2017-06-29 18:00:00

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ሎሚ ክርስትያን ሰላሕታዊ ስደት ይወርዶም አሎ ኢሎም!


ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ በዓለ ሓዋርያት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ተዘኪሩ ውዒሉ፣ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ በዚ ዕለት’ዚ ነቶም ኣበየዓመቱ መዓርገ ሊቀጵጵስና ብምቅባል ሓላፍነት ናይ ዝቅበሉ ሓደስቲ  ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ር.ሊ.ጳ ብፓልዮ ዝፍለጥ ኣክሚም ናይ ሊቀጵጵስና ዝቅበሉሉ ዕለት እውን ስለዝኾነ ኣብቲ ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ናይ መንበረ ጴጥሮስ ጉባኤ ሎምዘመን ንመዓርገ ካርዲናለት ዝተጸውዑ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ናይ ጒስነት ምልክት ዝተቀበሉሉ ዕለት እውን ነሩ፣

ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበዓለ ሓዋርያት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምዝካርን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሥርዓት ንምፍጻምን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ስብከት ከኣ ብዛዕባ እቲ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ዝህቦ መልእኽቲ ኣብ ሰለስተ ቃላት ማለት ምስክርነት ስደትን ጸሎትን ዝብላ ቃላት ዘተኮረ ቃል ኣስሚዖም፣

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እታ ምስክርነት እትብል ቀዳመይቲ ቃል ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ናብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምስክርነት ምልስ ብምባል ጐ.ኢ.ክ ንሓዋርያት መጀመርያ ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ! ቀጺሉ ከኣ ንስኹምከ መን ትብሉ! ቢሉ ኣብ ዝሓተቶን ቅዱስ ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እቲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ ቢሉ ዝሃቦ ምስክርነትን ዘተኮረ ስብከት ኣቅሪቦም።

እታ ክርስቶስ ዘቅረባ ሕያው ሕቶ ሎሚ ንዓና’ውን ከምዝትምልክት ብፍላይ ከኣ ንጓሶት ነፍሳት ከምትምልከት ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዛ ሕቶ’ዚኣ ወሳኒት ስለዝኾነት ናይ ሕይወት መልሲ ከምዘድልያ ኣዘኻኺሮም፣ ንነፍሲወከፍና ዓይኒ ዓይንና እንዳጠመተ ኢየሱስ ኣነ ንኣኻ መን እየ ይብለና ኣሎ! እዚ ማለት ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ናይ ሕይወትካ ጐይታ ኣነ ድየ ወይስ ካልእ ትሓስቦ ኣሎካ ይብለና ኣሎ። ስለዚ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰና ከም ተኸተልትን ሓዋርያትን ናይ ሕይወት ምርጫ ክንገብር እዚ ከኣ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር ኣብ ሕይወትና ክኸውን ኣለዎ  ኢሎም፣

እዛ ሕቶዚኣ ብኸምኡ ኸሙ ትሕለፍ ኣይኮነትን ዝበሉ ቅዱስነቶም ነፍሲወከፍና ናብ ሕልናና ተመሊስና ጥጡሕ ናብራ ዝደሊ ቅሱን ክርስትያን ድየ ወይስ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሓዋርያ ኢልና ነስተንትን! ኣይምውቅ ኣይዝሑልዶ ኰይነ እነብር ኣሎኹ ወይስ በቲ ሃልሃል ዝብል ፍቅሪ ክስርስቶስ ተቃጺለ ኣብቲ ገፊሕ ዓውደ ኲናት መንግሥቲ ኣምላኽ ዝተኻእለኒ አበርክት ኣሎኹ! ኢልና ነስተንትን ምስ በሉ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ከም ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንእምነቶም ዝምስክሩ ክርስትያን ንጐይታ ክሳብ መወዳእታ ይስዕብዎ፣ ስለዚ ክሳብ መወዳእታ ብመንገዱ እምበር ብመንገድና ክንክተሎ የብልናን። መንገዱ ከኣ ብመስቀልን ስደትን ዝሕለፍ መንገዲ እዩ’ ድሕሪ ቢሎም ናብታ ካልአይቲ ቃል ዝበልዋ ናብ ስደት ይሰጋገሩ እሞ ጴጥሮስ ጳውሎስ ጥራይ ኣይኮኑን ደሞም ዘወፈዩ ግብሪ ሓዋርያት ከምዘዘንትዎ ዳርጋ ኩሎም መሥረቲ ቤተክርስትያን ብስደትን መከራን ሓሊፎም ብደሞም መስኪሮም፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ምንም እኳ ብዙሕ ዘይውረዮሎም እንተኾኑ ካብቲ ናይ ቀዳሞት ዘመናት ብዘይውሕድ ብዙሓት ክርስትያን ዝተወገኑ ዝተዀነኑ ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ብሞት ዝተቀንጸሉ ኣለው፣ ኮይኑ ከምቲ ቅዱስ ጵውሎስ ዝብሎ ብሕይወት ምንባር ንክርስቶስ እንተሞኩ ከኣ ክብረት ዝብሎ ብዘይ መስቀል ክርስቶስ ከምዘየሎ ብዘይ መስቀል ከኣ ክርስትያን ከምዘይክወን ንፍለጥ፣ ንክርስቶስ ንምምሳል መስቀሉ ምቅባል እቲ ዝተሰቅለን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክርስቶስ ክርስቶስ ምሳና ከምዘሎ ብምእማን ከኣ ንቅድሚት ምግስጋስ የድሊ፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንሕና ብዂሉ ወገን ንሳቀ ኣሎና ግናኸ ንያትና ኣየዕረብናን ሰብ የሳድዱና ኣለዉ ግና ኣይተደርበናን ንጭፍጨፍ ኣሎና ግና ኣይሞትናን’ (2ቆሮ 4.8-9) ክንብል ንኽእል፣

እታ ሳልሰይቲ ቃል ከኣ ጸሎት እያ፣ ሕይወት ሓደ ሓዋርያ ብምስክርነትን መስቀልን ምስ ሓለፈት ዕለት ዕለት ጸሎት ብምግባር እያ ኣትቅጽል፣ ከመይ ነቲ ተስፋ እትቅልብን ኣብ እምነት ከምዝዓብን እትገብሮ ማይሕይወት ጸሎት እያ። ጸሎት ከም እትፈቀርና እተረጋግጸልናን ከምእነፍቅር እትገብናን ቀንዲ መጋበሪት እያ፣ ኣብ ቤተክርስያን ኩልና ነንሕድሕድና እንደጋገፈሉ ከኣ በዚኣ ኢና፣ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ‘ጴጥሮስ ተኣሲሩ እንከሎ ካብታ ቤተክርያት ስለኡ ዘይቋርጽ ጸሎት ናብ እግዚአብሔር ይዓርግ ነበረ’ (ግሐ 1.5) ዝብል ንረክብ፣ ጸሎት እትገብር ቤተክርስትያን ጐይታ ይሕልዋ ንሱ ከኣ የሰንያ፣ ምጽላይ ማለት ነቲ ጉዕዞ ኣብ ኢዱ ምሕዳግ እዩ፣ ንሱ ከኣ ይሓልየሉ፣ ጸሎትከስ ዘተሓባብረናን ዝድግፈናን እዩ፣ ጸሎት እንክንገብር እቲ ኣብ ፍቅሪ እሙን ዝኾነን ኣብ ግዜ ፈተናና ጥቃና ዘሎን ጐይታ ኢዱ ይመልስ፣ እንክብሉ ጐይታ ንኩልናን ነቶም ኣብዚ ዕለትዚ ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ክብ ዝበሉን ነቶም ኣክሚም ሊቀ ጵጵስና ዝተቀብሉ ጓሶትን ከምዝሕግዝ ብምርግጋጽን ነቶም ንኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሜዎስ ወኪሎም ኣብቲ በዓል ንዝተረኽቡን ብምምስጋን ስብከቶም ዛዚሞም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.