2017-05-25 16:56:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከፊቶም


ዕለት 23 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫኢካን ጉባኤ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ሰዓት 16.30 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ብዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

እዚ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ነቶም ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉን ናይ ተእዀ ዘመኖም ዘብቕዔ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ተካኢ ዝዀኑ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ሰለስተ ኣስማት ንቕዱስ ኣቦና ከቕርቡ ምዃኖም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥ ናይቲ ጉባኤ ርእሰ ነገር “መንእሰያት፡ ንናይ እምነት ርክብ”  ዝብል ከዝዀነን ዕለት እቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ካሊያሪ ንኽካይድ ዝተወሰነ ናይ ኢጣሊያ ናይ ማሕበራዊ ሰሙን ጉባኤ ናይ ምቅርራባት ጉዳይ ከምዝዝትይን፡ ቀጺሉ እውን ኣብ ኢጣሊያ ኣባይቲ ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕደራዊ ሕጋውነት ፈልዩ ከምዝምልከትን ዕለት 24 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኢጣሊያ ብሁባሬ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሁባሬ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ዕለት 25 ግንቦት ድማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣጥሪዩም (ዛሬባ) ልክዕ ሰዓት ሓደን ፈረቓን ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳ ኢጣሊያ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ምዃኖም ኣፍሊጠ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ መበል 70 ሓፈሻዊ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ንኸጀምሩ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ፍቑራት ኣሕዋት

ኣብዘን ዝሓለፋ ማዕልታት ነቲ ምሳኹን ብዘካይዶ ርክብ እንክሓስብ ነቲ ናይ

“ሰብ ውሽጣውነት ልዙብ ኣእማኒ”  መፈስስ ቅዱስ ተማሕጺነን ብሃቂ ብዘይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ፥ “ኣብ ሰብ ባዶነት ህልው ይኸውን፡ ብጀካ ገበን ሓደ’ኳ ዘይብሉ” ምስ ኰነን ድኻምና ኩሉ ከንቱ ኰይኑ ምስ ተረፈን። ብፍቕሪ ጥራሕ ከዝደሓና ንምስትውዓል እውን ምተሰኣነና፡ ማለት ድማ ኣባና ፍቕሪ ህልው ኣይስኰነ። ካብ ህያው እግዚኣብሐርን ቅዱስ ሕዝቡን ርሑቓት ምስ ኰንና፥ ነዓ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ባይ ብርሃንካ ጩራ ኣብ ማእከልና እውርድ ንምእመናን ነቶም ኣባኻ ንዝተኣማመኑ ቅዱሳት ህያባትካ ዓድል”

እንክብሉ ጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ ከመዕረጉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

እቲ ቀዳማይ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ጊዜኻ ንምክፋል ስንድው ምዃንን ጽን ምብህሃልን መሃዝነን ምጽንናዕን እዩ እዚ ድማ ሓደኣዊ ስምምዕ-ሓደ ምዃን እዩ። እዘን ናይ ኣኼባ መዓልትታትኩም ግልጺን ትሑትን ቅኑዕን ምንጽጻ ዝንበረን ክዀና እምነየልኩም። ጽርድነት ናይ ሓሳብ ፍልልያት እተተራእየ ከፍርሃና የብሉን። ኣብቲ ንብዙኃነ ርህዋት ዝገብርን እቲ ፍልልይ ኣብ ሕይውነታዊ ፍቕሪ ንዘተዓርቕ መንፈስ ቅዱስ ተወከፉ።

በቲ ካብቲ ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያናትኩምን ሰበኻታኩም ካብ ዝርአይ ንብዓትን ሓሴትን ዝምንጭው ንናይ ነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ህብቱም ዝዀነ ጳጳሳዊ ጉባእያውነ ንበሩ፡ ብሓባር ምጉዓዝ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅወሜ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ጭቡጥ ኩነት ብዓይንን ልብን እግዚኣብሔር ንኽትንትኑን ከተስተውዕሉን ዘብቅዕ ጸብጻብን ስእልን ከምኡ እውን ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምስዓብን ናይቲ ዝቖሰለ ናይ እዋናዊ ሕይወት ኣገልጋሊ ንምዃን ቅድመ ኩነት እዩ።

ጉባእያውነት እስትንፋስን ከይድን ክዋኔና ዘነጽርን ንውሳኔታትና ዘነቓቕሕ ውዕዉዕ ሱታፌኣውነት እዩ። በዚ ደረት-ትርኢት’ዚ ጥራሕ እዩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትናን ውሳኔታትናን ክንሕድስን ኣዋናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ንሎማዊ ዓለም ብቑዕ ዝገብር። በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ እዩ ናይዚ ጊዜ’ዚ ሕልኽልኽ ክንገጥሞ እንኽእል። ንቲ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጉዕዞ ኣፍልጦ ብምሃብ ኩሉ ብምብህሃልን ሙሉእ ሓሳብካ ካብ ዕቑርነት ናብ ቅሉዕነት እናውረድካ ኩሉ ንምብህሃል ብቖራጽነት ንቐጽል።

ብርግጽ እዚ ከይዲ’ዚ ብዕጽወትን እምቢታን እውን ዝተሰነይ እዩ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ዝተመሓላለፈ እሙን እምነት ኣብ እሙን ምስክርነት ምጉዳልን ዝረአይ ዘይእሙንነት ነቲ ዝተመሓላለፈ እምነት ከቢድን ካብቲ ንኸሳድድ ዝመጽእ ዓለም ኣብ ልዕሊ እምነት ዝወርድ ሕደጋ እዚዩ ዝኸበደ ስግኣት እዩ። ስለዚህ እዚ ኣስተውዕሎ’ዚ ድማ ትብጻሕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ናይ ዮሓንስ ራእይ መልእኽቲ ምዕ. 1፡ 4, ምዕ. 3፡ 22 ተቐበቲ ንኽንከውን ይሕግዘና። መንፈስ ቅዱስ ንሎማዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ጽን ንበሎ፡ ነቲ ኣባና ክፍውሶ ዝደልዮ መታን ከነስተውዕል ነቢያዊ መልእኽቱ “ነዓ፥ ኣቦ ድኻታት፡ ንዓ፥ ንስኻ ወሃቢ ጸጋታት፡ ነዓ፥ ብርሃን ልቢ” ቢልና ነእንግድ።

ልክዕ ከም ቤተ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን  መን ይፈልጥ ኣንሕና እውን ነቲ ፍቕሪ ነቲ ናይ ፋልማ ውዕዉዕን ህንጡይን ስምዒት ዝራሕራሕና ንኸውን። ናብቲ ኣናስር ምልስ ንበል ናብቲ ናይ ብጋሰ ዓንዲ ዝዀነ ናይ ፋልማ ጸጋ ምልስ ንበል ነቲ እሙን ናይ እግዚኣብሔር ከም ፍቓድና ብዝኾነ ኽርስቶስ ንኽንጥመት ንፍቀድን ብኣኡ ንኽንጥመት ገዛእ ርእስና ንሕደገሉ። እቲ እንኰ እድላዪ፡

“እዚ ኣብዚ ዝተኣከበ ጉባኤና ብናይ ክርስቶስ ብርሃን እንተዘይኰነ ብኻልእ ዝኹላዕ ኣይኰነን። ንሱ ናይ ዓለም ብርሃን እዩ። መንፈስና ቃል ናይቲ እንኰ ምምህርና ናይ ዝዀነ ጐይታ እንተዘይኰነ ካልእ ሓቅ ኣይንድለይ። ንሕግታቱ ንኣእ ብኹሉ እሙን ብዝዀነ እሺታን ምእዛዝ እምንበር ብዛዕባ ክልእ ኣይንሻቐል። ደጋፊና እዚ እማኔ’ዚ እተዘይኰይኑ ነቲ ድኹም ተኣማንነትና ዝድግፍ ካልእ ሓደ እኳ ይልቦን። ስለምታይ ኣብ ቃሉ ስለ ዘመልሐቐ ብምዃኑ፥ ‘ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኪሕልዉ ምሃኣርዎም። እነሆ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ’(ማቴ. 28,20) (ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 29 መስከረም 1963 ዓ.ም. ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዘስምዕዎ ዘረባ)”

ከም ናይ ሰምርኔስ ቤተ ክርስቲያን መን ይፈልጥ ናይ ድኻምነትን ብሕትውናን ምጭናቕ ብዛዕባ መጻኢ ክንነብር እንከሎና ናይት ከቢድ ፈተና ግዳይ ምስ እንኸውን  እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ነቲ ከም ሃይማኖተይና ሰብ ምስ እንሕልኖን እንጽበዮን ኵሉ ዘይተመዓራረየ ከምዝኾነ ምስ እንተስተውል ተናዊጽና ንተርፍ፡ የደናግርን የናውጽን የሰናኽልን። ናይ ትዕግስቲ ሓይሊ ናይ ኣበ ነፍሳት እምነት ኣባናን ሓይሊ ኣብ ዝዀነ ኣብቲ ዘደንቕ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ብጋሴ ዘንበርናዮ እምነት ንዓቅብ፡ ከምዚ ምስ እንገብር ነቲ ዘጋትመና ካልኣይ ሞት ኣይክንፈርሕን ኢና። ገዛ ርእስና ሞይቱ ምንባር ገዛእ ርእስና ክርስቶስ ንኽኸውን ኣይንፍራሕ።

ከም ናይ ጴርጋሞ ቤተ ክርስቲያን ምናልባት ኣንሕና እውን እምነት ምስ ዓለማውነት ናይ ወንጌላዊ ሕይወት ኣመክንዮ ምስ ስልጣንን ርእሰ ተዓዋትነትን ኣጣሚርና ንኸውን … ቤተ ክርስቲያን ከም ናይ ማሕበራዊ ቤት ጽሕፈት ገይርና ንሓስብ ንኸውን። ናይ ውስጣዊ ርትዒ ጉድለት ዝዀነ ክልተ ጐይቶት ንምግልጋል ንፈታትን ንኸውን። እቲ ኩሉ ከንቲ ዝዀነ ህንጠያን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጭኑቓት ኰይና ምንባር ብቐጻልነት ጠመተና ኣብቲ ኣብ ትሑታት ኣሕዋትናን ዘሎ ኣብ ጐይታ ነንብር፡ ከምዚ ምስ እንገብር ድማ ብሓቂ ምስቲ ናጻ ዘውጽእ ሓቂ ክንራኸብ ኢና።

ከም ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮን እምነት ክርስትና ናብቲ ኣልቦ ጭቡጥነት ዝዀነ ተርታ መሰረተ ሕግን ደንብ ነነኣእሶ ንኸውን፡ ከምዚ ክኽወን እንከሎ ድማ ናብቲ ጭቡጥ ኩነት ዝይምግዳስን ንናይ ሓው ኣካል ንኽንግደስ ናብ ዘይገብር ዘይስግው መንፈሳውነትን ይውደቕ፡ ናብቲ ትርጉም ዘለዎ ኣገዳሲ ዝዀነን ናብ እምነትን ፍቕሪ ንጐይታን ኣገልግሎትን ናብቲ ብናጻን ብሓሴትን ምግልጋል ንመለስ። እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተሓሳባን ትግባሬን ንፈጽም ምስቲ ዕራርቦ ዘይፈልጦ ወርሒ ምስ ዝዀነ ጐይታ ብሓቂ ሱታፌ ክህልወና እዩ።

ከም ናይ ሰርዴስ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ካልኦት ኣገባብን ፍርድን ኩነት ተደሪኽና ብራእዩለይን ብደጋውን ብበለጽን ዝተማረኽና ክይንኸውን። ፍሉይነት ክርስትና ግና ወንጌል ብቓን ግብርን ጭቡጥ ተኣዝዞን ብህያው ተኣማንነትን ንስልጣናት ዕቡያትን መናወጽትን እምቢ ብምባልን ምስ ትሑታት ብምዕራኽን ምስ ስኡናት ብምክፋልን ምእንጋድ እዩ። ብፍቕሪ ኣብ ሕቶ ክንኣቱን ብፍቕሪ ንኽንሕተት ገዛእ ርእስና ንፍቀድ፡ ናይ ስኡናት ጥበብ ሃብትና ንግበር ንምጻል ዘይኰነስ ውህደት ነተባብዕ፡ ከምዚ ምስ እንገብር ብምሕረት ኣብ ናይ ሕይወት መዝገብ ተሳተፍቲ ክንከውን ኢና።

ከም ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያ ኣብ ጽንዓትን ብዘይ ፍርሒ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ንኽንኣቱን ስለ እቲ ብፍሉጽ ሃብቲ ዝዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ኩሉ ብዘይ ገታእ ሸይጥካን ንናይ ተልእዀ ጸጋ ክፉት ምዃን፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዕጽው ዝኸውን ማዕጾ ብትብዓት ብጐይታ ክንሓልፎ ኢና። ኩሉ ኣጋጣሚ ንኽልእ ቀረባ ንምዃን ክንጥቀመሉ ኢና። እቲ ብሉጽ መባኹዕቲ እውን ንበይኒ ክግነትን ክሕሰብን ዝከኣል ኰይኑ ጥራህ እዩ ዝተርፍ። ትሑት ምስ ዝኸውን ግና ንዝቡሕ ሓርጭ የቡኲዕ፡ ኣብ ናይ ዘርኢ ሰብ ከተማ ንተሓወስ ብስቶም ናይ ዝተፈላለዩ ባህልታት ሃብቲስ ስሉጥ ምርኻብ ይሃልወና። ብሓባር ስለ ናይ ኩሉን ናይ ንፈሲ ወከፍን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ንትጋህ፡ ከምዚ ምስ እንገብር ናይታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ዜጋታት ኰይንና ክንርከብ ኢና።

ፍቱዋት ኣሕዋተይ ጐይታ ጠሪሹ ንኽጸቕጠና ኣይኰነን ናኣባና ዘተኩር፡ ምእንቲ’ዚ ካብ ፍቕሪ ኣብ ዝነቅል ግንሖ ግዚና ኣይነባኽን (ግብረ ሓዋ. 3,19 ረአ) ስለምንታይ ናብ ፍቕሪ እዩ ዝመርሕ፡ ንኽንበራብርን ንኽንነጽሕን ንኽንጸናናዕ ገዛእ ርእስና ንፍቀድ፡ ንምብርባርን ምንጻሕን ምጽንናዕን ሕራይ ንበል፥ ኦ መንፈስ ቅዱስ “ርስሓት ኩሉ ሕጸብ፡ ንቑጽ ኩሉ ኣተርክስ፡ ነቲ ዝደምይ ፈውስ፡ ነቲ ደረቕ ኣለምልም፥ ነቲ ዝሑል ኣውዕይ፡ ነቲ ዘንጊዑ መንገዱ ስሒቱ ዝቐነነ ኣቕንዕ

ነቲ ከም እወታውን ቅቡልን ክሳብ ጌርና ንርእዮን ወይ ከኣ ክስገር ኣይከኣልን እዩ ቢልና ብርግጽ ሱር ሰዲዱ እዩ ቢልና እንሓስቦም ኩነታት ከም ልሙድ ከይንገብሮ ጽንዓትን ትብዓትን ንሕተትት። ትንቢት ብሓይሊ ኵሉ ምትርባዕ ዝብል ሕጹጽ ጠለብ ኣየቕርብን፡ እንታይ ድኣ ነቲ ናይ ሓደ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ መለለዩ ዝዀነ ብናይ ብፁዕነት መንፈስ ተፈዊስናን ተነቓቒሕናን ትብዓትን ጽንዓትን ዝሓቱ ብኩነነታትን ኩነታት ደቂ ሰባትን ናብቲ ሰብኣዊ ኵነትን ክንውሰጥን ምርጫታት እዩ ዘቕርብልና። በዚ መገዲ’ዚ እቲ ቅድም ቀዳድም ብፍቕሪ ዝኹላዕ ወንጌላዊ ብስራትና ይቕረጽ። ብእማነ እናተንቀሳቐስና እዚ ሎማዊ ግዜ እውን እቲ ቅኑዕን ግቡእን ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ መንፈስ ዝረኣየሉ እንተዀነ መን ይፈልጥ። እቲ ካባና ትጽቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ብልሙእነት ክንፈልጦን ክነእንግዶን ከም ድላዩ ንኽንፍጽም እዩ።

“ፍጹም መጸናንዒ ናይ መንፈስ ጥዑም ጋሻ ጥዑም ቅሳነት ዝዀንካ መንፈስ ቅዱስ ነዓ”

ፍቱዋት ኣሕዋተይ፥ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ክንጓስይ ዝተጸዋዕና ኢና (ግብረ ሐዋ. 20፡ 28 “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትስያን ኣምላኽን ክትጓስዩ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ”፡ ናይቲ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ተልእኾ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣብ ቅድሚ የዕንትኹም ማንም ዘይርእዩን ንጹሉን ኣይኹን። ብናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ትኵር ሓልዮትን ቦቕባቕን ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ንኽትራኸቡ ብጽኑዕን ሓላይን መንፈስ ተመሊእኩም ውጹ። ናይቲ ካልእ ሰብ ሰናይን ክፋእትን ከም ናትኩም ኣስተውዒልኩም ብሞሳን ርህራሄን ሕይወት እተወፍዩ ኩኑ። እዚ ጸዋዕታኹም ይኹን። ስለምታይ ቅድስቲ ተረዛ ዘጸሕጻነ ኢየሱስ፥ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክትግብሩን ክነቓቕሑን ዝገብር ፍቕሪ ጥራሕ እዩ። ፍቕሪ እንተ ዝቕሕም ኔሩ ሓዋርያት ወንጌል ኣይ ምስ ሰበኹን ነይሮም፡ ሰማዕታት ናይ ደም ዋጋ ካብ ምኽፋል መንሰሓቡ ነይሮም”  ከም እትብሎ እዩ።

በዚ መንፈስ’ዚ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብኣቦ መንበርነት ንናይ ዓሰርተ ዓመታት ኣገልግሎቶም አመስግን። ውልቃዊ መስዋዕትነት ዝሓትት ኣብዚ ኣብ ኢጣሊያን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርከባሉ ጥንቃቔ ኣብ ዝሓትት ናይ ለውጢ ከይዲ ብትሕትና ንዘበርከትዎ ኣገልግሎት አመስግን። ምርጫ ተኸታሊኦም ንቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ምልክት ካብ ምዃን ካልእ ትርጉም የብሉን፡ ብመንፈሳውን ግብረ ኖላውን ልልያ ብጽሙር እዘራርባ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ብቓልን ተግባርን ዝተነብረ ፍቕሪ እዩ።

ስለይ ዓቃብን ምስክርን ናይ እምነትን ናይ ውህደትን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ንኽኸውን ዝተጸዋዕኩ ምሳኹም ስሌኹም ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ብሓሴት ነዚ ተልእዀ ክፍጽም ሓደራ ጸልዩ፥ “ነዓ መንፈስ ቅዱስ፡ ብቑዕ ጠባይ ዓድል፡ ቅዱስ ዕረፍት ሃብ፡ ዘለዓለማዊ ሓሴት ዓድል፡ ኣሜን”  








All the contents on this site are copyrighted ©.