2017-05-04 15:52:00

ጸብጻብ መጋባእያ ክርስቲያን ዛዕባ ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ህንዲ


“ውሑዳን ኣብ ሕድጋት፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ ብሔረ ማሕበራትን መንፈሳውያን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራትን ብሓባር ዛዕባ ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኩነታት ዝገልጽ ዘውጽእዎ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምእተመሓላለፈ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብቶም ሸቶታት ናይቲ መጽናዕታዊ ሰነድ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኩነት ኣብ ዓለምን ብፍላይ ኣብ ህንዲ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነት ግምት ክህበሉን ካብዚ ሕሊፉ እውን ኣብ ዘካይዶ ዋዕላ ክዝትየሉ ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘካይዶ ዋዕላ ዓቢይ ትኩረት ክወሃቦን እቲ ጸብጻብ ኣብ መላእ ህንዲ ንዝርከቡ ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ውሑዳን ሃይማኖታትን ብቐረባ መሕትት ብምቕራብ ዝተውሃቡ መልስታት ዘማእከለ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ ነቲ ሰነድ ጠቒሱ

ብዝሒ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ህንዲ ኣስታት 27 ሚሊዮን ምዃኑ ገሊጹ፡ ብመሰረት ናይ 2011 ዓ.ም. ናይ ሕንዲ  መንግስቲ ዘካይዶ ቆጸራ ሕዝቢ፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ህንዲ ማሕበረሰብ ሂንዱ 79.8 ሚእታዊ (966 ሚሊዮን)፡ ማሕበረሰብ ቤተ ምስልምና 14.23 ሚእታዊ (172 ሚሊዮን)፡ ማሕበረ ክርስቲያን 2.3 ሚእታዊ (27 ሚሊዮን)፡ ሲክ 1.72 ሚእታዊ (20 ሚሊዮን)፡ ቡድሃውያን 0.7 ሚእታዊ (8.4 ሚሊዮን)፡ ጃይኒስቲ 0.37 ሚእታዊ (4.4 ሚሊዮን)፡ ካልእቶት ካብዚ ንታሕቲ ዝግመቱ ቤተ ኣይሁድ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኣዚዮም ውሑዳን ዝበሃሉ ሃይማኖታት ዘጠቓልል 0.6 ሚእታዊ (7.9 ሚሊዮን) ዝሽፍን ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ከምእተመልከተን እቲ ዝተውሃበ ጸብጻብ ቆጸራ ሕዝቢ ልክዕ ካብቲ ኣብ 2001 ዓ.ም. ተዋሂቡ ዝነበረ ጸብጻብ ቆጸራ ህዝቢ ዘይተፈልየ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መጋባእያ ክርስቲያን ዝሃቦ ጸብጻብ ብናይ ሕንዲ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣግባብ መሰረት፥ ናይ ህንዲ ውሑዳን ሃይማኖታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ተኣፋፊ ከምዝዀነን ብፍላይ ኩነታት ክርስቲያን ደቂንስትዮ ሰንኵፍ ከምዝዀነን ጠቕላላ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሕንዲ ምእመን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ። ብዙሓት ኣብ መናፍስቲ ዝኣምኑ እምነት ክርስትና ዝተቐበሉ ከምዘለዉን ካልእቶ ካብ ናይ ሂንዱ እምነት ማሕበራዊ ቀጸላን ጸቕጥን ንምውጻእ እምነት ክርስትና ዝቕበሉ ዘጠቓልል ኮይኑ ኣብ ህንዲ ናይ ሃይማኖትን ኣምልዀን ነጻነት ብቕዋም ደረጃ ውሑስ እውን እንተዀነ ኣብ መነባብሮን ማሕበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን መዳይ ግና ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዔ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይቲ መጋባእያን ክርስቲያን ሰነድ ጠቒሱ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.