2017-06-03 17:15:00

ቅድስቲ መንበር፥ ክርስትያንን እስላምን ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮ ክሓብሩ


ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤ ምኽሪ ናይ 2017 ዓ.ም. ወርሒ ራማዳንን ከምኡ እውን ናይዚ ጾም መዕጸዊ ዒድ ኣል ፈጥር ዓቢይ በዓም ምኽንያት ንመላእ ቤተ እስላም ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Laudato si-ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም ኣስተንፍሶ ዝገበረ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ናይ ለምዘበን መልኽቲ ፍልይ ዘብሎ ድማ ንፋለማ ጊዜ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ኣብ እዋን ጾም ራማዳንን በዓል ዒድ ኣልፈጥርን ንመላእ ቤተ እስላም መልኽቲ ከምእተመሓላለፈን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዘጠቓለለን ቅድሚ 50 ዓመት ጳውሎስ ሻድሻይ ዝጀመርዎ ክኽውን እንከሎ እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ድማ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝጀመሮ ተግባር ምዃኑ ዘዘኻኸራ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፥

ክርስቲያንን እስላምን ብሓባር ኣብ ክንክን ናይ ሓባር ቤትና ብዝብል ኣርእስቲ ብብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ዝምራሕ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንመላእ ቤተ እስላም ኣብዚ ዓቢይ ጾመ ራማዳን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ብምርግጋጽ ብዓንተውኡ በዓለ ዒድ ኣል ፈጥር ናይ ቅሳነትን ሓጎስን መንፍሳዊ ሃብታት ትዕድልቲ እዋን ክዀነሎም ተመንዩ። እቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዓበይቲ ብድሆታት ካብ ዝበሃሉ ሓደ ዓብይን ህጹጽ ኣገዳስነት ኣልዎ ዝበሃል ምኽባርን ክንክንን ፍጥረትን ተፈጥሮ መሰረት ገይሩ ኣብ መንጐ ሰብን ተፈጥሮን ዘሎ ተራኻብነት ሚዛኑ ዝሓለወን ናይ ተፈጥሮን ፍጥረትን ክብሪ ዘኽብር ክኸውንን ኩሉ ዝኽተሎ ሃይማኖት ብዘየገድስ ፍጥረትን ተፈጥሮ ክኽብር ዝተጸውዔ ምዃኑ ኣነጺሩ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ናይ ሓባር ቤትና እንክብሉ ብምግላጽ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ድማ ቤተይና  እዩ ቢሎም ዝዀነ ይኹን ሃገርን ኣካልን ሕዝብን ድማ ብዛዕባ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘለዎ ርድኢት ናይ ኩሉ ርእየት ክኸውን ጸቕጢ ክገብር ከምዘይከኣሎን ምእንቲ’ዚ ቅዱስነቶም ኩሉ ብዛዕባ እቲ እንሓንጾ ዘሎና መጻኢ ዓለምን እንስዕቦ ሜላ ሕንጸትን ክንምርምር ድማ ብምትሕስሳብ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ስነ-ምህዳራዊ ቅልውላው ንውሳጣዊ ምልዋጥ ጻውዒት እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣጣሚሩ፡ ከም ኣመንቲ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮን ብዘሎና ጥዑይ ርክብ እውን ክግለጽ ኣለዎ። እቲ ስራሓት እግዚኣብሔር ዓቀብቲ ዝብል ጸዋዕታና ኣማራጺ ወይ ከኣ ከም እስላምን ክርስትያንን ኣብ ዘሎና ሃይማኖታዊ ተግባር ጠርዚ ዝቕመጥ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሃይማኖ ቀንዲ ረቛሒታት ክፍሊ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መልኽቲ ተነቢሩ ከምዘሎ ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ካብ ወርሃ ጾም ራማዳን ዝምንጭው ሃማኖታዊ ቅዱስ ሓሳብን ቡራኬን ንስድራ ቤት ዘርኢ ሰብን ተፈጥሮን ንክትከናኸኑ ብሓገዝ እግዚኣብሔር ኣብ ጐዳና ሕይወትን ሰላምን ለውሃትን ይምራሕኩም እንክብል ከምዘጠቓለለ ማሶቲ ገሊጸን።    








All the contents on this site are copyrighted ©.