2017-06-03 17:06:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ጓስይን መግብን፡ ከም ገዛኢ ዘይኰነስ ብትሕትና


ኢየሱስ ነቲ ካብ ኵሎም እዚዩ ሓጢኣተይና ንዝነበረ ጴጥሮስ ኣባጊዑ ብፍቕርን ብትሕትናን ከጓስየን ክሕልውን ኣሚኑ የረክቦ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 2 ሰነ 2017 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ግብረ ሐዋርያት 25, 13-21 ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 21 ካብ ፍቕዲ 15-19 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥

ኢየሱስ ኣባጊዑ ዝጓስየሉን ዝሕልወሉን ዝኣልየሉን ነቲ ኣዚዩ ሓጢኣተይና ዝነበረ ኣባጊዔይ ኣብልዕ እንክብል ይመርጾ

ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ኣብ ጥቓ እታ ንመጀመሪያ ጊዜ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ሰዓበኒ ዝበለሉ ቦታ መሊሱ ይግለጽ፡ ናይቲ ሰዓበኒ ዝብል ጽዋዕታ ምሉእ ትርጉሙ የነጽረሉ፡ ከም ኣዕሩኽ ቅሳነትን ህድኣትን ዝዓሰሎ ዘተ ምስ ጴጥሮስ የካይድ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዕያውተይ ኣብልዕ እንክብል ተኸናኸነን ሓልወን እንክብል የረክቦ፡ ቅድሚ እዚ ሓላፍነት’ዚ ግና ሰለስተ ሳዕ እናደጋገመ ተፍቅረቡ ዶ? እንክብል ይሓቶ፥ ስምዖን ወዲ ዮና! ካብዚኣቶም ኣብሊጽካ ተፍቅረዲ ዶ? ኢየሱስ ነቲ እዚዩ ሓጢኣተይና ዝዀነ ሰብ ይመርጽ።

ዋላ ምግጋይ ይሃሉ ብትሕትና ሕዝቢ እግዚኣብሔር ምእላይን ምሕብሓብን

እቲ “ኣዚዩ ሓጢኣተይና” ዝነበረ ኢየሱስ “ንሕዝቢ እግዚኣብሔር መጓሰ” ክሕብሕብ ይሓርዮ”ኣባጊዔይ ሓሉ”። ኢየሱስ ከምዚ ምግባሩ ክተሓሳስበና ኣለዎ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ነተን ኣባጊዑ ብፍቕሪ ክሕብሕበን ይሓቶ። ከም ዓቢይ ገዛኢ ብርእሳውነት ዘይኰነስ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ብትሕትናን ብፍቕርን እገልግሎትን እዩ ዝብሎ። እዚ ተልእኾ’ዚ እዩ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ሓደራ ዝብሎ። ምስ ሓጢኣቱን ጌጋታቱን ኩሉ። ጴጥሮስ እዚ ሓላፍነት ምስ ተቐበለ ከይወዓለ ከይሓደረን ድማ ጌጋ ይፍጽም፡ ይወድቕ ንኢየሱስ ድማ ጐይታይ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ እንክብል ሕቶ የቕርበሉ። ንሱ ኸ መን ምዃኑ እዩ? እናበለ ዝሓትት ዝነበረ ጴጥሮስ ምስቲ ኵሉ ምውዳቑን ሓጢኣቱን ኢየሱስ ብፍቕሪ ሓረዮ። “እተን ኣባጊዕ ናተይ እምበር ናትካ ኣይኰናን … ንስኻ ዓርከይ እንተድኣ ኲየንካ ኣፍቅረን ሓብሕበን … ዓርኪ ኹነን”

ጴጥሮስ ከም ኢየሱስ ዘይኰነ ንቑልቁል ክስቀል መረጸ

“ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ እታ ኣገልጋሊት ሊቀ ካህናት ንኢየሱስ ኣይፈልጦን እየ ቢሉ ከምዝኸሓዶን፡ ኣፉ መሊኡን እግሩ ረጊጹን ከምዝኸሓዶ ልክዕ ከምኡ ኣርጊጹን ብምልኣት ኣሚኑን ከኣ ንስኻ ክርስቶስ ወልደ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ ቢሉ ቃለ ኑዛዜ የስምዕ። ጴጥሮስ ንኢየሱስ ክኽሕዶ እንከሎ ምልስ ቢለን ዝጥምትኦ ዝነበራ የዕይንቲ ኢየሱስን ጥማቴ ኢየሱስን ይዝክር። ንምኽሓድ ተባዕ ዝዀነ ሰብ ተጣዒሱ ዝነብዕ እዩ። ንኽኽሕድ ዘይፈርሔ ተጣዒሱ ኣምሪሩ ብዝፈጸሞ በደል ካብ ልቡ ዝነብዕ እዩ፡ ናይ ጴጥሮስ ንብዓት ናይ ሓሶት ኣይነበረን።

ጴጥሮስ ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ክሳብ መስዋዕትነት ኣብ መስቀል። ዘይተዓበየ፡ ከም ጐይታ ዘይበለ፡ እወ ስቐሉኒ ግና ጐይታ ስለ ዘይኰንኩን ኣገልጋሊ ጐይታ ኢየሱስ እየ እሞ ንቑልቁል ስቐሉኒ። ካብቲ ኣብ መንጐ ኢየሱስን ጴጥሮስን ዝግበር ዘተ እንመሃሮ እዚ እዩ። ኣገልጋሊ፡ ምግልጋል ክሳብ መስዋዕትነት፡ ጐይታ በቲ ጐይታ ዝህበና ክብሪ ርእሶም ኣቕኒዖም ዝኸዱ እምበር ርእሲ ዘይኰኑ ሓጢኣተይናታት ምዃኖም ዝኣምኑ ርእሰ ትሁታንን ልበ ትሁታንን ነቲ እንኰ ዝዀነ ጐይታ ኢየሱስ ኣገልጋሊ እየ ዘብል ጸጋኻ ኦ ጐይታ ዓድለና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.