2017-07-20 15:06:00

ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዱብሊን 2018 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ


ኣብቲ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣየላንድ ርእሰ ከተማ ዱብሊን ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ኣብ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ከዝሳተፉን ናይቲ ጉባኤ መዕጸዊ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምዝሰርዑ ብዛዕባ መደባት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣሞርኵይዞም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ናይ ዱብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዲያርሙይድ ማርቲን ከዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣየርላንድ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብመንጽር ስድራ ቤት ዝራኣይ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን ገሊጾም። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኣየርላንድ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዚዩ ዘብርኽ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፥

ናይቲ ወንጌል ስራ ቤት ንዓለም ሓሴት ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ኣብ ዱብሊን ንኽካየድ ናይ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ምቅርራባት ድሮ ከእተጀመረን ኣባይቲ ስድራ ኣብቲ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዝዕድም ብድምጸ ራእይ ዝተቐርጸ ዕድመ ብሸውዓተ ማለት ብቛንቋ ብፈንሳይን ጋየሊክን ኢንግሊዝን ጣልያንን ፖላንድን ስፐይንን ጀምርመንን ከምእተመሓላለፈን ኣየርላንድ ክርስቲያናዊ ሰረት ዘለዎ ባህላ ተቐባል ጋሻን ኣንጋዲትን ምዃና ዝምስክርን ኣደ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ኣብሰርቲ ናይ ወንጌል ሓሴት እውን ምዃና ዘረጋግጽ እዩ፡ ከም ኣብነት ድማ ቅዱስ ኮሉማብ ዘዮናን ቅዱስ ኣይዳኖን ቅዱስ ኮሎምባኖን ንምጥቃስ ዝከኣል እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዕለት 21 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክኖኽ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ናይ መላእ ኣየርላንድ ሰበኻታት ዘሳተፈ ርክብ ኣባይቲ ስድራ ክካይድ እዩ። ናይዚ ርክብ’ዚ ዕላማ ሓሴት፥ ከም ስድራ ቤት ንዘትይ ስድራ ንኹን ዝብል ክኸውን እንከሎ ካብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝነቅል ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት ቅዱስ ምስሊ ኣብ መላእ ሰበኻታት ኣየርላንድ ዑደት ክፍጽም ከዝዀነን፡ ካብ ዕለት 22 ነሓሴ ክሳብ ዕለት 24 ነሓሰናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤን ከኡ እውን በዓል ኣባይቲ ስድራን ዕለት 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. በዓል ኣባይቲ ስድራ ክካየድ ምዃኑን ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ጋዜጣዊ መግለጺ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.