2017-07-12 14:28:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 8 ሐምለ ክሳብ ዕለት 10 ሐምለ 2017 ዓ.ም. ናብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ፊሊፒንስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ኣመሓሊፎም ከምዝነበሩ ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እምንከመልክት፡ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ መበል 115 ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳ ጉባኤ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ጸሎታዊ ቅርበቶም ብምርግጋጽ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብድሆታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስን ሃገሮምን ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ቅዱስነቶም ነዚ መሰረት ገይሮም “እቲ ዓውደ ጉባኤ ፍርያማ ክኸውን መታን ገዛእ ርእስኹም ኣብ እምነትን ተስፋን ፍቕርን እናዓበኹምን እናበርታዕኹምን ብቓልን ሕይወትን መሰኻኽር ኩኑ፡ መላእ መንእሰይ ፊሊፒንስ ናይቲ እተቕርብዎ ኣብ ወንጌል እሙን ዝዀነ ሕይወት ዘጉልሕ ርህራሄን ውህበትን ውበትን ተኸናኸንቲ ምዃን ዝብልን ብርቱዕን ሕርኩትን ጻዕሪ ናይ ዝሓትት መደባት ሕጉስ መልኽተይና ክኸውን  ኣበረታትዕዎን ደግፍዎን”  ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተኸትመ በቶም ንናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ንኽልተ ሳዕ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑን ናይ ተእልኾ ዘመኖም ዘብቅዕ ዘሎ ይብጻሕ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሶክራተስ ቪለጋስ ብዝብል ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ ብፁዕ ኣቡነ ቪለጋስ ንዘበርከትዎ ኣገልግሎ ኣመስጊኖም ነቶም ዝተመርጹ ሓድሽ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳ ጉባኤ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮሙሎ ቫለስ ድማ ሰናይ ኣገልግሎት ከምእተመነዩ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ሓድሽ ናይ መደብ ሕንጸት ውሉደ ክህነትን ናብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ መንእሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ኣማእኪሉ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ  ናይ መላእ ካቶሊካዊት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣቶኵይሮም ብድሆታት መንእሰይ ወለዶን መንግስቲ ሃገሮምን ዕጸ ፋርስ ንምጥፋእን እቶም ዕጸ ፋርስ ዘሰጋግሩን ዘንቀሳቕሱን ናይ ገበን ጉጅለታት ንምጥፋእ ኣሚቱ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ፍረድን ውሳኔን ግብረ ቅትለትን ከምኡ ኣውን እስላማዊ ሸበራን ኣብ ደቡብ ፊሊፒንስን መንግስቲ ኣብ መቕጽዒ ሕጊ መሊሱ ዘእተዎ ናይ ሞት ፍርዲ ዓንቀጽን፡ ስነ ምግባራዊ ማዕቅናት መራኸቢ ቡዙሃንን ኣብ ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየደ የመልክት።

ኣብ ወርሒጥሪ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፊሊፒንስ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩን ኣብ ታክሎባን ብርቱዕ ዝናም ኣብ ዝሃረመሉ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ዝተሳተፎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ምርኻቦም በቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ብዝወረደ ብርቱዕ ህቦብላን ዝናምን ከቢድ ማሕሰይትን ሞትን ውድመት ንብረትን ንዘጓነፎ ሕዝቢ ሰብኣውን መንፈስውን ቅርበቶም ንምርግጋጽ ብዝብል ሓሳብ ምዃኑ ባዕሎም ከምዘረጋገጹ ዝዘከረ ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ፊሊፒስ ኣብ ጸሎቶም ህልውቲ ምዃና ከምዘረጋገጹን ሓቢሩ።

ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ዳቮኣ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮሙሎ ቫለስ  ሓድሽ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ንኽዀኑ እቲ ካብ ዕለት 8 ሓምለ ክሳብ ዕለት 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓመታ ጉባኤ ከምዝሓረዮምን  ምኽትሎም ንኽዀኑ ድማ ናይ ካሉካን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓብሎ ቪርጊሊዮ ዳቪድ ከምእተሓርዩ ዘመልከተ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ብፁዕ ኣቡነ ቫለስ ኣብ 1951 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 6 ሚያዝያ 1976 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ብቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ዛምቦኣንጋ ሊቀ ጳጳስ ንኽዀኑ ከምእተሾሙን ድሓር ብውሳኔ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ናብ ሰበኻ ዳቮኣ ከምእተዛወሩን ኣብ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓ ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ሓላፍነታት ብፍላይ ድማ ናይ ሊጡርጊያን ስርዓትን ኣምልዀን ሓልዮ ድርገት ንነዊሕ ዓመታት ከምዘገልገሉ ብምዝኽኻር ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ 131 ኣባላት ዘለዎን ካbዚኣቶም 83 ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘለዉን ካልኦት 5 ድማ ሓዋርያውያን መስተናብር ክዀኑ እንከለዉ 43 ድማ ልሂቃነ ጳጳሳት ከምዝዀኑ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.