2017-05-17 14:18:00

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ሓድሽ ዓይነት ስነ ሓሳብ ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ባህላዊ ምድሕርሓር እዩ


ሕቡራት መግስታት ዓለም ዕለት 15 ግንቦት ዝብዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣባይቲ ስድራ ምኽንያት ናይ 2017 ዓ.ም.“ስድራ ቤት፤ ሕንጸት፤ ምጡን መነባብሮ” ዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ክኸውን ከምዝገበረ እውን ክፍለጥ እንከሎ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣባይቲ ስድራ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቛም ዋና ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብፍላይ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣባይቲ ስድራ ዓቢይ ሓደጋ ብድሆትታ እያቶም ዝብሉ ንስድራ ቤት ዝምልከቱ ጉዳያት ኣማእኪሎም፥ ቅድም ቀዳድም እቲ ኣንሕና ዝብል በዓል ቤታዊ ኣድማስ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ክህሉን በዚ መሰረት’ዚ ድማ እዚ ኣንሕና ዝብል በዓል ቤታዊ ስድራ ቤት ሕብረተሰብ ዝሕነጸሉ ሓላፋ ሥፍራ እዩ ቢሎም።

ብዓለም ሓቆፍ ድረጃ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ካብቲ ባህርያዊ ናይ ጾታ ክፍፍል ማለት ኣንስታይን ተባእታይን ዝብል ወጻኢ ኅብረ ጾታ ኣሎ ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ትምህርቲ ሓደገይና እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ዝዀነ ሰብ ዝምባለ ክህልዎ ይኽእል ኰይኑ ግና እቲ ዝምባለ ከም ናይ ስነ ጾታዊ መሰረተ ሓሳብ ገይርካ ንስነ ጾታዊ ትምህርቲ ባይታ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ጌጋ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዝረአይ ዘሎ ነቲ ዝምባለ ከም መሰረተ ሓሳብ ዝገበረ ሓድሽ ዓይነት ናይ ስነ ጾታዊ ትምህርቲ እዩ ዝሰፍህ ዘሎ። እዚ ድማ ስነ ሓሳባዊ መግዛእቲ እዩ። እቲ ኅብረ ጾታ ኣሎ ዝብል ሓድሽ ዓይነት ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክቐርብ ዝብል ውሳኔ ባህላዊ መግዛእቲ እዩ ዝኸውን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስድራ ቤት ዘማእከለ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “እቲ ኅብረ ስነ ጾታዊ ትምህርቲ”  ዝብል ባህሊ ብሓቂ ሕብረተሰብ ንዳግመ ርኽበት ፍልዩነቱ ሓይሊ የድልዮ ካብ ዝብል ሓሳብ ኣዚዩ ዝደሓረ እዩ። ፍሉይነቱ ሽግር እይኰነን ስለዚህ ይወገድ ምባል መፍትሒ ኣይኰነን። ንኣብነት እቲ ኣብ መንጐ ሰኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ነቲ ባህርያዊ ኣድማስ ብምውጋድ ኣይፍታሕን። ሰብኣይን ሰበይትን ክዛተዩን ክመያየጡን ጽን ከበሃሃሉን ነናይ ነፍሲ ውከፎም ጽቡቕነት ክደላለዩን ከም መሓዙ ክከባበሩን ክተሓባበሩን ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።  ፍልልያት ናይ ታሪኽ ኣንቀሳቓሲ መትኒ እዩ። እቲ ሓድሽ ዓይነት መድሓርሓራዊ ባህሊ ከም መሰረት ገይርካ ምቕራብን ነዚ ባህሊ’ዚ ከም ጸቕጢ ጌርካ ምቕራብ እውን ንገዛእ ርእሱ ንድሕሪት ምጉዓዝ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ ባህርያዊ ሓቂ ዝምባል ከም መሰረት ክኸውን ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ባህላዊ ምንቁልቋል ይሰፍሕ ምህላዉ እዩ ዘመልክት።

እቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከም ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣባይቲ ስድራ መርሕ ቢሉ ዘቕረቦ ርእሰ ጉዳይ ሥራሕን ስድራን ዝተመዓራረየ ክኸውን ዝብል ተግባር ከም ሓሳብ ዘቕርብ እዩ። እዚ ድማ ወለዲ ንደቃቶም ክከታተሉን ኣብ መዕበያኦም ከሰንይዎምን ዝድግፍ እዩ። ስለዚህ ናይ ወላዲ ሓላፍነት ዕዉት ክኸውን ተፈጻምነት ክህልዎ ዘተባብዕ እዩ። ኰይኑ ግና ሎሚ ኣክንዲ ኣባይቲ ስድራ ማለት ወለዲ ኣብ ናይ ደቃቶም ሕንጸት ቀንዲ ተዋሰእቲ ምዃኖም ኣፍልጥ ካብ ምሃብ እቲ ናይ መንግስቲ ናይ ስነ ምምሃር ምርጫን ድላይን እዩ ዓቢይ ትኵረት ዝግበረሉ ዘሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መዳእ እቲ ዓቢይ ትኵረት ክግበረሉ ዝግብኦን ናይ ባህሊ ዓንዲ ክኸውን ዘለዎ ሕንጸትን ስድራ ቤትን እዩ። ናይ ስነ ምምሃር ታሪኽ ከምዝሕብሮ ናይ ርክባትን ዘተን መላግቦ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን እዚ እውን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዘሎ መስርዕ ማዕርግ ማለት ናይ ሓላፍነት ደረጃ ዘጠቓልል እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ብትኽክል ዘይምርዳኡ ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝተኸስተ ንኣብነት ልዕልና ተባእታውነት ዝብል ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዘምዝን ኣመለኻኽታ ከተኣታትው ዝከኣል እዩ። ኣባይቲ ስድራ ብናይ ስነ ሰብኣውያን ስነ ምርምራት እውን ተደጊፎም ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራን ሕብረተሰብን ኣባይቲ ትምህርቲን ናይ መንግስቲ ተቓማትን ኣብ ጉዳይ መነባብሮን ብሓድሽ ቃል ኪዳን ንናይ ሕንጸት ሓላፍነቶም ሓድሽ ሓይሊ ዝዀኖም መገዲ ከናድዩ ይግባእ።

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ቀጺሎም ኤኮኖሚያዊ ሓገዝ ንኣባይቲ ስድራ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት እውን ሓሳቦም እንክገልጹ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝምልከት ብፍላይ ኤኮኖሚያዊ ድጋፍ ንኣባይቲ ስድራ ዝብል ኣብ ቅዋም ሃገር ዘተነብረ ዓንቀጽ ብዝተፈላለየ መገዲ ከከም ናይ ሃገራት ባህልን ልምድን እዩ ዝንበር። ንኣብነት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት መጠነ ወሊድ ዘተባብዕ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ድማ ብዙሕ ዘየተባብዕ እዩ። ኰይኑ ግና ሎሚ ናብቲ ናይ ውላድ ልዑል ክብሪ ምምላስ የድሊ። ስለዚህ መጠነ ወሊድ ንምትብባዕ ጥራሕ ዘይኰነ ብኹለ መዳይ ኣባይቲ ስድራ ከከም መላግቦታቱ ድጋፍ የድልዮ። ኣተሓሒዞም እውን ንኣብነት ናይ ደቂንስትዮ ናይ ስራሕ ሕጊ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ እዩ። ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ወይ ስራሕ ወይ ወሊድነት ምረጺ ቢልካ ምግዳድ ኣይግባእን። ስለዚህ ምስ ኣደነታዊ ባህርይ ዝመዓራረይ ናይ ስራሕ ሕጊ የድልያ። ብሓፈሻኡ ምስ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ዝመዓራረይ ናይ ስራሕ መምርሒ የድሊ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራትን ምዕራባውያን ሕብረተሰብ ናይ ወልዶ ምድረ በዳነት ይሰፍሕ ኣሎ። ናይ ሎሚ ብዝሒ ውላድ ንናይ ጽባሕ መጻኢ ሃገር ውሕስነት እዩ። ከምዚ እንተዘይኰይኑ ሞት እዩ። ሰለዚህ ንስድራ ቤት ናይ ኤኮኖሚ ሓገስ ኣገዳሲ ዩ። ውላድን ኤኮኖሚ ሓገዝን ሱራዊ ምትእስሳር ኣለዎ ምባል ግና ጌጋ እዩ። ስድራ ቤትን ውላድን ዘተባብዕ ባህሊ ምስፋሕ የድሊ፡ እዚ ባህሊ እዚ ኣብ ፖለቲካን ኤኮኖምን መዳይ ምስራጽ እዩ ዘድሊ፡ ፖለቲካ ንገዛእ ርእሱ ዝትካእ ወለዶ የድልዮ እዩ። ኩሉ ሃገር ንገዛእ ርእሱ ሓድሽ ወለዶ የድልዮ እዩ። ብዘይ ሓድሽ ወለዶ ኵሉ ይጸንት እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።    








All the contents on this site are copyrighted ©.