2017-05-16 17:08:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዛዕባ መደብ ወግዓዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሕንጻ


ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ክቡርነቶም ሰርጆ ማታረላ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝገበርዎ ውግዓዊ ምብጻሕ ሞሳ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ርእሰ ብሔር ማታረላ ብዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ዕለት 10 ሰነ 2017 ዓ.ም. ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስት መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 15 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 27 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ጀኖቫ ኖላዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቡርከ ከምዝገለጹ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣስዒበን ዝርዝር ናይቲ መርሓ ግብሪ ኖላዊ ምብጻሕ፥

ቀዳም ዕለት 27 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንጎሆ ካብ ሃገረ ቫቲካን ሮማ ናብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ክነቕሉን ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ናብ ጀኖቫ ብነፋሪት ተጓዒዞም ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን ጀኖቫ ክበጽሑ እዮም።

ሰዓት ሸሞንተ ፈረቓን ኣብ ጀኖቫ ምስ ዝርከብ ኢልቫ ናይ እተሰምየ ናይ ፋብሪካ ሓጺን ሰራሕተይናታት ክራኸቡን ካብቶም ሰራሕተይናታት ንዝቐርበሎም ኣርባዕተ ሕቶታት መሰረት ገይሮም ምዕዳን ክልግሱ እዮም።

ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ድማ ምስ ናይ መላእ ክፍለ ሃገር ሊጉርያ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣብ ናይ ሊጉርያ ሐዋርያዊ መንበር ዘገልግሉ ተሓባበርቲ ዓለማውያን ምእመናን ከምኡ እውን ናይ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ኣብ ጀኖቫ ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ናይ ጀኖቫ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ካቴድራል ቅዱስ ሎረንዞ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስን ብፁዕ ካዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ንቕዱስነቶም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ኣቕረቡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐርበሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ክልግሱ ምዃኖም ኣፍሊጠን።

ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ናይ ከተማ ጀኖቫ ቤት ማሕቡስ ምስ ዝርከቡ መእሰያት እሱራት ብምስማዐ ርእየት ርክብ ብምክያድ ካብቶም መንእሰያት ንዝቐርበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ምዕዳን ከቕርቡን ቀጺሎም ልክዕ ሰዓት ሓደ ድኻታትን ስደተይናታትን  ግዳም ሓደርን እሱራትን ኣብ ዘሳተፈ መዓዲ ምሳሕ ምስ ተቛደሱ ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ርብዕን ኣብ ቤት ሕክምና ሕጻናት ጃኒና ጋስሊኒ ምስ ህሙማን ሕጻናት ክራኸቡን ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ኣብ ኣደባባይ ከነዲይ ተረኺቦም ካብ ብፁዕ ካዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ናይ እንቋዕ ደሓም መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ተዓጂቦም በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዝሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስብከት ክልግሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።

ልክዕ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቃን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎምን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መዳይቦ ዝጓዕዙላ ነፋሪት ናይ ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘሎረቶ ንእሽተይ ሓወልቲ ባሪዀምን ሰዓት ሽዱሽተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ድማ ተበጊሶም ሰዓት ሽውዓተን ፈረቓን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቻምፒኖ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምዝምለሱ ፒሮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ቡርከ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሰን የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.