2017-06-26 19:00:00

ሰንበት ዘበአተ ክረምት ሰነ 25 2009 ዓ.ም. (7/2/2017)


ንባባት፡ ፪ቆሮ 8፡7-15፥ ይሁዳ 1፡17-ፍ፥ ግ.ሓ. 14፡8-18፥ ማር 5፡21-43። ምስባክ፡ ለነዳያኒሂ አጽገቦም እክለ፥ ወለካህናቲሃኒ አልበሶሙ ሕይወተ፥ ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ።

እዚ መዝሙር አብ ኅዳር አብ ሰንበት ዘደብረ ዘይት እውን ይዝመር እዩ። አብ ሰነ ሰንበት ዕለት 25 እንተ ወዓለ ኸአ ይዝመር። ካብ 25 ሰነ ክሳብ ቂርቆስ 19 ሓምለ መዝሙር ዘዘርእ፥ ደመና፥ ጊሜ፥ ክረምት ይብሃል ብሓቂ ክረምቲ ዝብሃል እውን ሽዑ እዩ።

ናይ ዕለቱ መዝሙር አምላኽ ሰንበት ምእንቲ ሰብን ካልእ ፍጡርን ከዕርፈላን ከመስግነላን ኢሉ ከም ዝሰርዓ የዘኻኽረና። አብዚ ኩልና ደቂ አዳም ደረጃ ሓላፍነትና ወይ ጸዋዕታና ብዘየገድስ ብዕለተ ሰንበት ምስ አምላኽ ክንራኸብን አመት ነፍስና ክንገብር ይነግረና። ሰንበት መሠረት ሓዋርያዊ ትውፊት ፋሲካዊ ምሥጢር እትኸብረሉ ዕለት እያ፥ ስለዚ ኸአ ቀዳምነት ዚውሃባ፥ ብግዴታ እትብዓል ዕለት ኮይና አብታ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ክትሕሎ ይግባእ (ሓ/ት/ክ 2177፥ ሕገቀኖና ላቲ 1246፡1)።

ብ1994 አብ ግላስ ደብረ ልደታ ለማርያም ቆሞስ ከሎኹ 4 መንእሰያት አብ ዔላ ተደፊኖም ሞይቶም። አብ ከባቢ ዝነበረ ህዝብን ምምሕዳርን ኩሉ ንምድኃኖም ዝክአል ገሩ። እቲ ነፍሰ አድሕን ካብቶም አብኡ ዝነበሩ ብላዕሊ ኾይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ብአውያት ምስ ነገረ ሰብ ቀልጢፉ ከድሕነሉ ዝኽእል መገዲ ብቕልጣፈ ጀሚሩ። ሓደጋ እዞም መንእሰያት ቀልጢፉ አብ ኩሉ በጺሑ አብ ከባቢ ዝነበረ ኩሉ አብቲ ሓደጋ ዝተፈጸሞ ተአኪቡ ዓዓቕሙ ገሩ ግን ኩሎም በቲ ሓደጋ መይቶም። ኩሉ ህዝቢ ብሓዘን ተዋሒጡ ዝግበር አይነበረን እናነባዕና አፋኒናዮም። ካብኦም ሰለስተ አስላም ሓደ ኸአ ክርስትያን እዮም ነሮም። ብሓባር ሓዚናሎም ጸሊናሎም። አብዚ ክልተ ነገር ንርኢ ፩ያ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ንዝኾነ ነገር አብ ኢድ አምላኽ ምሕዳግ፥ ፪ይ ኩልና ደቂ ሰብ አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ኢና ስለዚ አብኡ እምነት ገርና ንሓቂ አምላኽ ሒዝና እንተ ኸድና ኵልና ተጠቐምቲ ጸጋ አምላኽ ኢና ሽዑ ንዝወረደ ይውረድ አብ ኢድ አምላኽ ክንሓድጎ አየጸግመናን እዩ።

ሰብ ብባህሪኡ ከቢድ ሓዘን ምስ ወረዶ ዝገብሮ ይጠፍኦ ከብቲ ዝወረደ ክድሕን ዝክአሎ ይገብር። አብ ከምዚ ክነታት እንከሎ እታ እንኮ ፍታሕን ቅሳነት እትህብን አብ አምላኽ ክንጥምት ከሎና እያ። ንኹሉ አብኡ አንቢርና ክንጉዓዝ እንተ ኸአልና እሞ ፍቓዱ ክንቅበል እንተ ኸአልና ዓይነት ጸገምና ብዘየገድስ ሰላም ክእለት ንረክብ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ተምሳሳላይ ኩነታት የቕርበልና። ጓል ኢያኢሮስ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ቤተ ጸሎት ብርቱዕ ሓሚማ። ኩሉ ጊዜ ሓደ መቕርብና ብፍላይ ንእሽቶይ ክሓምም ወይ ክሳቐ እንከሎ ከቢድ እዩ። እዞም አርባዕተ መንእሰያት አብ ዔላ ብሓመድ ምስ ተደፍኑ ዓበይቲ አብ ጸሎት መንእሰያት ከድሕኑ አብ ኵዕታ ገለ ኸአ አብ ምምሕዳር ገለ ሓገዝ ክረኽቡ ጎዮም ኮታስ ኩሉ በበታ ዘላቶ ከድሕኖም ተጓይዩ፥ ንምድኃን ዘይተገብረ ነገር አይነበረን ኩልና ብሓባር ሓዚና ነቢዕና ጸሊና። ኢያኢሮስ ጓሉ ንምድኃን ዘይገበሮ ነገር አይነበረን ኩሉ ፈቲኑ፥ ብዙሕ ህዝቢ እውን አብ ቤቱ መጺኡ ይበጽሖን የጸናንዖን ነሩ። ንሱ ሓንቲ ልዕሊ ኹሉ እያ ኢሉ ዝሓሰባ እሞ ንኹሉ ስቓይ ጓሉን ናቱን እትፈትሓሉ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ተደፊኡ እንተ ለመነ ጥራሕ ምዃና አሚኑ ቀሪቡ አብዚ እዩ ንኹልና ትምህርቲ ዝኸውን ነገር ዘለዎ። አብ ቅድሚ ኢየሱስ ከመይ ኢልና ክንቀርብ ከምዝግብአና ይነግረና። ዓቢ ጸገም ምስ ተጓነፈና ብቀዳምነት አብ መን ንኸይድ እንታይ ንሓስብ። አብ ዘመና ገኒኑ ዘሎ አብ ክንዲ እምነት ገርካ መጀመርያ ምጽላይን አምላኽ ዝደልዮ ምግባር ድሕሪኡ አብ ሕክምና ምኻድ ብዙሓት አብ ጠንቋሎ፥ ቡዳታት፥ ተጎምቲ ካልኦት ከምኦም ዘአመሰሉ ምኻድ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ። ዝገደደ ነሕዊ ኢና ኢሎም ብስም ዘደናግር ገበሩ ብዙሓት አብኦም አሚኖም ካብ እምነት ዘርሕቕ ዝገብሩን ዝሳተፉን ብዙሓት እዮም? እዚ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ በቲኹ ዝያዳ ከም እንሳቐን ሰላም ዝኸልእ ኮይንና አሎ።

እንታይ ንግበር? አብ ኢየሱስ ንመለስ ጸገምና አብኡ ነቕርብ ምሉእ እምነት ገርና አብኡ ገጽና ንጉዓዝ። አብ ቅ. ቍርባን ምሉእ እምነት ገርና ብምሉእ ልብና ንለምኖን ንቀበሎን ሽዑ ድላይ አምላኽ አባና ክርአ እዩ።

አብዚ ብዛዕባ እዚ መራሕ ቤተ ጸሎት ብዙሕ ይነግረና። ንሱ ብሰብ ክቡርን ሕፉርን እዩ ነሩ። በቲ እዋን መራሕ ቤተ ጸሎት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሰባትን አብ ቅድሚ ህዝቢ ዓቢ ግምት ዘልኦ ክቡር ሰብ እዩ ነሩ። እንተኾነ ዘይተጸበዮ ጸገም ተጓኒፍዎ ጓሉ ብርቱዕ ሓሚማ ስለዚ እቲ ሓደ ክረድአኒ ዝኽእል ንጓለይ ከሕዋያ ይኽእል እዩ ዝበሎ ኢየሱስ እዩ ነሩ ስለዚ አብኡ ከይዱ።

፩ያ ክብረቱን አብ ቅድሚ ህዝቢ ዘልኦ ሓላፍነትን ሓዲጉ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ቀሪቡ። ንሱ በቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ንኢየሱስ ከም ሓደ መናፍቕን ከም ሓደ መናዓቢ ህዝብን ሓደገኛን ክሓስቦ ምኽአለ ነሩ። እንተ ኾነ አብዚ እዋን እሞ ብሓቂ ሓገዝ አብ ዝደልየሉ እዋን ነዚ ኹሉ ግምታት ንጸጋም ሓዲጉ አብ ኢየሱስ እዩ ከይዱ። ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ሰባት ዝህልወና ቅድመ ኩነታዊ ግምታት ንነገራት ከም ዘለዎ ክንርእዮም አይንኽእልን ኢና ምኽንያቱ ብዙሕ ጊዜ አብቶም ሓቂ ዘይብሎም ነገራት ኢና እነተኩር። ኢያኢሮስ ንዝነበሮ ግምታት ምስ ሓደገ ኢየሱስ እንታይ ክገብረሉ ከምዝኽእል ክርኢ ክኢሉ። ሓንቲ ዝርአያ ኢየሱስ ክሕግዞ ከምዝኽእል ብኻልእ አዘራርባ አብ ኢየሱስ ምሉእ እምነት ገሩ። እምነት ዓይኒ ኩሉ እዩ ምስ አመና ጥራሕ ኢና ንአምላኽ ክንርእዮ እንኽእል። ግዙፋዊ አካል ንምርአይ እኹል አይኮነን መንፈሳዊ እምነት ጥራሕ እዩ ንኹሉ ክንርኢ ዘኽእለና።

አብ ወንጌል ብዙሓት ዓቢ ጸገም ወይ ብሓቂ ክፈልጡ ዝደልዩ ብምሉእ እምነት አብ ኢየሱስ ይቐርቡ ከም ዝነበሩ ንርኢ። ንአብነት ኒቆዲሞስ ንዝነበሮ አፍልጦን ንሓቅን ከብርሃሉ ናብ ኢየሱስ ከይዱ፥ እዛ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ካብ ሕማማ ክትሓዊ አብ ኢየሱስ ብምሉእ እምነት ቀሪባ፥ ብዙሓት ወደይ ጓለይ ሓሚምኒ/ማትኒ እናበሉ አብ ኢየሱስ ይቐርቡ ነሮም ሎሚ እውን ኢየሱስ መልሲ ጸገምና እዩ ብምሉእ እምነት አብኡ ንቕረብ።

ኢያኢሮስ ሰባት ብዛዕብኡ ዝሓስብዎን ንሱ ዝገበሮን ክልተ ዝተፈላለየ ነገራት እዩ። ምስቲ ዝነበሮ ሓላፍነት አብ ቅድሚ ህዝቢ አብ ኢየሱስ ክቐርብ አይከውንን እዩ፥ በዚ እዩ ካልእ መገዲ ክመርጽ ዝደለየ፥ ካብቲ ህዝቢ ዝሓስቦ ጭሪሹ ፍሉይ መገዲ ሒዙ።

አቐዲምካ ፍርዲ ምሃብ አብ ክልተ ነገር እዩ መሰረቱ፥ ድንቍርናን ፍርሕን። ኩልና አብ ልዕሊ ካልኦት አቐዲምና እንህቦ ፍርዲ አሎና። እዚ ከምዚ ዝበለ አቐዲምካ ሓንቲ አፍልጦ ዘይብልካ ከሎኻ እትህቦ ሓሳብ ወይ ፍርዲ አብ ድንቍርና እዩ መሰረቱ። አብ ከምዚ ዝአመሰለ ሓባራዊ ኩነታት ሰባት ክገልጽ እንከሎ ሓደ እዋን ሓለቓ ገዳም ዝነበረ ካህን ዝሃቦ ምኽሪ ምስማዕ ጽቡቕ እዩ። “ናይ ብስለት ወይ ልቦና መለክዒ ወይ መምዘኒ ክሳብ ኩሉ መርትዖታት ዝመጽእ ካብ ፍርዲ ምሃብ ደው ምባል እዩ” እይብል። እቲ ኻልእ ምንጪ ፍርሒ እዩ። ፍርሒ ካብ ድንቁርና አዝዩ ዝዓመቐ እዩ፥ አብ ሱር አቐዲምካ ፍርዲ አብ ምሃብ እዩ ዝርከብ። ኢያኢሮስ ንኹሉ አቐዲሙ ንዝውሃብ ዝነበረ ፍርዲ ወይ ብዛዕባ ኢየሱስ ሰባት ዘጸልምዎ ዝነበሩ ካብ ርእሱ አውጺኡ ምስ ከአለ ናይ ኢየሱስ ስልጣንን ኃይልን ክርኢ ክኢሉ። አቐዲሙ ብዘይአፍልጦ ዝግበር ፍርዲ ወይ ጽልዋ ንአእምሮ ሰብ ይዓጽዎ እሞ ካብ ብዙሕ በረኸትን ጸጋን የትርፎ፥ ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው ክንብል እንከሎና አብ ልዕሊ ከማና ዝበሉ ሰባት ዘሎና ጽልዋ ወይ ግምታት አወጊና አብ ኢየሱስ ዘቕርበና ነገር ጥራሕ ርኢና ንኽአል እሞ ነቲ ኢየሱስ ዝመድበልና መደብ ልብና ክፉት ንግበር።

፪ይ ኢያኢሮስ መንነቱ ኵሉ ሓዲግዎ። መራሕ ቤተ ጸሎት አብ ቅድሚ እግሪ ሓደ እናዞረ ዝምህር መምህር ለጥ ኢሉ ምስጋዱ ንዝርኢ ብሓቂ ከቢድ እዩ። ብምሉእ እምነት ዝጉዓዝ ዝገብሮ እዩ ገሩ። እቲ ኩሉ ዝነበሮ ሓላፍነት አብ ቅድሚ ኢየሱስ ኢሚንት እዩ። አብ ሕይወትና እንተ ረአና አብ ዝተፈላለየ ስራሓት ብሓላፍነት ወይ ብዘሎና ደረጃ ትምህርቲ ልዑል ቦታ ዝሓዝና ክንህሉ ንኽእል ንኸውን አብዚ ሰብ እሞ ንጠምት። እዚ ኹሉ ዘሎና ሓላፍነትን ክብርን ኢሚንት እዩ። አብ ገለ እዋን ክበኑ ክሓድጉና ይክአል እዩ። ዝገደደ እዞም ሓላፍነታት ወይ መዓርጋት ካብ አምላኽን መደባቱን ከውጽኡና ይኽእሉ እዮም። ኢያኢሮስ ናይ ኢየሱስ ተመክሮ ንኹሎም ዘለዉና መዓርጋት ወይ ክብረታት ወላ ሓንቲ ከምዘይ ኮኑ ክንርኢ ይሕግዘና።

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ዲዮግነስ ዝተባህለ ብሸፋቱ ተማሪኹ ከም ባርያ ተሸጡ። አብ ዕዳጋ ወሪዱ አብ ቅድሚ ዝገዝኡ ደው ኢሉ እንከሎ ሓደ ሰብአይ ርአየ እሞ አብዚ ሰብአይ ሽጡኒ ጎይታ ዝኾኖ ይደሊ አሎ ኢልዎም። እቲ ሰብአይ ገዚእዎ፥ ናይ ገዝኡ ምሕደራ ብምልኡ ከምኡ ንደቁ ከምህረሉ ሂብዎ። በቲ ኩሉ ነገራት ዝገብሮ ተሓጒሱ ጎይትኡ ዲዮግነስ አብ ገዛይ ዝአተወላ መዓልቲ ክንደይ ብርኽቲ ዕለት እያ እናበለ ይዛረብ ነሩ። እንተ ኾነ እዚ ከምዚ ዝአመሰለ ምቕባል ናይ መንነት ስረዛ ክስዕቦ ይግባእ ማለት እዚ ባርያ ካብቲ ዘልኦ ኩነት ከውጽእ ይግባእ እምበር ብስም ዝገበሮ ጽቡቕ ብምጥቃስ መንነቱ አይተቐየረን ጌና አብ ባርነት እዩ ዘሎ። ብዙሕ ጊዜ ዝገጥም እዩ ሰብ ብግዳማዊ መልክዕ እንታይነቱ ዝሓለወ ክኸውን ይክአል ግን ካብ ጸጋ ዝርሓቐ ክኸውን ከአ ይክአል እዩ። ሰብ ሰብ ዘብሎ ውሽጡን ደጊኡን ሓደ ዓይነት ክብርን መንነትን ክህልዎ እንከሎ ጥራሕ እዩ።

፫ይ ትዕቢት ካብ ርእሱ አልዩ። ትዕቢት ቅድሚ ኹሉ እዩ ዘውድቕ። ዶግላስ ማክአሱር ዝተባህለ አብ ጊዜ ውግእ ኮረያ ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል እዩ። አብ ሓደ ግጥም ብዙሓት ብጾቱን መማኽርቱን እናመኸርዎ ምስማዕ ስለ ዝአበየ ካብ 1000 ንላዕሊ ዝኾኑ ወተሓደራት ብኾንቱ አጥፊኡ። ስአን ምኽሪ ምስማዕ ብትዕቢት ተመሪሑ ወተሃደራቱ አጥፊኡ ይብሃል።

አብ ዘሎናዮ እዋን ስአን ምኽሪ ኢየሱስን ቤተክርስትያንን፥ ለባማት ሰባት ዝብልዎ ስአን ምስማዕ ክንደይ ሃገራት አብ ግጭትን ሞትን ውግእን ይርከባ አለዋ። አብ ርክብ ሰባት ስድራታት ስአን ትሕትና ገርካ ምስማዕ ክንደይ ተፈላልዮም ይርከቡ። ሎሚ ልዕሊ ኹሉ ዝሳቐን ዝብተንን ዘሎ ቃል ኪዳን እዩ ስአና ልቢ ንልቢ ተወሃሂብካ ምዝርራብ ትዕቢት አቐዲምና ንፍቕሪ ሓዲግና አብ ምብትታንን ፋሕ ምባልን ምውዳቕ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ወረ ዝገደደ አብ ገሊኡ አብ ምቅታል ዝበጽሑ ንርኢ አሎና። ናይ እዚ ኹሉ ምንጪ ትዕቢት ክፍአት ጥልመት እዩ። ትሕትና ንትዕቢት ቀታሊታ እያ፥ ንርእስኻ ከም እትመልኽ ትገብረካ እሞ ንሓቂ ክትመርጽ ትሕግዝ ስለዚ ትሕትና ለቢስና ንትዕቢት ካባና አውጺእና ንሓቂ ኢየሱስ ክንሰምዕ ጽን ንበል።

አብ ጥንታዊ ግሪኽ ንትምክሕቲ ፍሉይ ቃል ነርዎም hubris። አስክይሉስ ዝተባህለ ዓቢ ጸሓፋይ ተዋስኦ ከም ዝብሎ አምላኽቲ ከመይ ኢሎም ነቶም አብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ንርእሶም ዝገብሩ ከምዝቐጽዕዎም ይነግር። እቶም ውሩያት ነጋውስ ስሞም እናዕበየ ዝኸይድን ብልሓቶም እናበዝሐ ዝኸይድ ካብ መብረቕ አማልኽቲ ክጥንቀቝ አለዎም ይብል።

አብ ኩሉ እምነታት ናይ ትዕቢት ሓደጋነት ይግለጽ። ፈርዖን ራምሰስ ብጣዕሚ ትዕብተኛ እዩ ነሩ እንተኾነ ብሙሴ አቢሉ አምላኽ ንእኡን ንግስነቱን አጥፊእዎም። አዳምን ሔዋንን ብተመን ተፈቲኖም ካብታ ኦም ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ በልዑ ከም አምላኽ ጽቡቕን ክፉእን ክፈልጡ ሓሲቦም እንተ ኾነ እዚ ኹሉ አብ ዓለም ዘሎ መከራ አምጺኦም። ትዕቢት ሞት አምጺኦምልና።

ሰይጣን ቅድሚ ምውዳቑ ካብቶም ዝጸበቑ መላእክቲ እዩ ነሩ እንተ ኾነ ንርእሱ ከልዕል ስለ ዝደለ አብ ክንዲ አብ መንግስተ ሰማይ ዘገልግል አብ ገሃነም እሳት ተኾኒኑ። ካብ ኩሎም ዝበለጸ ፍጡር ዝነበረ ካብኩሎም ዝተጸልአ ዝተፈርሐን ዝኸፍአ ፍጥረት ኮይኑ ዲያብሎስ ተባሂሉ።

ኢያኢሮስ ንኹሉ ሓዲጉ ኢየሱስ ክሕግዞ አብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ለሚኑ። እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ እውን እዚ እዩ ነሩ ሓሳባን ግብራን። ኢየሱስ ሎሚ እውን አብ ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዝበለ አተሓሳስባ ክህልወና እዩ ዝደሊ። ምሉእ እምነት ገርና አብ ቅድሚኡ ደው ክንብል እሞ ሓሳብና ድላይና ገሊጽና ምሕረትን ሰላምን ክንረክብ።

ግዙፋዊ ሕማም ጥራሕ አሳቕዩና ዘይኮነ እቲ መንፈሳዊ ሕማምና ማለት ኃጢአትና ሒዝና አብ ቅድሚ መንበር ኢየሱስ ተምበርኪኽና ክንጽሊ ኃጢአትና ክንእመን እሞ ክንሳሕ ተቢዕ ውሳኔ ክንገብር አሎና። እዛ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ዘፈር ክዳኑ እንተ ተንከፍኩ ክሓዊ እየ ኢላ ስለ ዝአመነት እሞ አብኡ ስለ ዝኸደት ሓውያ። አብዚ እንርእዮ ሃረርታ ጽቡቕ ድላይ ትምኒት እኹል አይ ኮነንን አብ ግብሪ ክንገብሮ አሎና። ሎሚ ኢየሱስ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይረኽበና ምሉእ እምነት ገርና አብኡ እንተ ቐረብና አባና ተአምራት ይፍጸም።

ኢየሱስ ነታ ብምሉእ እምነት ዝቐረበቶ ሰበይቲ ጓለይ አይትፍርሒ እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ ብሰላም ኪዲ ኢልዋ። እምነትን አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው ምባልን ክልተ ዘይፈላለ ነገር እዩ። እምነት ሕውየት ሕድገት ሰላም የውርደልና። ሎሚ ክንደይ ካባና ኢና ክንሓዊ እንደሊ? ክንደይ ኢና አብ ኢየሱስ ክንቀርብ እንደሊ? ክንበራበር አሎና ፍርሒ፥ ጉድለት እምነት ጸልዩና አብ ኃጢአት አብ ቂምታ አብ ጽልእን ፍርሕን አይንንበር። ንትዕቢትና ንክፍአትና ተአሚና ብእከየ ወበ ዓቢ እከየ ኢልና አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ንኢየሱስ ንለምኖ።  ሽዑ ወደይ ጓለይ እምነትካ/ኪ አሕውዩካ/ኪ ብሰላም ኪድ ክብለና እዩ ነዚ የብቅዓና። ብሩኽ ክረምቲ ይግበረልና። ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   








All the contents on this site are copyrighted ©.