2017-04-18 16:32:00

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ውዕውዕ ተቐባልነቱን ትግባሬኡን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ስድራ ዘማእከለ “Amoris laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋያዊ ምዕዳን ንንባብ ካብ ዝበቕዕን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝዝርጋሕ እነሆ ሓደ ዓመት ከምዘቑጸረን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከቱ ተቛማትን ውዕዉዕ ተቐባልነትን ትሕዝቶኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እውን ብዙሕ ጻዕሪ ይግብረ ከምዘሎ ናይ ስነ ሕይወት ትቛም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣረጋጊጾም።

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ምኽንያት ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብወገን ምእመናን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ትኩረት ከምዝረኸበን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ኣዛሚድካ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ጥበብን ብቕዓት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ይሓትት። ንኣብነት ሚስጢረ ተክሊል ክስርዓሎም ዝደልዮ ምእመናን ኣብ ሰበኻታቶም ቁምስናታቶም ክረኽብዎ ዝግብኦም መሰናደዊ ሕንጸት ዓቢይ ቱክረት ክግበረሉን ነቲ ድሕሪ ሚስጢረ ተክሊል ምስራዕ ክፈጠር ዝኽእል ጸገም ብዓንተውኡ ክውገድ ዘኽእሎ ሕንጸትን ምቅርራብ ወሳኒ ብምዃኑ እቲ ናይ መቀራረቢ ሕንጸትን ድሕሪ መርዓ እውን እቶም ሓደስቲ መራዑት ብቐጻሊ መንፍሳዊ ስንዮታ ክረኽቡን ናይ ሰብ ሓድር ምዃንን ስድራ ቤት ምቛምን ዝህልዎም ተመክሮ ብፍቕርን ተስፋን እምነትን ክስትውዓልዎ ከምዘለዎ  ብምትሕስሳብ እዚ መደብ ምቅርራብን ስንዮታን ዘለዎ ኣገዳስነት ከይዝንጋዕን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝህቦ ናይ ለበዋ ውሳኔ ብቖሞሳትን ሰበኻታትን ዓቢይ ቆላሕታ ክግበረሉ የተሓሳስብ ኢሎም።

ምቅርራብ ናብ ምስጢረ ተኽሊልን ድሕሪ ስርዖት ምስጢረ ተኽሊል ሓደስቲ መራዑት ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ምስናዮም ዘለዎ ኣገዳስነት ነቲ ድሕሪ ስርዖት ምስጢረ ተኽሊል ኣብ መንጐ እቶም ሰብ ቃል ኪዳን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን ናብራ ሓዳርን ከጋጥም ዝኽእል ዘይምርድዳእ ናብ ፍታሕን ምፍልላይን ዘብጽሕ ጸገም ከይከውን ከመይ ክፍታሕ ከምዘለዎ ናይ ሓዳር ወይ ከኣ ቃል ኪዳን ቀንዲ ትርጉሙ ከብስሉን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክሕነጹ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣጽኒዑ የተሓሳስብ።

ብኻልእ መዳይ ብዛዕባ እታ ኣብ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣገባብ ለውጢ ክትገብር ዘተሓሳስብ እውን እዩ። እዚ ኸኣ ስድራ ቤት ክትከውን ኣለዋ ዝብል እዩ። ልክዕ ከም ሓንቲ ኣደ ንደቃ ክትርዳእን ከተሰንይን ኣብ ልልያ ከም እትድግፍን እታ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣባይቲ ስድራ ሓቋፊት ዓባይ ስድራ ክትከውን ኣለዋ። እቲ ናይ ኣገባብ ለውጢ ዝበሃል እዚ እዩ። ብዙሕ ኣዋን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ዘይቤተ ርስቲያናውያን ወይ ድማ ማሕበረሰብ ቁምስና ዘይ ስድራ ቤት ኣባይቲ ስድራ ኰይኖም ይርከቡ። እዚ ስድራ ቤታዊ’ዚ ልክዕ ቃል ኪዳን እዩ። ስለዚህ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንበር ዘለዎ መንፈስ እዩ። እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ነዚ ዓይነት ስድራ ቤታዊ ሕይወት ኣብ ቁምስና ክህሉ ይምዕድ።

እቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን እታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ጥልቂ ፍቕሪ ዳግም ክትረክብን ክትነብርን ቅዱስ ኣቦና የዘኻክሩ። ናይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ሕመረት ምዕራፍ ኣርባዕተ እዩ። እዚ ምዕራፍ’ዚ ፍቕሪ ሓሳባውን ስምዒታዊ ዛንታ ኣብ መንጎ ክልተ ኣልባብ ዘይኰነስ ልክዕ ከም ሓደ ሕንጻ ቀስ እናበለ ብትዕግስቲ ዝሕነጽን ምሕረትን ምድግጋፍን ይቕረታን ምሕረትን ብጥበብ ዝንበሮ እዩ ዝብል ቅዱስነቶም ብሰፊሕ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሰፊሕ ይትንትን። ጽኑዕ ፍቕሪ እቲ እዋናዊ ባህሊ ከምዘመልክቶ ስምዒታዊ ጥራሕ ኣይኰነ። በቢ መዓልቲ ብቓልን ብግብርን ዝሕነጽ እዩ ኢሎም።

እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ልዕሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ዘምጽኦ ምድንጋር ፈጺሙ የሎን። ነቲ ጠመቕ ትምህርቲ እዩ ብጥልቂ ዝትንን ዘረድእን። እቲ ኣብ ጠመቕ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተመልኪቱ ዘሎ ዛዕባ ምስጢረ ተኽሊል ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከመይ ክትርጎም ከምዘለዎ እዩ ዝትንትን። እዚ ማለት ድማ እቶም ጓሶት ነቲ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምስጢረ ተኽሊል ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክትርጉምዎን ነቲ ናይቶም ምስጢረ ተክሊል ዝኣሰሩ ዘጓንፎም ጸገም ዘለዎም እዋናዊ ሽግራት ኩሉ ብናይ እግዚኣብሔር ዓይኒ ምርኣይን ብእግዚኣብሔራዊ ሜላ ብትስብእቱን ቀሪብካ ምትንታንን ስለዚህ ብዓይኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥምቱ ከምዝግብኦም ቅዱስ ኣቦና በቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን የተሓሳስቦ እዚ ማለት ድማ እታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ከም ኣካል ኢየሱስ ክርስቶስ። በቲ ገዛእ ርእሱ ዘትሓተን ንምድሓንና ሓጢኣትና ኩሉ ዝተሰከመን፡ ቤተ ክርስቲያን ናይታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ሽግርን መከራን ጸይራ ከተድሕኖ ቀረባኡ ትኸውን። ቆሞስ ካህን ካህነቱ እዩ ክፍጽም ዘለዎ ኣበ ነፍስ እዩ ክኸውን ዘለዎ ዓለማዊ ምእመን ከኣ ምእመን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ኣብ ነናቱ ባይቶ ኰይኑ ከም ሓደ ስድራ ክነብር ኣለዎ። ከም ሓደ ስድራ ድማ ብሓደ ብሓገዝ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ክጔዓዙ ቅዱስነቶም ይምዕዱ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምስ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘለዋ ምትእስሳር እንክሕብሩ፥

“እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ኣቝሳልና ይፍውስ ልብናን መንፈስናን የበርትዕን ነቲ ሓገዝና ዘድልዮ ሰብ ክንራኸቦን ክንድግፎ የነቓቕሓና። ትንሳኤ ክርስቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት እዩ። ስለዚህ እዚ ዓወት እዚ ኵሉ ኣባይቲ ስድራ ክሰምዕዎን ክነብርዎን ዝግብኦም ናይ ወንጌል ሓሴት እዩ። ኩሎም ካህናት ዓለማውያን ምእመናን ጓሶት ኣብ ኩሉ ዘጋጥም ኩነት ሕይወት ብርሃን ትንሳኤ ከነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም። ስለምታይ ኢየሱስ ከድሕን እምበር ክፈርድን ክኹንን ኣይመጸን። ሰለዚህ ደቂ ትንሳኤ ኢና። እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድማ ደቂ ትንሳኤ ኵኑ ይብልን ነዚ ደቂ ትንሳኤ ምዃ’ዚ ኣብ ዘጓንፈና ጸገምን መከራን ከነስተውዕሎን ክንምስክሮን ብምትሕስሳብ እዚ ንምንባር ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘተባብዕ እዩ”  እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.