2017-04-25 19:24:00

ዜና ዕረፍት ኣባ መብራህቱ ተስፋጊዮርስ ካህን ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን


ዜና ሕይወት ኣባ መብራህቱ ተስፋጊዮርጊስ  ብ፲፪ ግንቦት ፲፱፻፴፱  20/05/1947 አብ ሙሻ ተወልዱ  

ትምህርቲ  መባእታ፡    ባምቢ 1-2 ክፍሊ ኣብ ሙሻ ፈለሙ   ማእከላይ ፡ ከረን ቅ.ዮሴፍ ዘላሳል  3-6 ክፍሊ  ካልኣይ ደረጃ፡ 7-8  አብ ከረን ገዳም ዘርኣክህነት አብ ዘርአክህነት  አሥመራ  ካልኣይ ደረጃን ትምህርተ ፍልስፍና ምስ ተማህሩ። ንሮማ ኣብ ቅ.ቶማስ ኡኒቨርሲታ ናይ BA  ን MA ን ደረጃ ምስ ወድኡ ኣብ ኣሥመራ ብምምላስ  ብ29.12.1979 መዓርገ ክህነት ድሕሪ ምቅባል፡ ንሮማ ተመሊሶም ናይ PHD መደበ ትምህሮትም ዛዚሞም ናዓዶም ተመሊሶም፡ ኣብዘን ዝስዕባ ዓድታት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ፈጸሙ፡  ደረቍ -ሓቢንመንተል - ሽናራ - እንደገና  ሓቢንመንተል ብተወሳኺ  ካብ 1997 ክሳብ 2010 ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ ተቅዋመ ፍልስፍናን ተሎጊያን ኣስተምሃሩ፡ ምሳኡ ኣባል ኣማኸርቲ ኤጳርቅና ብምዃንን፡ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ዘኤጳርቅናታት ከረን ወባርንቱ ከም ተራዳኢ ፈራዲ ኮይኖም ክሳብ 2010 ኣገልገሉ።

ሕማሞ እናኸበዶም ብዝመጽኦ ከኣ ኣብ ኦስፐዳለ S. Raffaele del Monte Tabor ዘድሊ ሕክምና ተመላሊሶም ፈጸሙ፡ እንተኾነ ሕማም ዘይሓዊ ምዃኑ ምስ ተነግሮም፡ ብእምነትን ጽንዓትን ንዘጋጠሞም ከቢድ ሥቃይ እናተጻወሩ፡ ሓንቲ መዓልቲ ከየጉረምረሙ ጸንሑ፡ ኣብ  23 ሚያዝያ 2017 (፲፮ ሚያዝያ ፳፻፱) ናብ ሰኑይ ዘውግሕ ከኣ ብሰላም ዓረፉ።

ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ኣብ ዝርከቡሉ ኣብ መካነ መቃብር መጋርሕ ብሰላም ዓረፉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.