2017-04-27 17:06:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ማሕበር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣብ 1988 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾን ናይ እምነት ምስክርነቶም ኣብ ዓለም ንምድጋፍ ዝብል ካብ ዓለማውያን ምእመናንን ካህናትን ድላይ ነቒሉ ዝቖመ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ዘገልግል ር.ሊ.ጳጳሳዊ ማሕበር ኣባላት ዕለት 27 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን

ክቡራት ብፁዓን ካርዲናላትን

ዝተኸበርኩምን ዝተኸበርክንን ኣባላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ማሕበር

ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስን ንምስላምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንምፍጻም ዓመታዊ መንፈሳዊ ንግደት ምኽንያት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተኹም ኣባላት ማሕበር ሊቃነ ጳጳሳዊ ሰላላምታይ አቕርብ ቢሎም እቲ ምስኦም ዘካይድዎ ርክብ ብናይ በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ሓሴት ምዑዝ ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዕዉት ዝገበሮ ሕይወት ኣኽቢራን ብመንፈስ ቅዱስ ዝዕደል ሓድሽ ሕይወት ዘበስር ዝተቐበለቶ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዝሓደሰትሉ እዋን ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ዘልዎ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ እቶም ኣባላት ር.ሊ.ጳጳሳዊ ማሕበር ኣብ ዘለዓለማዊት ከተማ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ብተስፋ ኣብ እምነት ዘበርትዕን ዘጽንዕን፡ ነቲ ናይቲ ማሕበር ኣገልግሎትን ዝፈተላለዩ እቶም ኣብ ልቢ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናይን ባህርይ ዝተሓትሞን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ንምትብባዕን ንምድጋፍን ዝብል ተበግሶታትኩም ዘነቓቕሕን ዘጽንዕን ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ ዓመጽን ኢጎነትን (ንኣይነትን) ሸለልተይናነትን ዝተመልኤ እዋናዊ ዓለም ናይ ተስፋን ፍቕርን እምነት ምስክርነት ኣዚዩ ዝጸምኦ እዩ፡ ስለዚህ  እዚ ድማ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ምስክርነት እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የመልክት”  ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

እቲ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ማሕበር ቤተ ክርስቲያን እትህቦ ናይ ተስፋ ምስክርነትን ናይ ግብረ ሰናይ ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም እትፍጽሞ ኣግልግሎት ንምድጋፍ ዘለዎ ትግሃትን ቅሩብነትን ዝነኣዱ ቅዱስነቶም፥ በዚ ተእልኾ’ዚ ነሕዋትን ኣሓትን ቀረባ  ኰይና ብፍላይ ነቶም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ ዜጋታትን ኣብ ጎደና ምዕባለ ንዝርከባ ኣህጉራት እተካይዶ መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ብቐረባ ብምትብባዕ እቲ ማሕበር ዘርእዮ ተወፋይነት ዘሕጉስ እዩ ቢሎም፥ “

“ኵላትና ክም ኣባላት ክፍለ ኣካል ክርስቶስ ሓድነትን ሰላም ንመላእ ዘርኢ ሰብ ከም ፍቓድ ኣብ ብወልድ ንምንቕቓሕ ዝተጸዋዕና ኢና፡ ስለ እቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ድኻታት ኣሕዋትና ዘድልዮም ንኽረክቡን ካብቲ ዝወደቕሉ ድኽነት ንኽላቐቑ ምጽላይን ኩሉ ኣብ ጎድኖም ቆይሙ ኣብ ምድጋፎም ክተግህ ናይ ልቢ ምልዋጥ ክረጋግጽ ንምስፋሕ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስናን ውዕዉዕ ተመስጦ ኣብ ወንጌላውነትን ቀናእተይና ወንጌልን ኰይና ንኽትርከብ ንጸልይ። ሓደራኹም ስለይ ምጽላይ ከይትረስዑ፡ ኣብ ጸሎተይ ድማ ህልዋት ኢኹም”  

ቢሎም፥ “ፍቱዋተይ ብኸምዚ ዝበለ ቃል እናተባባዕኹኹም ብዓቢይ ተመስጦ ብኣኻትኩም ንኣባይቲ ስድራኹምን ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት እናተማሕጸንኩ ከም መረጋገጺ ምልክት ሓጎስን ተስፋን ኣብ ጐይታ ንዅላትኩም ሓዋርያዊ ቡራኬይ አቕርብ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.