2017-05-27 18:02:00

ር.ሊ.ጳ ኣብ ጀኖቫ፣ ‘ለጋስ ከተማ ንጽጉማት መዓጹኣ ዘይተገፍትን’


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ጀኖቫ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ቀዳም ዕለት 27 ግንቦት 2017 ዓምፈ ንግሆ በቆጻጽራ ሰዓት ሃገረ ጣልያን ሰዓት 8.15 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይቲ ዓዲ ምስ በጽሑ ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮን ናይታ ከተማ ከንቲባ ማርኮ ዶርያን ናይቲ ዞና መንእሰያት ኣቦ መንበር ቶቲን ዝርከብዎም ተቀቢሎምዎም፣

ኣብዚ ጽዑቅ ጉዕዞ እዚ ቅዱስነቶም ንቤተ ክርስትያን ሊጉርያ ክበጽሑን ምስ ሠራሕተኛታት ናይቲ ከባብን መንእሰያትን ክራኸቡ ምዃኖም ከምቲ ብኣጋኡ መርሓ ግብር ወጺኡ ዝነበረ እንክፍጸም ምሳሖም ምስ ስደተኛታትን እሱራትን ድሕሪ ተቋዲሶም ኣብ ጋስሊኒ ዝበሃል ሆስፒታል ሕጻናት ተዓቊቦም ምስ ዝርከቡ ሕጻናት እውን ተራኺቦም፣ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዝኾነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ናይ ባሕሪ ዕዳጋ ዝብልዎ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ሰፊሕ ጐልጐል ናይቲ ዓዲ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ቀዲሶም፣

ቅዱስነቶም ኣቀድም ኣቢሎም ‘ዝኸበርኩም ደቂ ጀኖቫ ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ናይ ሰላምን ተስፋን ክበጽሓኩም እመጽእ ኣሎኹ፣ ጀኖቫ ለጋስ ከተማን ንጽጉም መዓጹኣ ዘይትዓጹን ምዃና እፈልጥ እየ፣ ነቶም ካብ ጥሜትን ድኽነትን ውግእን ንዝሃድሙ ተቀቢላ ምስ ማሕበረሰባ ንምውህሃድ እትጽዕር ከተማ እያ፣ ባሕቲ የካቲት ናይ 1929 ዓምፈ ኣቦሓጎይ ጆቫንን ኣደዓባየይ ሮዛን ኣቦን ማርዮን ካብ ከተማኹም ብጁልዮ ቸሳረ እትበሃል መርከብ ከምዝነቀሉ ከይዘከርኩ ክሓልፍ ኣይደልን፣ ናብቲ ንሶም ዝነቀሉሉ ቦታ ከም ውሉድ ስደተኛታት ኮይነ ናብቲ ንሶም ዝነቀሉሉ ቦታ እንክምለስ ንእትገብሩለይ ተቅባል ኣመስግነኩም፣ ጸገማት ከምዘይሰኣኑ እፈልጥ እየ፣ ሥራሕ ኣልቦነት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑን እዚ ጸገምዚ ንመንእሰያትን ሰብ ማእከላይ ዕደመን ክሳብ ክንደይ ከምዝጐድእን ምናዳ ከኣ ንሕይወት ብዙሓት ሥድራቤታት ከምዝጸሉ እፈልጥ! ደቂ ጀኖቫ ናይ ኣብ ጥቃ ባሕሪ ዘላ ከተማ ነበርቲ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ጉዕዞን መርበባትን ከመይ ከምዝጥቀሙ ዝፈልጡን ኮይኖም ናይ ርክብ መርበብ ምፍጣርን ተሓባበርትን ምዃኖም እውን እፈልጥ’ እንክብሉ ናይ ልቦም ገሊጾምሎም ነሮም፣

ቅዱነቶም ሎሚ ንግሆ ጀኖቫ ምስ በጽሑ ዝገበርዎ ቀዳማይ ምብጻሕ ኣብቲ ብኢልቫ ዝፍለጥ ዓቢይ ፋብሪካ ብምብጻሕ እዚ ትካልዚ ዘለዎ ናይ ሥራሕ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ምስቶም ሠራሕተኛታት ተራኺቦም፣ ሠራሕተኛታት ናይቲ ትካል ድሙቅ ኣቀባብላ ገሮምሎም፣ ክንዲ ኹሎም ኮይኖም ናይ ጅኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ነዚ ዚስዕብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ሂቦም፣ ‘ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ጀኖቫ ኣብ እተካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም ቀዳማይ መረሐ ግብሪ ዝገበርክውምዎ ምስ ናይ ሰራሕተይና ዓለም ምራኻብ እዩ፡ ብዙሕ ጊዜ ደጋጊምኩም ባዕልኹም እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከምዝገለጽክምዎ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነት ስራሕ ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ከምዝርከብን ስእነት ስራሕ እናሰፍሔ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ንናይ መጻኢ ሕይወቱ ምንም ዓይነት ውጥን ከይህልዎ ይዳርግ ከምዘሎን፡ ከምኡ እውን ናይቶም ስድራ ቤት ዘለዎም በጽሒ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ኩነታቶም ንኸቢድ ሽግር ኣቃሊዑ ይርከብ። እዚ ርክብ እነካይደሉ ዘሎና ስፍራ ድማ በጋጣሚ ዝተሓርየ ዘይኰነስ ኣብ 1943 ዓ.ም. ኣብ ጀኖቫ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንስራሕን ሰራሕተይናታትን ዘለዎ ቅርበት ዝምስክር እዩ። ኣብቲ ጽንኩር ታሪኻዊ እዋን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፔይትሮ በኤቶ ተኸላኻሊ ሕዝቢ ንዝብል ፍሉይ ሽልማት ብቑዕ ተባሂሎም ዝተሰየምሉን ዝተሸለሙሉ ታሪኽ ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚህ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንሰራሕተይና ዓለም ዜጋታትን ዘለዋ ቅርበት ዝምስክር ብምዃኑ እዩ ዝተሓርየ። … ቤት ክርስቲያን ኣብ ጀኖቫ ናይቲ ከባቢ ኤኮኖሚ ብምትብባዕ ቅርበታ እናረጋገጸት ነዚ ድማ ናይ ስራሕተይናታት መንፈሳዊ ሓላፍቲ ብምምዳብ ናይ ስራሕተይናን ስራሕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እናሳለጠት ናይ ስራሕ ክብርን ስራ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዝሃቦ ክብሪ ምዃኑ ድማ ተስተምህር እቶም ኣብ ስራሕ ዓለም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ካህናት ድማ ብሰራሕተይናታት ፍቱዋትን እሙናትን ሰናይን ልባውን ተቐባልነት ዘለዎም እዮም።  ንምብጻሕኩ ቀዱስ ኣቦና ነመስግን የቐንየልና’ ኢሎም፣

ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታ ምስዛ ኣብ ወደብ ባሕሪ እትርከብ ኣቦኦም ከምስደተኛ ዝነቀለላ ከተማ ጀኖቫ ንመጀመርያ ግዜ ምርኻቦም ዓሚቊ ስምዒት ከምዝፈጠረሎም ምስ ገለጹ ብቀጥታ ናብተን በቶም ሠራሕተኛታት ብዛዕባ ሥራሕን ዘሎ ሻቅሎት ናይ ሸቅሊ ኣልቦነትን ዝቀረበሎም ሕቶታት ክምልሱ ጀሚሮም፣ ብሓደ ኣውፋሪ ንዝቀረበሎ ሕቶ ክምልሹ ከኣ ‘ሎሚ ናይ ሥራሕ ዓለም ሓደጋ እዩ ክንብሎ ንኽእል፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ሥራሕ ከም ሓደ ነገር እትውንኖን እትህቦን ክብሪ ገርካ ምርኣይ ተሪፉ እዩ፣ ሥራሕከስ ናይ ደቂሰባት ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት እዩ ስለዝኾነ ከኣ ናይ ክርስትና ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ኮይኑ ናይ ነፍስወከፍና ቀዳምነት ንር.ሊ.ጳ እውን ከይተረፈ ቀዳምነቱ ክኸውን ዘለዎ እዩ፣ ከመይ እግዚኣብሔር ነቦና ኣብርሃም ‘ኪድ ነቲ ዝህበካ መሬት ኣዕብዮ ሰሪሕካ ኣፍርዮ ተቆጻጸሮ’ ክብል ዝሃቦ ቀዳማይ ትእዛዝ እዩ፣ ካብቲ ሠራሕተኛ ዝኾነ ኢየሱስ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ቤተክርስያንን ሥራሕን ወትሩ ምሕዝነት እዩ ዘሎ፣ ሠራሕተኛ ኣብ ዘለዎ ተገዳስነትን ፍቅራዊ ጠመተ ጐይታን ቤተክርስትያንን ኣሎ፣ ንጹር ክኸውን ተስፋ እገብር! ናይ ወሃብ ሥራሕ ዋና ሓይሊ ክኸውን ዘለዎኸስ ተባላሓትነትን ፈጠራን ነቲ ወፍሪ እተካይደሉ ስራሕ ምፍቃር ነቲ ሰራሐኛታት ዘበርክትዎ ኢደ ጥበብን ፍልጠትን ዋጋ ሂብካ ብኣኡ ምዂራዕ፣ ናይ ነፍሲወከፍ ጥዑይን ቅርዑይን ቁጠባ መሰረታዊ ዓንዲ ጥዑይ ኣውፋርን ወሃብ ስራሕን እዩ፣ ብዘይ ጥዑይ ኣውፋርን ወሃብ ስራሕን ጥዑይ ቊጠባ የለን፣ ብዘይ ናይ ሓደ ኣውፋርን ወሃብ ስራሕን ፈጠራ ማለት ፈጠራ ስራሕን ምህርትን ጥዑይ ቁጠባ የለን፣  ልዕሊ ኩሉ ግን ናይቶም ሰራሕተኛታት ሓይልን ብልጫን ክብርን ዋጋ ሂብካ እቲ ስራሕ ብጽቡቅ ከምዝካየድ ምግባር የድሊ፣ ብወገን ሰራሕተኛ ይኹን ወሃብ ስራሕ ንገንዘብ ጥራይ ከይከውን ምጥንቃቅ የድሊ ስራሕ ክብሪ ወዲሰብ ስለዝኾነ እቲ ኣስራሕ ንሰራሕተኛታ ክፍልጦም ኣብ ጎኖም ኮይኑ ምስኦም ክሰርሕ ኣለዎ፣ እቲ ኣውፋሪ ወይ ወሃብ ስራሕ ቀዳማይ ሰራሕተኛ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ፣ ነቲ ጻዕርን ሓጐስን ብሓባር እናተኻፈልካ ንጸገማት እሂን ምሂን ብማለት ፈቲሕካ ብሓባር ሓደ ነገር ምፍጣር የድሊ፣ እታ ዝመረረት ጉዳይ ካብ ስራሕ ምብራር ኮይኑ ንጸገማቱ ሰራሕተኛታት ብምስንባት ክፈትሕ ዝጽዕር ወሃብ ስራሕ ቅርዑይ ኣይኮነን ሎሚ ሰባት ክሸይጥ እዩ ጽባሕ ከኣ ክብረቱ ስለዝሸይጥ ኩሉ ብሓባር ወላውን ነቲ ስቃይ ብሓባር ምክፋሉ የድሊ ካብዚ ሓደ ጽቡቅ ነገር ክፍጠር ይከኣል፣ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ድሕሪ ቅዳሴ ሓደ ሰብኣይ እናበኸየ መጺኡ ‘ሓደ ጸጋ ክትልምኑለይ መጺኤ፣ ብኹሉ ጠፊሸ ኢለ ንክእውጅ ቊሩብ ተሪፉኒ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ሓደ ስሳ ዝኾነ ሰራሕተኛታ ከፋኑ እግደድ ኣሎኹ፣ እዚ ከኣ ንርእሰይ እውን ካብ ስራሕ ክሰናበት እዩ ማለት እዩ’ ኢሉኒ፣ ይበኪ ነሩ ይቃለስ ነሩ ንገዛእ ርእሱስ ይኹን ምእንቲ እቶም ብጾቱ ይጽሊ ነሩ፣ ንፉዕ ኣውፋሪ ወሃብ ስራሕ ዝበሃልከስ እዚ እዩ፣ ናይ ቁጠባ ሕማም ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ እዚ ሕማም እዚ ከኣ ኣውፋሪ ወሃብ ስራሕ ተዓዛባይ ክኸውን ከሎ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ኢየሱስ ዕሱብ ዝብሎ ተጻይ ሕያዋይ ጓሳ እዩ፣ ናይ ስራሕ ፋብሪካታት ብሕያዎት ኣውፈርትን ወሃብቲ ስራሕን እንተተመሪሐን ኣዕሩኽ ደቂ ሰባትን ኣዕሩኽ ድኻታትን ይኾና። ካልእ ዘፍርህ ነገር እውን ኣሎ፣ እዚ ከኣ ፖሎቲካ  ቢሮክርያሳዊ ሕልኽልኻት ክፈጥርን ንኩሉ ክቆጻጸርን ምስ ዝደሊ እዩ፣ ኮይኑ ግን ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ሕያዎት ኣውፈርቲ ማልን ወሃብቲ ስራሕን ስለዘለው ተጻይ እዚ ኩሉ ማሕለኻታት ንቅድሚት ይግስግዙን ይጋደሉን ኣለዎ፣ ከምቲ ናይ ሪፓብሊክ ሃገረ ጣልያን ፕረሲደንትን ምሁር ቁጠባን ዝነበረ ልዊጂ ኤናውዲ ዝበሎ ‘ክንዮ መኽሰባትን ጭቆናን ዝሰርሑን ሰፍርዩን ዝኸስቡን ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ኣለውና፣’ ስለዚ ኣውፈርቲ ወሃብቲ ስራሕስ ኩኑ ሰራሕተኛታት ካብቶም ተዓዘብቲ ዝበልናዮም ኣሰላሰልቲ ተጠንቀቁ፣ ወላውን ብሕግታትን መምሪሒታትን ንቅየድ ኢና እንተበሉ ኣብ መወዳእታ ግን ንረብሓ ናይዞም ዘሰላስሉን ዝዕዘቡን ስለዝኸውንን ንሕዝቢ ብዘይ ስራሕ ስለዝጥንጥኑን ምጥንቃቅ የድሊ’ እንክብሉ ምስ ኣተሓሳሰቡ ኣብ መወዳእታ ካብ ክልተ ነገራት ክጥንቀቁ ሓደራ ኢሎም፣ እታ ሓንቲ ባርነት ስራሕ ቢሎም ዝገለጽዋ ወትሩ ኣብ ስራሕን ንስራሕ ብምሕሳብን እቲ ሰራሕተኛ ክህልዎ ዘለዎ መሰል ናይ ነጻ ግዜ ማለት ሓደ ሰራሕተኛ ንከዕርፍስ ይኹን ምስ ስድራቤቱ ከሕልፎ ዘለዎ ነጻ ግዜ ናይ ግድን ክህልዎ ስለዘድሊ ከም ባርያ ጅሆ ሒዙ ምሉእ ግዜኻን ቀልብኻን ናይ ስራሕ ባርያ ካብ ምዃን ጥንቃቄ ከምዘድሊ ከምኡ እውን ናይ ዘመንና ሕማም ዝበልዎ ብኮንሱሚዝም ዝፍለጥ ናይ ምህላኽ ዕላማ ዘደንፍዕ ስነሓሳብ ክውገድን ክብሪ ወዲሰብን ስራሕን ንምፍራይን ምህላኽን ምኽሳብን ከምዘይኮነ ብምግንዛብ ቃሎም ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.