2017-04-04 19:44:00

ብምሕረትን ይቅረ ብምባልን ኢየሱስ ፍጽምና ሕጊ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ‘እቲ ብምሕረት ዝፈርድ ኢየሱስ ፍጽምና ሕጊ እዩ፣ ስለዚ ብልባትና ንሰባት ክንዲ ንኸስስን ንፈርድን ይቅረ ንበል’ እንክብሉ ንኢየሱስ ክንመስል ኣዘኻኺሮም፣

ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ትማሊ ንባባት ካብ ኦሪት ነታ ኣብቲ ዝኣለምዎ ናይ ሓጢኣቶም መርበብ ምእታው ዝኣበየቶም ብሓሶት ከሲሶም ንሞት ዘፍረድዋ ሶስናን ጸሎታን ረድኤት እግዚኣብሔር ብነቢይ ዳኒኤል ዝተላእከላን ዝምልከት ካብ ትንቢት ዳንኤል 13 ከምኡ እውን ብዛዕባ እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይትን ኢየሱስ ብእምኒ ተወጊራ ካብ ሙማት ዘድሓና ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 8 ተጠቂሳ ዘላን ዝምልከት ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነቶም ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ዝነበራ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ምሕረት ብምግባር ፍጽምና ሕጊ ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣትን ብልሽውናን ይቅረ ምባል ድኣ እምበር ሕነ ፍዳይ ከምዘየድሊ የስተምህረና፣ እንተሓሰመ ከኣ ‘እቲ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ ነታ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርቢ’ እንክብል ነቶም ከሰስቲ በብሓደ ካብቲ ዝዓበየ ክሳብ እቲ ዝነኣሰ ሰላሕ ኢሎም ከምዝኸዱ ይገብር፣ እቲ ኣብ ትንቢት ዳኒኤል ተጠቂሱ ዘሎ ታሪኽ ሶስና እንክንምልከት እቶም ክልተ ሽማግለ ኩሉ ምዃን ምስ ኣበዮም ናይ ሓሶት ክሲ ይምስርቱ፣ ሶስና ግን መንጎ ንሞት ገጹ ዝወስድ ሕግን ንእግዚኣብሔር ዘይምሕዛንን ትቅርቀር’። ንሰብኣያ ተኣማኒት ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዝወረሳ ሰብ እያ ነራ፣ ሓጢኣት ብምፍጻምዶ ንግዜኡ ሕይወታ ተድሕን ወይስ! ወይስ ነቲ ተኣምኖን ትእመኖን እግዚኣብሔር ከይተሕዝን ዝመጸ ይምጻእ እምቢ ትበል! ኣብ ዝብል መዋጥር ተኣቱ፣ ኣብዚ ንጽሕናን ሓጢኣትን ብልሽውናን ሕግን ይፋጠጡ፣ ወላ ኣብታ ዝሙት ናይ ዝተረኽበት ሰበይቲ እውን እንትርፊ ንጽሕና ሰለስቲኤን ጉዳያት ይመሳሰላ ከመይ እቶም ፈረድትን ከሰስትን ኩሎም ብብልሽውና ዝተዀማስዑ እዮም ነሮም፣ ከምዚኦም ዓይነት ደያኑ ኣብ ዓለምና ነሮም ሎሚውን ኣለው። ሽሕ’ኳ ኩልና ሓጥኣን እንተኾና ብልሽውና ግን እቲ ሓጢኣት ተኣኻኺቡ ቀስ ብቀስ ንሕልናኻ ክሽፍኖ እንከሎ እዩ፣ ኩለንትናኻ ሓጢኣት ይኸውን፣ እተ ዝገደደ ግን እቶም ብብልሽውና ማሲኖም ዘለው ጽቡቅ ከምዝገብሩ ክሓዝቡ ከለው እዩ፣ ኣብ ጉዳይ ሶስና እንተረኤና እቶም ክልተ ዝሸምገሉ ደያኑ ብፍትወት ስጋ ተገዚኦም ብናይ ሓሶት ክስን  ምስክርነትን የፈራርህዋ። እዚ ናይ ሓሶት ክስን ምስክርነትን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ብዙሕ ቦታ ንረኽቦ ናይ ናቡተ ጉዳይ ብዓቢኡ ከኣ ጐ.ኢ.ክ ብናይ ሓሶት ምስክርነት ናብ ሞት ከምዘብጽሕዎ ንምልከት፣ ድሕሪ ቢሎም ኣብታ ኣብ ዝሙት ናይ ዝተረኸበት ሰበይቲ ጉዳይ ምልስ ይብሉ እሞ እዞም ከሰስቲ እዚኦም ነቲ ሕጊ ክሕልው ክብሉ ኣብ ርእሶም ካልእ ሓሳብ ጨሪሱ ቦታ ኣይነበሮን ወላ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ኣይነበሮን እዚ ከኣ ናይ ሕጋውነት ብልሽውና ክንብሎ ንኽእል፣ ደረቅ ሕጊ ሒዝካ ወይ እቶ ወይ ውጻእ ኣብ ዝብል ምንቃጽ የስምዕ፣  ኣብ ቅድሚ እዞም ብዙሕ ግዜ ኢየሱስ ልቅሉቃት መቃብር እናበለ ዝወቅሶም ደያኑን ምሁራት ሕግን እቲ ሓቀኛ መምህር ኢየሱስ ብዙሕ ከይተዛረበ ‘ካባኹም እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ነታ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርቢ ይብሎም’ ነታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ከኣ ‘ኣይኩንነክን እየ ድሕሪ ደጊም ኣይትበድሊ’ ኢሉ የፋንዋ፣ ከምቲ ፈርሳውያንን ጸሓፍትን ዝገብርዎ ዘይኮነ ፍጽምና ሕጊ እዚ እዩ፣ ትንቢት ነዞም ደያኑ እዚኦም ኣብ ሕማቅ ኣመሎም ዝኣረጉ ኢሉ ይወቅሶም፣ ብማለት ናይ ፍርድን ብልሽውናን ጸገም ምስ ገለጹ ናባና ምልስ ብምባል ከኣ ‘ንሕናውን ብልብና ብዙሕ ግዜ ንሓሚ ንፈርድ! እዚ ብልሽውና ንዓናውን ይምልከት እዩ፣ ስለዚ ሎሚ ሓንሳብ ደው ቢልና ነቲ ብምሕረት ዝፈርድ ክርስቶስ ንመልከት ‘ኣነ እውን ኣይኩንነክን እየ ብሰላም ኪዲ ድሕሪ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ’ ንዝብል ነስተውዕለሉ እሞ ብምሕረትን ይቅረ ብምባልን ኢየሱስ ፍጽምና ሕጊ ምዃኑ ክንርዳእ ኢና ክብሉ ስብከቶም ደምደሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.