2017-04-01 16:48:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ አለሲዮ ማርገሪታ ዘሳቮያ ማእከል ዓይነ ስውራን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኣለሲዮን ማርገሪታ ዘሳቮያ ናይ ዓይነ ስውራንን መእለዪ ማእከል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና እቲ ማእከል ዘይተጸበዮም ኣብ መደብ እውን ዘይነበረ ማንም ዘይተጸበዮ ከምዝነበረ እውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናብቲ መእለዪ ዓይነ ስውራን ማእከል ብምዃድ ነቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ኣረጋውያንን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዓይነ ስውራንን ብተመላላስነት ምስ ዝሕከሙን ኩሎም ከምእተራኸቡን ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ናይቲ ማእከል ዋና ሓላፊ አመደዮ ፒቫ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ሓደ መዓልቲ ንኽበጽሑና ድላይ ከምዝነበሮም ንሰምዕ እውን እንተነበርና መዓስን ብኸመይን ግና እቲ ማእከል ኰነ ካልእ ማንም ዝፈልጦ ሓበሬታ ኣይነበረን ቢሎም እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ማንም ዘይተጸበዮ እዩ ኔሩ። ነቶም ኣብቲ ማእከል ዝእለዩን ወለድን ሰራሕተይናታትን ብጠቕላላ ንኹሉ ናይ ዓብይ ሓሴት ምኽንያት ከምዝዀነ ገሊጾም፥ ኣብኡ ተረኺቦም ዘረባ ኣየስምዑን እንታይ ደኣ ምስ ኩሎም ኣብቲ ማእከል ዝእለዩ ሓደ ብሓደ ሰላም ተበሃሂሎምን ቃላት ተለዋዊጦምን ምስ ኩሉን ሓደ ብሓደን ብጥልቂ ብኣካል ከምእተራኸቡን፡ መጀመሪያ ናብቲ ማእከል በጺሖምን ምስቶም ኣብቲ ኣፈት ዝነበሩን ደሓር ድማ ኣብ ቀዳማይ ደርብን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ በቢ ተራ ከይዶም ምስቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ተኣኪቦም እቶም ዝእለዩ ድማ ዓይነ ስውራን ብምዃኖም እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ሃንደበን ስለ ዝዀኖምን ቅድም ክብል እውን ዘይተዳለወን ዘይተሓበረን ብምንባሩ ኩሎም ብሓቂ ቅዱስ ኣቦና ዲኹም እናበሉ ከምዝሓተትዎምን ቅዱስነቶም ድማ እወ ኣነ ር.ሊ.ጳ. እየ እናበሉ ከረጋግጽሎም ከምእተሰምዔን ብፍላይ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ኣብቲ መዕቆቢ ዝእለይ ሕጻን ገጸ በረኸት ቢሉ ዝለገሰሎም ህያብ ዘኪሮም ምስ ነገርዎ ኣወ ብሓቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ኢኹም ክብል ድማ ከምዝመለሰሎምን እዚ ኹሉ ምስ እትርእይ እቲ ምብጻሕ ጥልቅን ግላውን ርክብ እዩ ነሩ ክበሃል ይከኣል ኢሎም።

ገሊኣቶም ካብቶም ዝእለዩ ምሉእ ብምሉእ ዓይነ ስውራን ዘይኰኑስ 10 ካብ ሚእትን ንታሕትን ናይ ምርኣይ ብቕዓት ዘለዎም ስለ ዝርከቡን ገሊኣቶም ድማ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ሕክምና ድጋፍ ክሓውዩ ዘይከኣሉ ናብ ምልኡ ብምሉእ ዓይነ ስውርና ዝወደቑ ዘለዉ ብምዃኖም ድምጾም ሰሚዕም ድንግዝግዝ ዝበለ ምርኣይ እውን እንተነበረ ከለልይዎም ከምዝኸኣሉን ፒቫ ገሊጾም፥ ንዓይነ ስውራን ዝበቕዕ ህያባት ለጊሶምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ድማ ነቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘጠናቐቑ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.