2017-07-06 16:15:00

መልእኽቲ ምስማዐ-ርእየት ቅዱስ ኣቦና ንማሕበር ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ናይ ምርኻብ ባህሊ ከም ተጻባእቲ ንዘይምንባር ዓንዲ እዩ፡ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ናይ ምርኻብ ባህሊ እዚዩ ዘድልዮን እዩ። ጽምኢ ናይ ምራኽብ ባህሊ ኣለዎ። እዚ ፈላላይ መናድቕ ክሓንጽ ዝጓየይ ዓለም ነቲ ጭቡጥ ኩነት ናብ መባህረር ዝልውጥ ከም ጻላእቲ እናተራራኣኻ ናብ ምንባር ኵነት ዝድርኽ እዩ። ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ “ኣብ መንጐ መናብርተ ጥበብን ኣቢያተ ትምህርትን፡ ሰላም ብናይ ምርኻብ ባህሊ ምሕናጽ” ብዝብል መርሕ ቃል ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 5 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ካብ እስራኤልን ፍልስጥኤም ካልኦት 41 ሃገራት ዓለም ካብ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ልዕሊ 70 ሺሕ መንእሰያት ኣሳቲፉ ናብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መዛዘሚ ዕለት ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ናይ ቮልቱርኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ቪቸንዞ ዛኒን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ እብራይስጣዊ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር መናሀም በን ሳሶን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ምርኻብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣቦ መንበር ኾሰ ማሪያ ደል ኮራል ከምእተሳተፉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ድቦራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ነቲ ኣብዘን መዓልታት ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበርኩምወን ማዕልታት ከብዕል ባህ ይብለኒ ስለምታይ ንስኻትኩም ካብቲ ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያትኩም ሰገር ዝበልኩምን ናብ ሓድነት ዝተሰጋገርኩም ኢኻትኩም። ፍልልያት ዘኽብር ናይ ሓቀይና ሓድነት መስከርቲ። እዚ ተመክሮ’ዚ ማንም ኣይመሃረኩምን እንታይ ደኣ ባዕልኻኩም ተምክሮ ዝገበርክምዎ ሓቂ እዩ። ኣብቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተጐልበበ ኣብ ርእየትን ጠመተን እትነብሮ ምጥማት ብጻይ ገዛእ ርእስኻ ምኽፋት ኣሎ። ብጠቕላላ ነቲ ኣነ ዘይኰንክዎ ነገር ኩሉ ነቲ ካባይ ዝተፈልየ ኩሉ ገዛእ ርእሰይ ይኸፍት። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ገዛእ ርእስና ንካልእ ክፉት ምስ እንገብር ተራኽቦነትን ምርኻብን ይኽወን። ነቲ ምርኻብና ድማ ትርጉም ንህቦ። ነፍሲ ወከፍና ብሕይወት ትርጉም ዘለና ኢና። ሓደ ክሑድ ኣኰነን። ኩላትና ናይ ሕይወት ሕራይ ምባል ኢና። ንሕይወት ሕራይ ዝተብሃልና ኢና። ነቲ ትርጉም ሕይወትና ነራኽብ ነዚ ብምግባር ድማ መንፈስ ነዕብይ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ከም ናይ ሕይወት ትርጉም በዓል መግለጺ ድማ በዓል የድልየና። ስለዚህ ክንበር ዝከኣል ትርጉም ሕይወት ነናድይ። ስለ ኹሉን ዘጋጥም የጋጥም ብሓባር ሕይወትን ትርጉም ሕይወትን ነናድይ። እዚ ንምፍጻም ግና ካብቲ ሰናይ ርእየትን ሕልምን ዝገትእ ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ቅድመ ፍርዲ ናጻ ምውጻእ የድሊ። ነዚ ዘብቕዕን ናብዚ ሰናይነት’ዚ ዘሰንይ ሓድሽ መገዲ ነናድይ። ኣንሕና በጽሕን ዓበይትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ሕጻናትን መንሰያትን ብጠቕላላ ናይ ሓድሽ ወለዶ ሕልሚ ከይንዓግት ንጠንቀቕ።

ስለዚህ ድማ እቲ ማሕበር ምርኻብ (መረብታዊ ርክብ ኣቢያተ ትምህርቲ) ኣቢያተ ትምህርቲ ሕልምታትን ራእያትን  ክዓብዩን ክራኸቡን ክደጋገፉን መታን ነዚ ዘብቅዕ ኩነታት ተስፋ ክወልድ ይግብኦ። ሓደ ሕልሚ ምስ ኩሉ ዝካፈል ክኸውን እንከሎ ናይ ሓደ ሕዝቢ ጦቢያ (utopia) ይኸውን ናይ ሓደ ሓድሽ ዓይነት ኣነባብራ ኣገባብ ወይ ድማ ሜላ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ይህልዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ እቲ ናትና ጦቢያ ብገለ መገዲ ድማ ተራኽቦ ኣቢያተ ትምህርቲ ይፈጥር። በዚ ዓይነት ሕንጸት ድማ ናይ ምርኻብ ባህል ምፍጣር ይኸውን።  ስለዚህ ድማ ብዙህነት ባህልታትን ናይ ባህልታት ፍልልያትን ብምኽባር ዓቢይ ግምት የውህብን እዚ ክበሃል እንከሎ ዝተፈላለዩ ባህልታት ነሓድ ሕዶም ምጥቕላል ወይ ድማ ናብ ዘይቀያየር ሓደ ዓይነታውነት ጥርናፈ ዘይኰነስ ናብ ስኒት የብጽሕ። እዚ ኵሉ ነቲ ዝበታተንን ዝነጻጸግን ዘሎ ዓለም እዚዩ ዘድልዮ ኩነት እዩ። እዚ ናይቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምፍራሕን ምንጻግን ዝብል ዓለም፡ ካብዚ ፍርሒ እዚ ተበጊሱ ድማ ንገዛእ ርእሱ ዝገደደን ዝኸፍኤል ካልእ ዓይነት ፍርሒ ዘመንጭው ፈላላይ መናድቕ ናብ ምሕናጽን የምርሕ። ንሓድ ሕድካ ከም ጸላኢ እናተረኣኣኻ ናብ ምንባር ዘብጽሕ ከቢድ ፍርሒ ዝወልድ ይኸውን።

ዓለም ካብ ገዛእ ርእሱ ማለት ክብ ምቑሕ ገዛእ ርእሳውነት ፈንጺጉ ናብ ክብልን ገዛእ ርእሱ ክኸፍትን ናብ ምርኻብ ገዛእ ርእሱ ምስቲ ካልእ ዝዀነ ምርኻብ ከማዕድውን ክነብርን የድልዮ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ እቶም ኣብቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝተኻየደ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መረብታዊ (ኣውታረ መረብ) ርክብ መላእ ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር፥ ሰናይ ካብ ምሕላም ንኽይቡከርን ትርጉም ንምድላይን ኣእምሮን ኣእዳውን ኣእጋርን ልብታትን ኣብ ሕንጸት ናይ ምራኻብ ባህሊ ከውዕል ኣባላቱ ዝህብዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኖም። እቲ ዓወደ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ቦታ ድማ ኣብ መንጐ ክርስትናን ሃይማኖት ኣይሁድን እስላምን ናይ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብርቱዕ ሓባሪ ኣሰር ዘለዎ እዩ። እዚ ርክብ’ዚ ድማ ብዝተፈላለየ ትእምርታውያን ወስታት ምልኩት እዩ። ከም ኣብነት ድማ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ብምትካል ኦም ኣውሊዕ ዝትገልጸ ትእምርታዊ ወስታ ዘኪሮም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.