2017-06-13 15:38:00

ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዕዮ


ዕለት 12 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዕዮ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ሕጹጽ ዛዕባ ተባሂሉ ዝንገረሉ ስእነት ሥራሕ ኣብ ዘማእከለ መበል 106 ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ካብ ነዊሕ ዓመታት ንነጀው ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ብቕዓት ጐደል ከይኑን እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብተን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ሓቆፍ ተፈላጥነት እናረኻባ ኣብ ዝኸዳ ዘለዋ ሃገራት እውን ከይተረፈ ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ጸገም እዩ። ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓፈሻዊ ጸገምን ማሕበራዊ ውጥረትን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት ኩነት መነባብሮ ኣብ ምግጣም ይርከብ ኣሎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብቲ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣዚዩ ንመእሰይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሃስይ ክኸውን እንከሎ ማዕረ ማዕረ ድማ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጠር እውን እንተዀነ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት ሥራሕ ብቑዕ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣርን ተኸሲቱ ንዘሎ ስእነት ስራሕ ኣብ ምንካዩን ኣዕጋቢ ውጽኢት ከዕትር ኣይከኣለን ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ስራሕ ሓደ ካቶም መሰረታውያን ክፍልታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምዃኑ ንሰብኣዊ ዕብየት ዘመቻችእን ንምሉእ ምዕባለ ደገፍን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.