2017-04-18 16:27:00

ኣዋጅ ቅድስና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ንሳላሳን ሽዱሽተን ብፁዓን ኣዋጅ ቅድስና ንጎሆ ሰዓት ትሽዓተ ምስ መላእ ብፁዓን ካዲናላት ብሓባር ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ክመርሑ ምዃኖም ክምልከት እንከሎ ካብቶም ሓደስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና እትእውጀሎም እቶም ምስ እናቴ ሉቺያ ዶ ሳንቶስ ኣብ ሃገረ ፖርቱጋል ፋጢማ ግልጸተ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ዝተዓደሉ ክልተ ኣሕዋት ፍራንቸስኮን ጃቺንታ ማርቶን ዝርከብዎም ክኾኑ እንከለዉ፡ ብዛዕባ እዚ ኣዋጅ ቅድስና ኣመልኪቶም ናይ ስነ ማሪያም ሊቅን ናይ ግልጸተ ማሪያም ዘፋጢማ ተማራማሪ ኣብ ካታኒያ ቅዱስ ሉቃስ ናይ ስነ ሃይማኖት ስነ ምርምር ተቛም መምህር ፕሮፈሰር ኣንቶኒዮ ግራሶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቶም ግልጸተ ማርያም ዝተዓደሉ ነቲ ግልጸት ተቐቢሎም ሕይወቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብጥልቂ መንፈሳውነት ኣንቢሮም ነቲ ዝተቐበልዎ መልእኽቲ ግልጸት ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩን እቲ ካብ ቅድስቲ መርያም ዘፋጢማ ዝተቐበልዎ ግልጸትን መልእኽቱን ብሕይወቶም ንኹሉ ንቡብ ክኸውን ዝገበሩ እያቶም ኢሎም።

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ግልጸት ብዙሓት ናብ ገሃነም እሳት ክኣትዉ እዮም ቢላ ብዝነገረቶም ቃል መሰረት፡ ንምድሓን ንፍሳት ተጊሆም ኩሉ ክልወጥን መገዲ ኣምላኽ ክስዕቡን ብሕይወቶም ብዕለታዊ መነባብሮኦም መሳቕልን ስቓይን ሕማምን ኩሉ ስለ ድሕነት ነፍሳት ተቐቢሎም ክመኽሩን ነዚ ናይ ድሕነት ተልእዀ’ዚ ከምዘበሰሩን ብዙሓት ነፍሳት እውን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐቢሎም ሕይወቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንቢሮም ተለዊጦምን ሕይወት ክርስትና ምንባር ከምዝጀመሩን እቲ ቀዳማይ ተኣምር ድማ ብዙሓት ናብ መገዲ ኣምላኽ ምምላሶም እዩ፡ በዚ ከይተዓግቱ ድማ ሎሚ እውን ብዙሓት ብተኣምር ግልጸተ ማርያም ዘፈጥማ ክልወጡን ሕይወት ክርስትናኦም ብቓልን ሕይወትን ንኽነብርዎን ጸዋዕታ ክህነት ገዳማዊ ሕይወትን ተቐቢሎም ከም ፍቓድካ ንኽብሉ ይድርኽ ምህላዉ ገሊጾም።

ጃቺንታ ሰለስተ ጥልቂ መንፈሳዊ ፍቕሪ teቃልሕን ትኹስኩስን ከምዝነብረትን እቲ ቐዳማይ ፍቕሪ ቅዱስ ቁርባንን እቲ ካልኣይ ድማ ቅዱስ ልበ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያምን ጥልቂ ፍቕሪ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝብሉ ምዃኖም ገሊጾም፡ ስለ እዞም ሰለስተ ፍቕሪ ዝኽፈል መስዋዕትነት ይከፈል ብምልኣት ንኽትነብሮ ድልውቲ ከምዝነበረትን ጾምን ጸሎትን ተጋድሎን እተዘውትርን ስለ ድሕነት ነፍሳት ትገብሮ ዝነበረት ተጋድሎ እታ ካብቲ ነቲ ግልጸት ዝተዓደሉ ሉቺያ ብቐረባ ተፈልጦ ከምዝነበረት ባዕላ ሉቺያ ካብ ዝሃበቶ ቃል ምስክርነ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ጃቺንታ “ስለ እቶም ናብ ገሃነም ዝወርዳ ንፈሳት እነብዕ”  እናበለት ስለ ነፍሳት ድሕነት ዕለት ብዕለት ተጋድሎ ጾምን ጸሎትን ትነብር ከምዝነበረትን ፍራንቸስኮ እውን ስለ እቲ ተጋድሎኣ ይድነቕ ምንባሩ ባዕሉ ካብ ዝሃቦ ምዝክርነት ዝረጋገጽ ሓቂ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.