾም። ብዙሕ እዋን ምስቲ ናዚያዊ ስርዓት ኣብ ምስሕሓብ ዝኣትዉ ዝነበሩን ከም ናይ ኤውሮጳ ካቶሊካውያን ጋዘጠይናታት ማሕበር ኣብ ዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ተሓጋጋዚ ከም ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ልኡኽ ኰይኑ ኣብ ኣገልግሎት እንከሎ ናይ ናዚ ስርዓት ሕግታትን ትእዛዛትን ንሱ ድማ ጸረ ሰማዊ ዘስፍሕ ዝነበረ ርእየት ዓለም ኣይቅበልን ስለ ዝበለን ሆላንድ ፕሮተስታንት ምእመና ዝበዝሓላ ሃገር ክነሳ ጸረ ሰማዊ ተግባርን እዚዩ ካብ ዝተረኣየለን ሃገራት ኤውሮጳ  ሓንቲ እያ። ኣባ ብራንድስማን ነዚ ኹሉ ኣምቢ ስለ ዝበሉ ድማ ተኣሲሮም ናብ ዳኹዋ መዳጎኒ ናይ ህልቂት ሰፈር ተወሲዶም ምስ ኣብቅዑ ነተን መርዚ ወጊኡ ንኽቐትሎኦ ዝተመደበ ናዚያዊ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ንኽቐትሎም መርዚ እናወግኣቶም ኣንከላ ዝነበሮም መቝጸሪያ ከም ህያብ ከምዘቕረቡለን ድሕሪ ሞቶም ባዕለን እተን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝሃበኦ ቃል ምስክርነት ከምዘሎን እዚ ድማ እቲ ሓደ ብፅዕና ንኽእወጀሉ ካብ ዝገበሩ መምዘንታት ብፅዕና ሓደ ምንባር ኣዘኻኺሮም፡ ኣባ ብራንድስማ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘድምዑን ኣብ ጽንኩር ኩነትን ቤት ማሕቡስን ነቶም ኣብ ስቓይን መከራን ንዝነበሩ ቀረባ ብምዃን ሓቢሩ ስቓይን መከራ እናተኻፈለ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እያቶም እሞ መሓርዎም እንክብል ምሕረት እግዚኣብሔርን ሰላምን ኣብ ሕይወት ክንበር እናተባብዐ ነቶም ኣብ  መዳጐኒ ሰፈር ተኣሲሮም ንዝነበሩ ዋላ’ኳ ንሞት ተሓላሊፎም ዝወሃቡ እውን እንተዀነ ምሕረትን ይቕረ ምባልን ክነብሩ ዝሃንጹ ዝነበሩ እዮም። ነቶም ኣብቲ መዳጐኒ ሰፈር ንዝነበሩ ኣይሁዳውያንን ከምኡ እውን እቶም ብቓፍላይ ዓዲዓዲ ዚዞሩ ዓሌት ሕዝብ ዝዀኑ ኣብቲ መዳጎኒ ሰፈር ንዝነበሩ እናጸናንዑን መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ዘቕረቡ እዮም እንክብሉ ኣባ ሰኮንዲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.