2017-06-08 16:29:00

ናይ ሆንዱራስ ልኡካነ መንግስቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ናይ ሃገረ ሆንዱራስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪካርዶ አልቫረዝን ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳይን ናይ ሆንዱራስ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ጉዳይ ሚኒስትርን ማሪያ ዶሎረስ ኣጉዌሮን ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ኢጣሊያን ምስ ተዛማዲ ኣካላት ንኽራኸቡ ናብ ሮማ ዝኣተዉ ዕለት 6 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ቀጺሎም እውን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ፓውል ጋላገር ከምእተራኸቡ ነቲ ናይ ርክብ ስነ ስርዓት ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓትሪሲያ ይነስትሮዛ ሓቢረን።

ናይ ሆንዱራስ ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላት ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዎት ኣካላት ዘካየድዎ ልባዊ ርክብ ብዛዕባ ስርዓት ዴሞክራሲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብነባራዊ ኩነት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለን ከምኡ እውን እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ናይ ሓሳብ ልውውት ከምእተኻየደ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ይነስትሮዛ ኣስዒበን፥ ብፍላይ እቶም ኣብ ፓናማ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ካብ ጓተማላን ሳልቫዶርን ዝመጹ ተሳታፍያን መንእሰያት ብሆንዱራስ ዝሓልፉ ብምዃኖም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሆንዱራስ እተበርክቶ ዓቢይ ኣስተዋጽኦን ከምኡ እውን ሆንዱራስ ኣብ ዓለም ሃይማኖታዊ መስህቦኣዊ ምብጻሕ እተነቓቕሕ ብምዃና ነዚ ዝምልከት ነጥቢ’ዚ እውን ዘማእከለ ዝርርብ ከምእተኻየደ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.