2017-04-05 15:29:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “Populorum Progressio-ምዕባለ ኣሕዛብ’ እቲ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝግብኦ ሰብ እዩ ይብል


ዕለት 3 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Populorum Progressio-ምዕባለ ኣሕዛብ”  ጳጳሳዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ “ተስፋ ዝተነብረሉ ሓሳብ ንናይ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት፥ ዝኽሪ ሓምሳ ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ Populorum Progressio-ምዕባለ ኣሕዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኸፍተ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲና ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተጀመረን ብፁዕነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ተኰር ስብከት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ፥ ንናይ ምዕባለ ምሉእ ሰብኣውነት ከም መሰረት ገይሩ ከንብሮ ዝግብኦ ነገር ብዙሕ እዋን ናይ ፖለቲካን ናይ ኤኮኖሚ ስልጣን ነቶም ሰንኮፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘዕድይ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝዀነ ኢፍትሓውነት ምውጋድ ዝብል መርሕ ምዃኑ ከም መቕድመ ሓሳብ ኣንቢሮም፥ “ምዕባለ ክበሃል እንከሎ ካብ ዝኸፍኤ ናይ ሕይወት ኩነት ናብ ዝተመሓየሸን እናበለ ድማ ናብ ዝበለጸ ኩነት ሕይወት ምስግጋር ማለት እዩ ቢሎም ምእንቲ’ዚ ኣየኖት እዮም ኣቶም እውነተይና ናይ ሕይወት ኩነት እንብሎም? ካብ ድኽነት ምውጻእን ርኽበት መሰረታዊ ኣድላይነት፤ ማሕበራዊ ጸገማት ምውጋድን፤ ናይ ፍልጠት ኣድማስ ናብ ኩሉን ንኹሉን ምብጻሕን ምስፋሕን፤ ርኽበት ትምህርትን ስነ ባህል ንኹሉ”  ዝብሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም

“ካብዚ ተበጊስካ ናብቲ ልዕሉ ግንዛቤ ከወሃቦ ዝግብኦ ናይ ስብኣዊ ክብርን መሰልን ይብጻሕ፡ ስለዚህ ህርፋንን ስስዔን ብምጥፋእ ዝንበር ሕይወት ምስትምቓርን ስሉጥ ናይ ሓባራዊ ረብሓ ምቕዳምን ደላዪ ሰላምን ምዃንን ክብጻሕ ነጢፍካ ምዕያይ ናብ ዝብል ተግባር ምብጻሕ የድሊ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ልዑላን ክቡራ ዋጋታት ዘለዎን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ፈጣርን ፍጻሜ ኩሉን ዝኾነ ንእግዚኣብሔር ክፈልጥ ኣኽእሎት ዘለዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሔር ንሰብ ጽቡቕ ድላይን እቲ ንኹሉ ዘርኢ ሰብ ናይቲ ሕያው ናይ ዝዀነ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣቦ ዝዀነ ናይ እግዚኣብሔር ውሉዳዊ ሕይወት ክንቋደስ ብዝጽውዓና ክርስቶስ ፍቕርና ከነዋህድ ዘብቅዕ እምነት የድሊ” ከምዝብለሉ ታማሮ ሓቢረን።

እታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝተደርሰት ዓዋዲት መልእክቲ Populorum Progressio-ምዕባለ ኣሕዛብ”  ንፋልማ ግዜ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተቕርብ። እዚ ድማ እቲ ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ “ምዕባለ ኤኰኖሚያዊ ጉዳይ ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኰነ ዝተገልጸ ሓሳብ የረጋግጾ” እዚ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተነቢሩ ዘሎ ሓሳብ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ እዋናውን ህልውን ምዃኑ ብፁዕነቶም ገሊጾም፥

“ዓዋዲ መልእኽቲ Populorum Progressio-ምዕባለ ኣሕዛብ’ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እንዛረበሉን እንዝትየሉን ዛዕባ ምዕባለ፥ ምዕባለ ክበሃል እንከሎ ኤኮኖሚያዊ ባህርይ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኰነስ ምዕባለ እውነተይና ምዕባለ ዘብሎ ናይ ሰብኣዊ ምሉእነት ዝውክልን ናይ ነፍሲ ወከፍን ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ዕብየት ዝምልከትን ዘረጋግጽን ምስ ዝኸው እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዘገድሰና ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ማሕበርን ብጠቕላላ መላእ ሰብኣዊ እዩ”

ምስ በሉ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኩሉ ረብሓ ዘቐድም መጻኢ ንምቛም ኣሚቱ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክገሃስ ባይታ ዝፈጥሩ ዓበይቲ ኢትሓውያን ዝበሃሉ ተግባራት ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ድዩ ግላዊ ኢፍትሓውነ ኩሉ ንኽውገድ ዘብቅዑ ተባሂሎ ዝሕጸጹ ስነ ሜላታት ኣማእኪሉ ከምዝዝትይን፡ እቲ ክብጻሕ ዝድለይ ሰናይን ቅኑዕን ሸቶ ንምብጻሕ ተባሂሎም ዝሕንጸጹ ስነ ሜላታት በንጻሩ ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ስልጣን ዝድግፍን ዘቕውምን ኰይኑ ከይርከብ ምጥንቓቕ ከምዘድሊ ኣውን ሓቢሮም። ብቓልን ብግብርን ኣብ ሓቅን ምፍቓር ማለት ናይ ስልጣን ፍቕሪ ዘይኰነስ ፍቕሪ (ዝነግሰሉ) ስልጣን ዝዀነሉ ማለት እዩ። ከምዚ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድላይ ተዓጺኻ ምንባር እናጐደለ ይኸይድ እዚ ድማ ኣብ ሕይወትና ሓልዮት እግዚኣብሔር ዘዕብይ ምዃኑ ከምዝተንተኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ሎሚ ዕለት 4 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን መሪሕ ቃል ተቐቢሎም ኣብ ዝተዛዘመ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ሉድዊግ ሚዩለር ተሳቲፎምን “ኣልቦ እግዚኣብሔርንነትን ተጻይ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ እግዚኣብሔር ዘግልልን ተጻይ እግዚኣብሔር ዝዀነ ሰብኣውነት ካበይን ናበይን ዝድህስ ምስ ቀጺሎም ድማ ኣብ ናይ ክርስቶ ወንጌል ዝቖመ ምዕባለ ምሉእ ምዃኑን ንምሉእ ምዕባለ ሰብኣውነት እውን መሰረት ስለምታይ እዩ ዝበሃል ንዝብል ሕቶ ብዕምቆት ዝምልስ ኣስተምህሮ ብምቕራብ ከምእተሳተፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታማሮ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.