2017-04-15 13:38:00

ዓርቢ ስቕለት፥ ፍኖተ መስቀል ኣብ ሮማ ኮሎሰዩስ ዕለት 14 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.


ዕለት 14 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከተማ ኮሎሰዩስ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝፍጸም ፍኖተ መስቀል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝመርሑን ኣብቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ዝተጀመረ ጸሎት ፍኖተ መስቅል ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብጠቕላላ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ከምእተሳተፉ ክምልክት እንከሎ፥ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ምስ ኣብቅዔ ቅዱስ ኣቦና፥

“ኦ ክርስቶስ፥ ንበይኑ ዝተሓድገ በቶም ናቱ ዝዀኑ ዝተኻሕደ ብሕሱር ዋጋ ዝተሸጠ

ክርስቶስ ብሓጥኣን ዝተፈርደን ተመሓላሊፉ ንቶም ኣሕሉቕ ዝተረከበን

ክርስቶስ ብመግረፍቲ ኣካሉ ዝተሳቐየን ብእሾኽ ተዘዊዱ ወይናይ ልብሲ ተኸዲኑ

ክርስቶስ ተጸፊዑን ብጭካኔ ተሰቒሉን

ክርስቶስ ብዝተወርወረ ሰይፍ ልቡ ተወጊኡን

ክርስቶስ ሞይቱን ተቐቢሩን፡ ንሳስኻ ናይ ሕይወትን ህላዌን እግዚኣብሔር ዝዀንካ

ክርስቶስ እንኰ መድሕንና ሎሚ እውን ስቓዩ በቲ ዕለታዊ ልሙድን ከይኑ ብዝርአይ ኣብ ባሕሪ ብዘጋንፍ ናይ ምጥሓል ሓደጋን ሞትን ብዝፈጥሮ ዘሕዝን ትርኢትን ብሕፈረት ተመሊእና ብሕፍረት ርእስናን ኣድኒንናን ብተስፋ ብዝተመልአ ልብና ናባኻ ንመጽእ ኣሎና።

በቢ ዕለቱ ብዝፈስስ ናይ ደቂንስቲዮን ሕጻናን ስደተይናታትን ብዓሌትን ማሕበራውን ብሕብሪ ቈርበትን ብኣኻ ስለዝኣሙ ብዝቕተሉ ደም ንጹሓን ንሓፍር፡

ብዙሕ ጊዜ ከም ይሁዳን ጴጥሮስን ስለ ዝኸሓድናካን ስለ ዝሸጥናካን ንበይንኻ ስለ ሓጢኣትና ንኽትመውት ብዝነበረና ናይ ተሓተቲ ሓላነት ፈሪሕና  ስለ ዝሓደግናካ ሕፍረት ይስምዓና፡

ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነትን ኣብ ምሃብ ዝስልክይን ኣብ ምምንጣል ዝህወኻን ስሱዓት ኣእዳውናን ረብሓናን ንምክልኻል ዘእውይን ካልእ ንምክልኻል ዝዕበስ ድምጽናን ኣብ ናይ ክፍኣት ጎዳና ስለ ዝጐያ ሰናይ ኣብ ምግባር ግና ዝለምሳን ዘንሳሕባን ኣእጋርናን ንሓፍር፡

ብዙሕ እዋን ኣንሕና ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ውፉያንን ዕንቅፋት ኰይና ብምርኻብና ኣካልካን ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዘቑሰልናን እቲ ፋልማዊ ፍቕርና ዘንጊዕና እቲ ዝነበረና ፋልማዊ ውዕዉዕ መንፈስን ምሉእ ስድንውነትናን ዘንጊዕና ልብናን ናይ ውፉይ ሕይወ ጸዋዕታና ኣመሪትና ስለ ዝተረኸብና ሕፍረት ይስምዓና።

ኦ ጎይታ ብዙሕ ዘሕፍር ኩነት ኣባና እውን እንተሎ ልብና ግና ይናፍቕ። ንስኻ ከምቲ ዝግብኣና ዘይኰነስ ብቲ ዝትርፍረፍ ምሕረትካ እትርእየናን፡ እቲ ክሕደትና ነቲ ናትካ ማእለያ ዘይብሉ ፍቕርኻ ዘጉድል ኣይኰነን እቲ ኣባታውን ኣደኣውን ዝዀነ ልብኻ ስለ እቲ ንቕጽናን ትረት ልብናን አይረሰዓናን፡

እስማትና ኣብ ልብኻ ዝተሓትመን ኣብ ብሌን የዕንትኻ ዝተነብረ ምዃኑ ጽኑዕ ተስፋ ኣሎና

መስቀልካ ንቑጽ ልብና ናብቲ ናይ ምሕላምን ናይ ምምሓርን ምፍቃርን ኣኽ|ኣሎ ዘለዎ ሕያው ልቢ ይለውጥ፡ ነዛ ናይ መስቀል ጸላም ምሸት በቲ ናይ ትንሳኤኻ ወጋሕታ ዝድርጉሕ ብርሃን ለውጦ። ናትካ ተኣማንነት ኣብቲ ናትና ናይ ተኣማኒንት ብቕዓና ዝቐውም ኣይኰነን።

ኣብ መስቀልካ እሙናት ብዝዀኑ ኣእላፍ ሰባት ኣብቲ ዝቖሰለ ዘርኢ ሰብ እቲ መቐረት ዝህብ መባኹዕትን ሓድሽ ደረት ትርኢት ዝኸፍቱ ከምዘለዉ ተስፋ ኣሎና።

ቤተ ክርስቲያንካ ናይቲ ብዓወት ዝመጽእ ንህያዋንን ሙታንን ንኽትፈርድ ዝኽወን ዳግማይ ምጽኣትካ ኣብ ምድረ በዳ ንዘርኢ ሰብ እትእውጅን መገዲ እትጸርግ ድምጺ ክምእትኸውን ተስፋ ኣሎና

ዝተሳዕረ ዝመስልሰናይ ሰዓሪ ከምዝኸውን ተስፋ ኣሎና

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ወልደ እግዚኣብሔር ስሌና ንጹሕ ግዳይ ኣብ ቅድሚ ንግስናኻን ምስጢር ሞትካን ክብርኻን ኣብ ቅድሚ መስቀሊያ ሓፊርናን ተስፋ ገይርናን ንንብርከኽ ካብቲ ካብ ዝተወግኤ ልብኻ ብዝውሕዝ ደምን ማይን ከተንጽበና ንልምነካ ሓጢኣናን በደልናን ክትሓድገልና ንልምነካ።

ብዓመጽን ብዘይተገዳስነትን ሸልተይናነትን ውግእን ግዳይ ዝዀኑ ኣሕዋትና ክትዝክሮም ንልምነካ

ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኢጐነትን እቲ ናይ ንጽባሕ ቀመርና ዝወልዶ ወለንተይና ዑረትን  ምቑሕነትን ናጻ ከተውጽኣና ንልምነካ

ኦ ክርስቶስ፥ ብመስቀል ዘይምሕፋር መሃረና መስቀል ከም መጋበርያ ረብሓና ዘይኰነስ ከነኽብሮን ክነስተንትኖን መሃረና። ስለምታይ ብመስቀል ኣቢልካ ሓጢኣትና ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑን ዕብየት ፍቕርኻ ናይ ፍርድና ኢፍትሓውነትን ናይ ምሕረትካ ሓይልን ገሊጽካዮ፡ ኣሜን።”

ናይ 2017 ዓ.ም. ናይ ፍኖተ መስቀል አስተንትኖ ደራሲት ፈረንሳዊት ኣደ ስድራ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኣነ ማሪያ ፕለቲይር ክዀና እንከለዋ እቲ ዝደረሰኦ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት ግደ ደቂንስትዮ ኣብ ሕማማ ኢየሱስን ኣብ ውግእን ዓመጽን ስደትን ኣብ ስቓይ ስድራ ቤትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝወርድ ግፍዕን ዘማእከለ ኰይኑ፡ እቲ ናይ ዓለም ክፍኣት ዘቃልሕን እተን ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ዓመጽ ዝዳረጋ ድምጺ ዘምክን ኩነት ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዘደንጽው ክፍኣት’ዚ ንፍቓድ እግዚኣብሔር ዝእዘዝ ፍቕሪ ክርስቶስ ህልው ምዃኑን ስለ ድሕነት ኩሉ ዝውፈይ ሰብ ኰይኑ ኣብቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ጸልማት ተዋሪዱ ገዛእ ርእሱ ምእንቲ ምሕረትና ክውፈይ ዝመጽእ እግዚኣብሔር ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኩነት እውን እቶም ኣብ ቲብሂሪነ ዝተቐትሉ ዝጽልዩ ናይ ዝነበሩ ገዳማውያን ዝኣመሰለ ሰማዕትነት ምህላዉ እውን ዘረጋግጽ እዩ።

ናይ ኢየሱስ ሞት ኣብ መስቀል ስንባደን ምድንጋርን የሕድር፡ ክርስቶስ ኣብ ሓጢኣት ዓለም ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ ከምጽእ ኣዚዩ ኣድላዩ ከምዝነበረ ፐለቲየር ኣብ ዝድረስኦ ኣስተንትኖ ማእከል ገይረን፡ ኣብቲ እምቢ ምባልናን ዘይምእዛዝናን እቲ ፍጹም ተኣዝዞ ክመጽእን ኣብ ዘይምእዝዛዝና ናይ ክርስቶስ ፍጹም ተኣዝዞ ክኣትው ኣድላይ ምዃኑ ይትንትና። ኣብ መወዳእታ ሞት ኢየሱስ እቲ እነኹልካ ዝብል ጽሞናዊ ተኣዝዝ ናይ እግዚኣብሔር ለውሃትን ናይቶም ናቱ ዝዀኑ ከም ናይ ዮሴፍ በዓል ኣርማቲያስን ዝኣመሰሉ ነቲ ናይ ኢየሱስ ዝሞተ ኣካል ዝከናኸኑ ከምቲ ኣብቲ ናይ ፍኖተ መስቀል ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ  ፐለቲየር ዝገልጽኦ እተን ኣብኡ ዝተረኽባ ንዝተቐትለ ኢየሱስ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ዝፍጽማ ንኽሰናበታኦ ቢለን ዝተረኽባ ደሓር ሰንበት ንጎሆ ኣብ መቓብር ክደልየኦ ቢለን ናብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ዝኸዳ ባዶ መቓብር ዝረኸባን ትንሳኤ ኢየሱስ ዘበሰራን ቀዳሞት ደቂንስትዮ ለውሃት ዕድል ዝህብ ምዃኑ ይትንትና።








All the contents on this site are copyrighted ©.