2017-04-08 17:14:00

ሓምሻይ ስብከት ዓቢይ ጾም፤ አባ ካንታላመሳ፥ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ምቁሓት ኣይዅኑ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣሃው ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 7 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓላፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምስታፍ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ መሪሖም ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ሓምሻይ ስብከት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሓኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ሓምሻይ ስብከ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ሕዳሴ ፕሮተስታን ቤተ ክርስቲያን ኣማእኪሎም እዚ ዝኽሪ’ዚ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸጋን ዕርቅን ኩነት ክኸውን ከምዝግብኦ ኣተሓሳሲቦም፥ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ  ኣብ ምዕራብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ናይ ኣዳም እጸ በለስ ንምግምማዕ ምኽንያት ከይኑ ከምእተረኽበን ነዚ መልእኽቲ ጳውሎስ ሓድሽ ትንታኔ ንኽውሃቦን ብሓድሽ መንፈስ ዳግም ክንበብን ክስትንተንን”  ከምዘለዎ እንከመልክቱ፥ ናይ እግዚኣብሔር ፍትሒ ተገሊጹ እዩ። ስለዚህ እቲ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ሕዳሴ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸጋን ዕርቅን ኣጋጣሚ እዩ ብዝብል መንፍፈስ ክንርእዮ ይግባእ፡ እዚ ኸኣ አቲ ጽድቂ ብእምነት ዝብል ጠመቕ ትምህርቲ ታሪኻዊ ትንታኔ ብምክያድ ዝኽወን እዩቢሎም ናይ ማርቲን ሉተር ተመክሮ ምስቲ ናይ ሃይማኖትን ገዳማውነትን ትዕዝብትን ተጋድሎን ነቲ ኣብ ውሽጡ ፈጢሩሉ ዝነበረ ጓህን ተስፋ ቁርጸትን ተቐባልነት ኰነ ምስ እግዚኣብሔር እውን ሰላም ዘይብሉ ኰይኑ ንኽስምዖ ምስ ገበሮ፥ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ሰብኣውን መንፈሳውን ዘይምርግጋእ ኩነት እቲ ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 1, ፍቕዲ 17 “…ጻድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር ዝብሎ ኣብ ወንጌል እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ጽድቂ ማለት እቲ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ተገሊጹ ኣሎዝብል ቃል መሰረት ውሽጣዊ ዕረፍቲ ክረክብ ከምዝገበሮ ገሊጾም፡ እዚ ውሽጣውን ግላውን ተምክሮ’ዚ ማርቲን ሉተር ነቲ ኣብቲ እዋን ዝተኸወነ፥

ናይ ስርየተ ሓጢኣት ግብረ ኖልዎ ኣብ ጀርመን ዊተንበርግ ከተማ ኣብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዕለት 31 ጥቅምቲ 1517 .. ተስዓን ሓሙሽተን ቲዮሎጊያዊ ሰረተ ሓሳብ ኣጽኒዑ ከንብር ደረዀ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ጭቡጥ ኩነት እቲ ጽድቂ ብእምነት እምንበር ብእትፍጽሞ ሰናይ ተግባራትን ግብርን ኣይኰነ ዝብል ጠመቕ ሰረተ ሓሳብ ውጻኢት ምስ ቤተ ክርስቲያን ክርክርምፍጣር ዝብል ርእየት ኣይነበሮን፡  ኰይኑ ግና እቲ ቲዮሎጊያዊ ሰረት ሓሳብ ነቲ ክርክር ምኽንያት ኰነ።

ናይ ትረንቶ ጉባኤ ካብ ኅልዮ - ረቂቓን (abstract – theory) ሓሳባት ተበጊሱ ዘይኰነስ ካብ ጭቡጥ ታሪኻዊ ኩነ ተበጊሱ፥ “ናይ እምነትን ጸጋን ቀዳምነትን” ቢሉ ናይ ዘረጋገጾ ውሳኔ ልዑል ክብሩ ዘኪሮም  ኰይኑ ግና እዚ ሰረተ ሓሳብ’ዚ ሰናይ ተግባር  ዝብል ሰረተ ሓሳብ ዘረጋግጽ እዩ ዝመስል። ሰናይ ተግባር ዝብል ሓሳብ ብሓፈሻኡ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ማተዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ዘሎ ብዘይ ብኣኣቶም ናብ መንግስተ ሰማይ ንምእታው ዘይከኣል ቢሉ ዝዝርዝሮም ተግባራት ብቐጥታ ዝምልከትን ዝገልጽን ኣይነበረን በንጻሩ መፈሳውያን ንግደትን ገለ ገለ መብጽዓታትን ኣብ ታስእት ጸሎታት ዝአመሰሉ መደባት ምስታፍን ምጽዋት ንቤተ ክርስቲያንን ንምሉእ ስረየት ሓጢኣት ተባሂሎም ዝእወጁ ዝነበሩ ቅዱሳን እዋናትን ተግባራት ዝምልከት እዩ ዝነበረ ቢሎም ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ስብከቶም እንክቕጽሉ፥

ምልዋጥ ማለት ናብቲ ሓድሽ ቃል ኪዳን ንምእታው ንቕድሚት ምስጓም ማለት እዩ

ድሕሪ ማርቲን ሉተር ይብሉ እቲ ጽድቂ ብእምነት እዩዝብል ናይ እምነት ሰረተ ሓሳብ ብርግጽ ኣብ ጠባይ ሕይወት ክርስትና ምምሕያሽ ክህሉ ከምዝገበረ ዘይከሓድ እዩ። ኰይኑ ግን እቲ ጽድቂ ብእምነት ጥራሕ ዝብል ሰረተ ሓሳብ ብግዳማዊ ግንባር ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ፕሮተስታንትን ቤተ ክርስቲያን ምብትታኽ ክፈጥር እንከሎ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ መንጐ እምነት ክርስትናን እምነት ኣይሁድን ምንጽጻር ክህሉ ደሪኹ እዩ። ገሊኣቶም ካቶሊካውነት ናይ ኣይሁዳውነት ስርዓት መቐጸልታን ፕሮተስታውነት ድማ ክርስትያናዊ ሕዳሴ ቢሎም ንኽሓስቡን ንኽፈርዱን ገይሩ እዩ። ካብዞም ክልተ መገዲታት ወጻኢ እቲ ካልእ ሳልሳይ መገዲ ኣባ ካንታላመሳ፥ እቲ ታሪኻዊ ኢየሱስ ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት ኣይሁድ ክርስትና ንኽቐውም መሰረት ምዃኑ ዘረጋግጽ መገዲ እዩ። እዚ ንገዛ እርሱ ዓቢይ ሓላፋ ክኸውን እንከሎ፡ በንጻሩ እዚ ርእየት እዚ ብምንእኣስ፡ ኢየሱስ ከም ሓደ ኣይሁዳዊ ነብይ ኰይኑ ጥራሕ ክረአይ ኣለዎ ናብ ዝብል ሓሳብ እውን ኣብጺሑ እዩ። ስለዚህ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ እንከሎ እቲ ሕዳሴ ተዘንገዐ።

ሓዋርያዊ ጳውሎስ ዝገልጾ ጽድቂ ብእምንት ዝብል ሰረተ ሓሳብ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኽበት ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ማእከላዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ሓድሽ ቃል ብስራት ምእማንን ምልዋጥን ምስ ኢየሱስ ንቕድሚት ብምባል ናብ ሓድሽ ቃል ኪዳን ምእታው ማለት እዩ፤ ምልዋጥን ምእማንን ክልተ ነገራት ኣይኰኑን፡ ኣሚንኩም ተለወጡ ተለዊጥኩም እመኑ። ኣንዳኣመንካ ተለወጥ። ኣንዳልተወጥካ እምነት ማለት እዩ፡ ናይ ኣተሓሳስባኻ ኣግባብ ምልዋጥን ናብቲ ብጠቕላላ ሓድሽ ዝዀነ ዓይነት ናይ ኣተሓሳስባ ስርዓት ምእታው ስለምታይ ሕዳሴ በጺሑ እዩ።”

ኢየሱስ ዝብሎ ሕጻን ምዃን የድሊ ማለት እምነት ብናጻ ምቕባል ማለት እዩ ዝበሉ ኣባ ካንታላመሳ፥

“እቲ ጳውሎስ ዘቕርቦ ተክለ (image) ናይ ኣይሁድ እምነትን ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ብካኻልኦት ዝወሃብ ፍርደ ሓሳብ ዘይተዓርቕ ሜላዊ ጌጋ ኣሎ። ኢየሱስ ኰነ ጳውሎስ ምስ ዝነብረዎ ሕይወትን ምሁራት ብመጽሓፍቶምን ብዝተጽሓፉ ምስክርነት ምስ ዝብልዎ ሓሳብ ርክብ ኣለዎም። ሓደ እቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ መናብርተ ጥበብ ዝቐርብ ዝነበረ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ወይ ከኣ እቲ ክርስቶስ ምምሳል ብዝብል ጽሑፍ ዝቐርብ ምስክርነትን  ምልስ ቢሉ እንተ ዝርእይ ብሓቂ ዓቢይ ዝዀነ ናይ ጸጋ ሰረተ ሓሳብ ከምዘሎ መስተውዓለ፡ ካብዚ ተበጊስካ ማርቲን ሉተር ንመን ይቃወም ከምዝነበረ ንምርድእ ይጽግምን እዩ። ስለዚህ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተነብረ ሕይወት ክርስትና እንተ ዝምልከት እቲ ውጽኢቱ ፍልዩ ዝበለ ምዀነ ኔሩ”

ኣብ ሓጢኣት ጥራሕ ዘተኵረን ዘማእከለን ርእየት ክርስትና ምቅዋም

እቲ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ናይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ምቑሕ ብዝዀነ ኣመለኻኽታን ብምውቕቓስን ብምክሳስን ንምፍርራድን ኣሚትካ ከይሕሰብን በዚ መገዲ’ዚ ድማ እዚ ዕድል ከይቕህም ምጥንቃቕ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ኣባ ካንታላመሳ፥

“እቲ ዘገድስ ነዚ ሰጊርካ ልክዕ ከም ሓደ ውሕጅ ኣብ ሓደ ዕጹው መገዲ ምስ በጽሐ እናመልኤ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ በጺሑ መገዱ ዝጸርግ ከማኡ ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ የድሊ። እንነብረሉ ዘሎና እዋን ካብቲ ናይ ቀደም ዝተለወጠ እዩ። እቲ ኣብ  መንጐ ቤተ ክርስቲያን ፍልልይ ዘምጽኤን ናይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ከቕውም ዘብቅዔ ሕቶ ዛዕባ ምሉእ ናይ ሓጢኣት ስርየትን ሓጢኣት ዝፈጽመ ሰብ ምኽኑይ ዝገብሮ ኣገባብ እዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ድዩ እቲ ናይ እዋንና ሰብ ናይ ሎሚ-ሰብ እምነቱ ዘህልዎን ወይ ውዱቕ ዝገብርን? ቢልና ክንሓትት ንኽእል።”

ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር፥ “ናይ ሉተር ዓቢይን ኣገዳስን ሕቶ ወይ ከኣ ግድልን፥ ከመይ ገርካ ነቲ ሓጢኣተይና ምዃና እሞ በደለይናነት ክስምዓካ ዝገብር መንፈስ ከመይ ገሪካ ትስዕሮ ዝብል እዩ ዝነበረ። ሎሚ ግና በንጻሩ እቲ ዓቢይ ጸገም ናይ ሎሚ ሰብ ጠሪሹ ዘጥፍኦ ዘሎ ናይ ሓጢኣት ትርጉም ከስተውዕል ምግባር እዩ፡”  እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣባ ካንታላመሳ ጠቒሶም እዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ዝተፈጸሙ ዓመጻት ጥራሕ ኣጉሊሕካ ብምርኣይ ምዕራብ ዓለም እቲ ዓለማዊ ባህሊ ንክርስትና ክቃለሶን ወይ ድማ ክነጽጎን ዝደረኸ ክርስትና ኣብ ሓጢኣት ጥራሕ ዘተኮረ ጽልሙትን ዘሕዝንን ኣዋጅ ኰይኑ ክቐርብ ገይሩ እዩ።

“ናጻ ጽድቂ ብእምነት ኣብ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ዝብል ሰረተ ሓሳብ ብኹለን ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ብዝለዓለ ደረጃ ሎሚ ክእወጅ ኣለዎ። እዚ ኣቀራርባ’ዚ ድማ ምስቲ መልእኽቲ ያዕቆብ ዝገልጾ ተግባራት ኣማኒን ከምኡ እውን ሓድሽ ኪዳን ዝገልጾም ናይ እምነት ተግባራት ዝገራጨው ዘይኰነስ ነቲ ናይ ሎሚ ሰብ ብስነ ፍልጠትን ምዕባለ ዕደ ጥበብን ንመዓገስን ብዝመሓዙን  መንፈሳውያውነትን ጥራሕ ገዛእ ርእሱ ከድሕን ይኽእል ዝብል ናይ ድሕረ ዘመናዊ ሰብ ርእየት ብምቅዋም እዩ። ማርቲን ሉተር ሎም እንተዝህሉ ነቲ ኣዋናዊ ሰብ ባዕለይ ገዛእ ርእሰይ የድሕን ዝብል ተግባር ርእዩ፡ ሰብ ብእምነት ጥራሕ እዩ ዝጸድቕ ቢሉ ኣጽኒዑ ምስ ሰበኸን ምስ መሃረን ኔሩ። ስለዚ እቲ ብግብሪ ዝብል ገዛእ ርእሰይ ባዕለይ የድሕን ንዝብል ሓሳብ ዝምልክት እዩ።”

 “ብቐዳምነት እምነት ወይ ድማ ጽድቂ ናይ ቃል ብስራት ሕመረት ክርስቶስ እዩ” ቢሎም ኣባ ካንታላመሳ ሓምሻይ ናይ ዓቢይ ጾም ስክበቶም እንከጠቓልሉ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ምስኡ ወይ ከኣ ንኣኡ እትርሕርሕ መሰረተ ዓንቀጽ ሰብ (ክርስቶስ) እምበር ሰረተ ሓሳብ ኣይኰነን” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.