2017-05-13 17:12:00

ናይ ፋጢማ ቤተ መቕደስ ዋና ኣመሓዳሪ፥ ካብ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ትንቢታዊ ቃል ተጸጊውና


መደብ ሓዋርያዊ ንግደት ቅዱስ ኣቦና ናብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ካብ መላእ ዓለም በኣማኢት ሺሕ ዝቑጸሩ ምእመናን ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ከምዝወሓዙ ናይቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ካርሎስ ካበሲኞስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ልኡኽ ጋዜጠይና ፋቢዮ ኮላግራንደ ኣብ አካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ምርኻቦም ዓቢይ ናይ ሓሴት ምኽንያት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመትን ከምኡ ኣውን ካብቶም እቲ ግልጸተ ማርያም ዝተዓደሉ ውሽጢ እቶም ክልተ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ንኽትእውጀሎም ዝፍጸም ሓዋርያዊ ንግደት ብምዃኑ ብሓቂ ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዓቢይ ናይ ደስታ ምኽንያትን ንእግዚኣብሔር ምስጋናን ክብርን ውዳሴን ይግባእ ዝብል እዩ። ናይ ቅዱስነቶም ናይ ሰላም ቃል ትንቢት ጽን ዝበሃለሉ ቅዱስ ኵነት እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ንግደት ናይ ፋጢማ ግልጸተ ማርያም መልእኽቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ትርጉሙ ዝትንትንን ዘረድእንእዩ። ስለዚህ እቲ ናይቶም ሓዋርያዊ ንግደት ስልጣናዊ ትምህርቲ ሓቆፍ እዩ። ኣብ እዋናዊ ዓለም እዋናዊ መልእኽቲ ግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ ዝትርጉም እዩ ቢሎም። መንፈሳዊ ነጋዶ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንፈሳዊ ንግደት ብሃረርታ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ድማ ሓቢሮም እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመትን ምእዋጅን ቅድስና ንፍራንቸስኮ ማርቶን ጃቺንታ ማርቶን ዝወዓለ ብምዃኑ ዓቢይ ዕለት እዩ።

ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘፋጢማ ናይ ሰላም ትእምርቲ እዩ ናይቲ ግልጸተ ማርያም መልእኽቲ ድማ ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ። ናይ ሰላም መልእኽቲ ምዃኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ገሊጾምዎ እዮም ብፍላይ ባዕሎም እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝተዀላለፈ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝረአየሉ እዩ ቢሎም ብምትንታን እዚ ናይቶም ንባብ እዋናዊ ታሪኽ ብዙሓት ሓቅነቱ ብምስትውዓል በዚ ትንተናኦም ብዙሕት እውን ተደኒቖም ሓቅነቱ የረጋግጹ ኣለዉ። ስለዚህ በዚ መሰረት እዚ እቲ መልእኽቲ ናይ ግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ መልኽቲ ሰላም እዩ ቢሎም ንኽገልጽዎ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዓለም ዘሎ ጽምኢ ብጥልቂ ስለ ዘንበቡ እዮም ምስ በሉ ኣዚ ሓዋርያዊ ንግደት ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ምእንቲ ሰላም ንኽንጽልይ ዘተሓሳስብን ዝምዕድን እዩ፡ ምእንቲ ሰላም ጸልዮም ተስፋ ንኽሕደስ የተባብዑ ቅድሚ ናብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንምቃሎም ኵልኻትኩም ኣብዚ ኣብ ናይ ተስፋን ሰላምን ዝፍጽሞ መንፈሳዊ ንግደት ክትሓብሩን በተን ኣብ ጸሎት ዝተግሃ ኣእዳውኩም ነእዳወይ ክትድግፉ እምሕጸን። ካብ ኵለን ኣዴታት ብልጽትን ዓባይን ዝዀነት ማርያም ክሳብ ኣብ ፍጻሜ ንዘልዓለም ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ትሓልወኹም  ከምዝበሉ ዘኪሮም ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ዘካይድዎ ቃለ አምሕትት ዛዚሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብወገኖም ናይ ኦረንሰ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሊዮናርዶ ለሞስ ማንታነት ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት እቲ ሎሚ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ተባሂሉ በሸሓት ዝቝጸሩ ነጋድያን ዘእንግድ ዘሎ ስፍራ ማንም ዘይፈልጦ ዝነበረ ቦታ እዩ ድሕሪ ግልጸተ ማርያም እነሆ ተስፋ ዘነቓቕሕን እምንቲ ሰላም ዝጽለየሉ ቅዱስ ስፍራ ክኸውን እግዚኣብሔር ብግልጸት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣቢሉ ወሲኑ እዩ ኢሎም።

እቶም ናይ ምሕረት ር.ሊ.ጳ. ተባሂሎም ዝግለጹ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘፋጢማ ክበጽሑን መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ብሓቂ ናይቲ ናይ ግልጸተ ማርያም ትርጉም ዝገልጽ እዩ። ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ስፍራ በጺሖም ነቲ መልእኽቲ ግልጸተ ማርያም ምስ እዋናዊ ኩነት ዘለዎ ምትእስሳር ዝተርጎሙ እዮም ሎሚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትርጉም ግልጸተ ማርያም ኣብ እዋናዊ ዓለም ይሕብሩ።

እብዚ ሎሚ እምነትን ሸለል ዝብልን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘወግድ ዓለም እቶም ቅድስና ዝተኣወጀሎም ፍራንቸስኮን ጃቺንታ ማርቶን ትኽክለይና ጎዕዞ ሕይውት ዝሕብሩ ናይ ዕለታዊ ሕይወት ኣብነት እያቶም። እዞም ክልተ ቅዱሳ ንናይ ሊሚ ትውልድ ከም ኣብነት ምቕራብ የድሊ። ስለዚህ ምስ እዋናዊ ዓለም ዝዛረቡ ቅዱሳት እያቶም። ኵሎም ቅዱሳት ኣብነት ሕይወት እያቶም። ቤተ ክርስቲያን ነቶም ቅዱሳት እዋናዊ ዓለም ከንብቦም ብዝኽእል ስልጣናዊ ትምርህቲ ተቕርቦምን ትገልጾምን፡ ተለወጡን እመንን ናይ ዝብል ቃለ ወንጌል ብርሃንን ኣብሰርትን እያቶም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኰላግራንደ ገሊጾም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.