2017-03-30 17:02:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ ታሽዓይ ጉባኤ ስድራ ቤት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ወንጌል ስድራ ቤት፡ ሓሴት ንዓልምብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 26 ነሐሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዱብሊን ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ታሽዓይ ጉባኤ ስድራ ቤት ድሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 30 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ አድራሽ ቅድሚ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 11 ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረልን ናይታ እቲ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት እተእንግድ ናይ ኣየርላንድ ርእሰ ከተማ ዱብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዲያርሙድ ማርቲን ካብ ወጻእን ውሽጥን ዝመጹ ንዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ኣብ ዝተረኽብሉ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃብሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንኽቡር ሓው ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረልን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ቤት ጽሕፈት ህየተ ቢሎም ኣጀሚሮም፥

ድሕሪ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ከተማ ፊላደልፊያ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ሻምናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ መዕጸዊ እቲ ቀጻሊ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ ዱብሊን ንኽኸውን ከምዝወሰኑን ኣዘኻኺሮም ናብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ጉባኤ መደብ ምስንዳው ብወግዒ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን እቲ ጉባኤ ስድራ ቤት ካብ ዕለት 21 ክሳብ 26 ነሐሴ 2018 ዓ.ም. ከምቲ ዝወሰንዎ ናይቲ ጉባኤ መርሕ ቃልወንጌል ስድራ ቤት፥ ሓሴት ንዓለምዝብል ምዃኑ እውን ጠቒሶም ነቲ መርሕ ቃል ብዑምቀት ንምርዳእን ኣብዚ ኣርእስቲ ተመርኲይዙ ዝቐርቡ መብርህን ትንተናታት ዝድግፉ ቅኑዕ ኣመላኻቲ ሓሳብት ከቕርብ እፈቱ  ቢሎም፤ ብርግጽ እቲ ዝምነዮ ኣባይቲ ስድራ እቲ ኣብቲ Amoris laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ”  ዝተነብረ ሓሳብ ብጥልቂ ከስተንትኑን ትሕዝቶኡ ከዕሙቑን ዝብል ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ወንጌል ሎሚ እውን ንዓለም ሃሴት ድዩ ዝብልን ስድራ ቤት ሎሚ ንዓለም ሓድሽ ብስራት ምዃኑ ይቕጽል ዶ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ምቕራብ ግድን ከይኰነ ኣይተርፍን።

ርግጸይና እየእወ እቲ ሕቶ ምቕራብ አገዳሲ እዩ። ናይዚ መልሲ ድማ ጽኑዕ ኣብ መደብ እግዚኣብሔር ዝጸንዔ እዩ።  ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንመላእ ፍጥረትን ንልቢ ፍጥረትን ንዝዀነ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕራይ ዝበለሉ ናይ እግዚኣብሔር እንኰ መግልጺ እዩ። ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ንሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ክፉት ዝኸውንን ንዘግልግልን ስምረት ሕራይ ናይ እግዚኣብሔር እዩ፡ ስምረት ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ንሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ክፉትን ዘገልግልን እዩ። ነዚ  ሕራይ ናይ እግዚኣብሔርን መደብ እግዚኣብሔርን ነቲ ብዙሕ እዋን ዝቖስልን ዝሳቐን ዝግፋዕን ብስእነት ፍቕሪ ዝጽቀጥን ሰብኣውነት እዩ። በዚ ምኽንያት ስድራ ቤት ሕራይ ናይ እግዚኣብሔር እዩ። ካብ ፍቕሪ ብምብጋስ ጥራሕ እዩ ስድራ ቤት ኣብ ዓለም ናይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክገልጽን ከስፍሕን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዳግም ክፈጥር (ክወልድ) ዝኽእል። ብዘይ ፍቕሪ ከም ደቂ እግዚኣብሔርን ሰብ ሓዳርን (በዓልቲ ቤትን በዓል ቤትን) ኰይንካ ምንባር ዘይከኣል እዩ።

ኣባይቲ ስድራ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ተበጊሶምን ስለ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ዝነብሩ ምዃኖም ገዛእ ርእሶም ክሓቱን ክምርምሩን እምነይ ቢሎም እዚ ማለት ድማ ምምሕሓርን ይቕረ ምብህሃልን ዓቃልን ኣብ ምሕረትን ይቕርታን ምቕዳንን ምክብባርን ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ በቢ ዕለቱ ከም በጃኻን የቐንየለን ኣይትሓዘለይን ዝብሉ ተራ ቃላት እንነብሮም እንተዝኸውን ናይ ስድራ ቤት ህይወት ክንደይ ብሉጽ ምዀነ ኔሩ፡ ንሕና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኩላትና ኣባይቲ ስድራ ይኹኑ መጋብያን (ካህናት-ጓሶት) ናይ ተነቃፍነትን ድኻምነትን ተመክሮ ንገብር ንኽንሕነጽን ግሩም ባህርይ ዘለናን ክንሕነጽን ግሩም ባህርይ ንኽህልወና ፍቓደይናታት ንኽንከውንን ገዛእ ርእስና ክንሕግዝን ንኽንሕገዝን ንኽንሰነይን ንልልያን ኣብ ጉዕዞ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ምሉእ ሰብ ንኽንከውን ፈቓደይናታት ናይ ምዃን ተበጻሒ ሃረርታ ኣብ ውሽጢ ዝቕርጽ ዝተሓደሰ ትሕትና የድልየና ዝበሉ ቅዱስ ኣቦባ ኣስዒቦም፥

ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዝቖሰለ ሰብ ፍንትት ቢላ ዘይትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያንን እቲ ናይ እግዚኣብሔር ግልጸት ሕመረት ዝዀነ መሓሪ ፍቕሪ እተበስር ቤተ ክርስቲያን ሃረር እብል፡ እዚ ምሕረት እዚ እዩ ኣብ ፍቕሪ ሓደስቲ ዝገብር። ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ናይ ምሕረት ሥፍራ ኰይኖም ዝነብሩን ምሕረት ዝምስክሩ ከምዘለዉን ድሕሪ እቲ ዝነበርናዮ ኢዮቤል ፍልዩ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ድማ ብዝበለጸ ናይ ምሕረት ስፍራ ንምዃን ከምዝበቕዑ ኣብቲ ናይ ድቡሊን ጉባኤ ድማ ጭቡጥ ምልክታ ምሕረት ከቕርቡ ከምዝእኽሉ ርድኢት ኣሎና።”

መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናብቲ ናይ ዱብሊን ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምስንዳዋት እቲ ኣብዚ መልእኽቲ’ዚ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ እዕድም ይብሉ።

ንስኹም ክቡር ሓው (ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረልን) ብሓባር ምስ ተሓበብርቶኹምን እቲ ኣብቲAmoris laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ”  ተነቢሩ ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ ወትሩ ኣብ ጉዕዞን ኣብቲ ውሳጣዊ ንግደት ናይ ሓቀይና ሕይወት ኣስተርእዮ ክዀኑ ሃረር ከምእትብል ዘነጽር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከዕሙቑ ናይ ምግባር ሓላፍነት ግዲኹም እዩ፡” ይብሉ።

ሓሳበይ ብፍሉይ ናብ ናይ ዱብሊን ሊቀ ጳጳስን ናብታ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብለጋስነት እተእንግድን ነዚ ዓቢይ ዝዀነ ጉባኤ ዝመጣጠን ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ናብ ዘላ ፍትውቲ ሃገረ ኣየርላንድ የቕንዕ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዝኩም ድማ ሞሳ እግዚኣብሔር ኣይፈለየኩም ቢሎም፥“ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ኣገልግሎትኩምን እቲ ዓቢይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዱብሊን ንምክያድ ኣብ ዝግበሩ ምስንዳዋትን ንኹሉ ኣባቲ ስድራ ትምራሕ ተሰይንን ትባርኽን።

ዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም.

ሃገረ ቫቲካን

ቢሎም መልእኽቶም የጠቓልሉ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.