2017-07-08 17:02:00

መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንሰራሕተይናታት ቤት ዕዮ ማእከል


ናይቲ ሓጢኣተይና ምዃኑ ዝእመን ምጽንናዕ፡ ኣብቲ ኢየሱስ ስሌኡ ከምዝመጸን ሓጢኣቱ ወትሩ ይቕረ ከምዝብለሉ ኣብ ዘለዎ እምነት እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሐምሌ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤት ዕዮ (ማእከል ኢንዱስትሪ) ነቶም ናይቲ ቤት ዕዮ ሰራሕተይናታት ዘሳተፈ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ፥

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ,23 ካብ 1-4. 19፡ ካብ ምዕ. 24,1-8ን 62-67

ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 9,9-13

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ጸዋዕታ ማቴዎስ ኣቲ ተቓባሊ ቀረጽ ኣብቲ መደብር ቀረጽ ተቐሚጡ ንዝረአዮ ሰብኣይ ርአዮ እሞ ሰዓበኒ ድማ በሎ እቶም ተቐብልቲ ቀረጽ ብሕዝቢ ኣዚዮም ዝጽሉእን ከሓድቲ ሃገር ተባሂሎም ዝሕሰቡን ኣውን ምንባሮም ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም ኢየሱስ ድማ ካብቶም ዝጽልኡ ካብኣቶም ድማ እቲ ኣዚዩ ዝጽላእ ዝነበረ ደቀ መዝሙር ንኽኸውን ጸወዖ፡ ብድሕሪ’ዚ ማቴዎስ ድማ ኢየሱስ ማዕዲ ክቋደስ ናብ ቤቱ ዓደሞ ኢየሱስ ድማ ዝቐረበሉ ዕድመ ይቕበል። ነዚ ዝርእዩ ዝነበሩ ገዛእ ርእሶም ሰብ ጽድቅን ቅኑዓትን ገይሮም ዝሓስቡን ዝፈርዱን ብዝነበሩ ፈሪሳውያንን ምስሉያትን ኢየሱስ ምስ ማቴዎስ ተቐሚጡ ምስ ርኣዩ ድማ ምስ ተቐበልቲ ቀረጽን ሓጥኣንን ዝቕመጥ እንክብሉ ይፈርድዎ። ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰምዔንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይደልይዎምንንሱ ዝመጸ ሓጥኣን እምበር ጻድቃን ክጽውዕ ከምዘይኰነ ይነግሮም፡ እዚ ናይ ኢየሱስ መልሲ ዘጸናንዓዕ እዩ፡ ስለምንታይ ስሌይ ከምዝመጸ ስለ ዝሓስብ። ኩላትና ሓጥኣን ኢና፡ ኵላትና ናይ ሓጢኣት ሊቃውንቲ ኢና። ብሓጢኣት ዝተመረቕና ኢና። ነፍሲ ወከፍና እውን ነቲ ብተደጋጋሚ እንፍጽሞ ዓይነት ሓጢኣት ጥንቁቕ ኣፍልጦ ኣሎና ድኻምነትና ኣበይ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍና ንፈልጦ ኢና። ፈሪሳውያን ዝፈርዱን ዕቡያትን ምኩሓትን ልዕልና ዝስምዖም ካብ ኵሎም ዝበለጹን ኰይኑ እዩ ዝስምዖም። ኢየሱስ ግና ይወቕሶም፡ ኢየሱስ ናባና ይመጽእ ናባይ ይመጽእ ስለምታይ ሓጥኣተይና ስለ ዝዀንኩ።

እቶም ገዛእ ርእሶም ቅኑዓትን ጻድቃንን ገይሮም ዝሓስቡ ኢየሱስ ኣይተድልየንን እዮም ዝብሉ። እቶም ሓጢኣተይና ምዃኖም ዝእመኑ ድማ ካብ ኢየሱስ ዝመጽእ ኣብ ምሕረት ሓጢኣት እምነት ዘለዎም ኢየሱስ ወትሩ ሓጢኣት ዝምሕርን መንፈስ ዝፍውስን ምኻኑ ዝፈልጡ እያቶም። ድኹም እየ፡ መሊሰ እውን ክወድቕ እየ … እቲ ካብ ዝወደቕናሉ ዘተንስኣና ዝፍውሰናን ኢየሱስ እዩ። እዚ እዩ እቲ ምጽንናዕና፡ ኢየሱስ ስለይ እዩ ዝመጸ፡ ሓይሊ ክህበንን ሕጉስ ክገብረንን መጸ። ናይ ሕልና ሰላም ክዓስለኒ፡ ከይፈርህን በቲ ክፍጽሞ ዘይግብኣኒ እሞ ዝፍጽሞ ምኽንያት ኣብ ዝስዕበለይ ጸቕጥን ከበድን ኩሉ ኣብ ሕይወት ዝወድቕ ክነሰይ ኢየሱስ ከምዚ ብምዃነይ ምፍቃሩ ኣይጐደለለይን። ከምዚ ስለ ዝዀንኩ እዩ ዘፍቅረኒ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ጠቒሶም፥ እዚ ደሓር ቅዱስ ዝዀነ ከብዲ ጠባይ ዝነበሮ ምእዙዝ ክኸውን ይደልይ ዝነበረ።  ገዛእ ርእሱ ብምቁጽጻር ብዙሕ ነገር ድማ ንጐይታ የወፍይ ነበረ። ገዛእ ርእሱ የወፍን ይጽልን ነበረ። ካባይ እንታይ ኢኻ እትደልይ ክብል ድማ ይሕትት ነበረ፡ ጐይታ ድማ ኵሉ ክሳብ ዘይሃብካኒ ክሓተካ እየ እንክብል ይምልሰሉ ሄሮኒሞስ ግና ኵሉ ሂበካ እንደይ ይብል እሞ ጐይታ ድማ እቲ ዘይሃብካኒ ሓጢኣትካ እዩ እሞ ሓጢኣትካ ሃበኒ ድኻምነትካ ሃበኒ ኣነ ክምሕረካን ክፍውሰናካን ንቕድሚት ከብለካን እየ፡ ኩለንተናኻ ሃበኒ ይብሎ። ናኣና እውን ከምኡ እዩ ዝብለና ቢሎም ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብዚ ቀዳማይ ዓርቢ ናይ ወርሒ ሓምለ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ንሕሰብ እቲ ንቕዱስ ሄሮኒሞስ ዝሓትቶ ብጥልቂ ንኸነስተውዕልን ድኻምነትካን ሓጢኣትካን ሃበኒ ዝብሎ ቃሉ ጽን ክንብልን ኩሉ ሓጢኣትካ ሃበኒ እሞ ኣነ ድማ ክምሕረካ እየ ዝብል ቃል ንኽንሰምዕ ደግፈና ቢልና ንሕተት። ኢየሱስ ኵሉን ወትሩን ዝምሕር እዩ። እዚ ድማ ሓጐስ ሕይወትና ይኹን፡ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.