2017-06-08 16:25:00

ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ዕለት 9 ሰነ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ተቐቢሎም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝዛዘም ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባ ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽሪ “ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ሕንጸት ኵላዊ ሕውነት” ብዝብል ዋና ርእሰ ጉዳይ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ዕለት 7 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዲኒኒ ሓቢረ።

ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣለወን። ብፍላይ ከም ክርስቲያን መጠን ክንኣምነሉ ዝግብኣና ኩላትና ክፍለ ኣካል ናይቲ ርእሲ ዝዀነ እንኰ ሰብነት ክርስቶ ምዃንና እዩ። ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካል፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎ ዝብሎ ጊላ ኰነ ናጻ ሰብ የልቦን ኵላትና ብዙሕ ኣካል ኣብ ሓደ ሰብነት ኢና። ንሱ ድማ ክፍለ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኢና ኢሎም። ኰይኑ ግና ብምኽንያት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰፊሕ ዝረአይ ቅልውላው ስድራ ቤት እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገልጾ ሓቂ ንምስትውዓል ከቢድ ኰይኑ ኣሎ። ቃል ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ ዝተቐበላን ንደቀ መዝሙር ዝበሰራን ደቀንስትዮ እያተን። ቀዳሞት ልኡካን እየን ምስ በሉ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ጓለ ንስተይቲ ብመሰረተ ክዉንነታ ዓለም ለኻዊ መልእኽቲ እያ፡ እዚ ማለት ድማ ኣደን ሓልዮትን ሰማዒትን ሓብሓቢትን ተገዳሲትን እያ እንክብሉ ዘስተምህርዎ ነዚ ኵላውነት ባህርይ ደቀንስትዮ መሰረት ገይሩ ደቀንስትዮ ኣብ ሕንጸት ኵላውነት ሕውነት ዘለወን ግደ ዘቃልሕ እዩ ኢሎም።

“ጓለ-ንስተይቲ ርህራሄን ሓልዮትን ኣደን ጥራሕ ዘይኰነት ምስ እዚ ዘለዋ ምዃናዊ ፍሉይነታዊ ባህርይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ናታ ቦታ ዘለዋ ፍጥረ እያ። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝነኣሰት ወይ ድማ ዝለዓለት ኣይኰነትን። ስለዚህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብን ደቀንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ዘለዎ ፍሉይነት ባህርይ ከምዘሎ ኰይኑ ማዕረ እየን”

እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.