2017-04-05 15:35:00

ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር መልእኽቲ ንሕውነታዊ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ


እቶም ምስቲ ብፁዕ ኣቡነ ለፈብቭረ ዝተመስረተ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሱ ዝፈለየ ሕውነታዊ ማሕበር ፒዮስ ዓስራይ ብውልቅን ብማሕበር ምትእስሳር ንዘለዎም ካህናትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ገዳማውያንን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደት ንኽህልዎም ንኽመሱ ንዝደልዩ ዝከታተል ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅድስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ሉድዊግ ሚዩለር ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ጳጳሳዊ Ecclesia Dei-ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን” ሓልዮ ድርገት ዕለት 24 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ኣሞርኵይዞም ናቶምን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ሓልዮ ድርገት ዋና ጸሓፊኦምን ኰይኖ ዘገልግሉ ዘለዉ ኢጣሊያ ናይ ባኞረጆ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጉይዶ ፖዞ ክታም ዝተነብሮ  ናብቲ ሕውነታዊ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ላዕለዋይ መፍነሳዊ መራሒ ቀዳሜ ጳጳስ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።

እቲ ሕውነታዊ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ናብ ምሉእ ውህደት ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተዓሚቱ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ሓባር ዘተ ዘካይድ ኽኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዝኣወጅዎ ፍሉይ ቅዱስ ናይ ምሕረት  ዓመት ኢዮቤል መዕጸዊ ምኽንያት “Misericordia et misera-ምሕረትን ሓሳርን”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዕለት 24 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ “ናይ ሕውነታዊ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራ ካህናት ንካቶሊካውያን ምእመናን ዝሰርዕዎ ምስጢረ ንስሓ ብቑዕን ፍቑድን እዩ እንክብሉ ዘንበርዎ ሓሳብን ብተወሳኺ ናይቲ ሕውነታዊ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ሕጋውነት ዘለዎ ኣባል ዝዀነ ካህን ኣብቲ ናይ ካቶሊካዊት ካህናት ዘይብሉ ናይ ካህናት ጸገም ኣብ ዘለወን ሰበኻታት ንካቶሊካውያን ምእመናን ምስጢረ ተክሊል እውን ክሰርዕ ይኽእል እዚ ድማ ብቑዕን ቅቡልን እዩ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ውሳኔ ዘብርህን ዝትንትንን ትግባሬኡ ከመይን አበይን ዝብል ሓበሬታ ዝተነብሮ መልእኽቲ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኦንዳርዛ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.