2017-07-05 09:39:00

ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዒራቕ፥ ማሕበረ ክርስቲያን ናብ ከባቢታቶም ይምለሱ ኣለዉ


“ኣብ ደም ናይ እምነት ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን ትጸንዕ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝግለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስመሩሉ ዓሚዩቕ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ኣብ ዒራቕ ናይ ኤርቢል ከባቢ ኣንካዋ ኣብታ ዕለት 29 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ናይዞም ክልተ ቅዱሳት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ዝተብዓለሉ ዕለት ብኢድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ናይ ባቢሎን ሰበኻ ፓትሪያርክ ብፁዕነቶም ልዊስ ራፋኢል ቀዳማዊ ሳኰ ብዝሰርዕዎ ስርዓተ ቅዳሴ ዝተመረቐት ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎ ከምዘቓልሔ ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ኣብ ዒራቅ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ኦርተጋ ማርቲን ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ኣብዚ ኣሉታዊ ሓበሬታን ኩነትን ኣብ ዝራአየሉ ዘሎ እዋንን ከባብን ነቶም ሰማዕታት ጴጥሮስ ወጳውሎ እትውከፍ ቤተ ክርስቲያን ንምብራኽ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝተራእየ ሓሴት ተስፋ እዩ፡ ኣንካዋ ክፍለ ከተማ ኤርቢል ብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን ዝነብረሉ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ዝተሰዱን ዝተመዛበሉን ማሕበረ ክርስቲያን እውን ዝርከብሉ ከባቢ ብምዃኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዎም ሱታፌ ዘበርትዕ ዕድል እዩ። ዘጋጥም ሽግር እውን ይሀሉ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኖም ምዃና ዝምስክር ተግባር እዩ ኢሎም።

ኣብ ዒራቕ ሰማዕትነት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ርሑቕ ታሪኽ ኣይኰነን ምስ ማሕበረ ክርስቲያን ሕይወት ዝተኣሳሰረ እዩ። ብቐጥታ ናይ ዕለታዊ ክርስቲያናዊ መነባብርኦም ተመክሮ እዩ። ስደት የጋጥሞምን ይስደዱን ንመስዋዕትነት እውን ዝተቓልዑ እያቶም። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያኖም ነቶም ዓበይቲ ሰማዕታት ሓዋርያት ክትውከፍ ምኽንያታውን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክርስትናኦምን እምነቶም ዘተባብዕ እውን እዩ።

ብፁዕነቶም ፓትሪያርክ ሳኮ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ማሕበረ ክርስቲያን ክርስትናኡ ኣብ ገዛእ ሃገሩን መሬቱን ንኽነብሮ ብምትብባዕ ዒራቅ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣዚዩ ዘድልያ ሃገር እያ ዝብል ዘስመሩሉ ቃል ዘኪሮም እምነት ኣብ ምንባር ምስክርነት ኣሎ እምነትካ ብምንባር ወንጌላዊ ተልእኾ ኢኻ እትፍጽም ዒራቓውያን ማሕበረ ክርስቲያን ድማ ነዚ እዮም ዘረጋግጹ ምስ በሉ፥ ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ኤርቢል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባሻር ዋርዳ ከምእተሳተፉን ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ቁምስና መንእሰይ ሕጻናት እውን ናይ መጀመሪያ ቁርባን ከምእተቐበሉን ነዚ ኹሉ ርኢኽ ብሓቂ እቲ በዓል ዓቢይ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.